ፕረዚደንት ኢሳይያስ ብ13 ነሓሰ ናይ ቅትለት ፈተነ ካብ ዝካየደሉ ንደሓር ፍጹም ከምዘይተራእየ ምንጭታት ሓቢሮም።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ብ13 ነሓሰ 2009 ኣብ ማይ-ኣጣል ብተጋዳላይ ዳኒኤል ሃብተ ይሕደጎ ናይ ቅትለት ፈተነ ካብ ዝካየደሉ ንደሓር ፍጹም ከምዘይተራእየ ምንጭታት ካብ ኤርትራ ሓቢሮም። … more

ስርዓት ህግደፍ ምስቲ ኣብ ልዕሊ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ዝተኻየደ ፈተነ ቕትለት ብዝተኣሳሰረ ምኽንያት ሰለስተ ኣባላት ፖሊስ ኣሲሩ።

  (ስእሊ፡ ሓላፊ ሓለዋ ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡ ኮለኔል ተስፋልደት – ካብ ርሑቕ ዝተሳእለ – ስእሊ ንዝለኣኸልና ምንጪ ነመስግን) ስርዓት ህግደፍ ምስቲ ብሓሙስ ዕለት 13 ነሓሰ ኣብ ልዕሊ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኣብ ማይ-ኣጣል ዝተኻየደ ናይ ቅትለት ፈተነ ብዝተኣሳሰረ ምኽንያት ሰለስተ ኣባላት ፖሊስ ከምዝኣሰረ ኣብ ፓሪስ ዝመደበራ ድምጺ-ኢሬና ንምንጭታታ ብምጥቃስ ሓቢራ። … more

ስድራቤት ናይቲ ንፕረዚደንት ኢሳይያስ ንምቕታል ኣብ ዝተኻየደ ፈተነ ዝተሰወአ ሓረበኛ ተጋዳላይ ዳኒኤል ሃብተ ይሕደጎ ናይ ሓዘን ስነስርዓት ከየካይዱ ብሰበስልጣን ጸጥታ ህግደፍ ተኣዚዞም።

ጀጋኑ ኣባላት ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ብሓሙስ 13 ነሓሰ 2009 ልክዕ ሰዓት 16፡00 ድሕሪ ቀትሪ ኣብ መንገዲ ኣስመራ ኣብ ከባቢ ማይ ኣጣል (ጋሕተላይ) ብቀጭ ሕርሙ ዝዓይነቱ ብረት ኣብ ልዕሊ ጸይቀ ዕሉል ፕረዚደንት ኢሰያስ ኣፈወርቂ ከቢድ ፈተነ ቅትለት ኣካይዶም፡ እቲ ፕረሲደንት ንስክላ ክድሕን ከሎ ተሰቒሉዋ ዝነበረ መኪና ብጠያይቲ ከምዝተሃሞኸት ምንጭታት ኣሰና ካብ … more

ጀጋኑ ኣባላት ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ኣብ ልዕሊ ዕሉል ውልቀመላኺ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ናይ ቅንጸላ ፈተነ ኣካይዶም።

ጀጋኑ ኣባላት ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ትማሊ ሓሙስ 13 ነሓሰ 2009 ልክዕ ሰዓት 16፡00 ድሕሪ ቀትሪ ኣብ ከባቢ ማይ ኣጣል ጋሕተላይ ብቀጭ ሕርሙ ዝዓይነቱ ብረት ኣብ ልዕሊ ጸይቀ ዕሉል ፕረዚደንት ኢሰያስ ኣፈወርቂ ከቢድ ፈተነ ቅትለት ኣካይዶም፡ እቲ ፕረሲደንት ንስክላ ክድሕን ከሎ ተሰቂሉዋ ዝነበረ መኪና ብጠያይቲ ከምዝተሃሞኸት ምንጭታት ኣሰና ካብ ኣስመራ ሓቢሮም። … more

ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ወተሃደራዊ ሰበልጣን ኢራንን ሓደ ካብ ወተሃደራዊ ኣዛዚ ኣልቓዒዳን፡ ኣብ ኤርትራ ከምዝተራኸቡን ኣብ ግጭት የመን ኢድ ከምዘለዎምን ተሓቢሩ።

መራሒ ህግደፍ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ወተሃደራዊ ሰበስልጣን ኢራን ከምኡ ‘ውን ሓደ ካብ ቀንዲ ወተሃደራዊ ኣዘዝቲ ኣልቓዒዳ ምዃኑ ዝንገረሉ ሄመል ኽትያር ኣልዕቡድ፡ ኣብ ኣስመራን ባጽዕን ስሉስዊ ርክብ ከምዘካየዱ ምንጭታት ሓቢሮም። … more

‘ናስ ኣየር’ ዝተባህለት ነፋሪት ኢሳይያስ ኣብ ዘይሕጋዊ ዕዳጋ ተዋፊራ ከምዘላ ምንጭታትና ካብ ኣስመራ ሓቢሮም፡፡

  እታ ንብረት ውልቀ መላኺ ኢሰያስ ኣፈወርቂ ዝኾነት፡ ኣብ ምጽዋዕ ዝመደበራ ‘ናስ ኣየር’ ተባሂላ እትፍለጥ ነፋሪት፡ ኣብ ዘይሕጋዊ ንግዲ ተዋፊራ ከምዘላ ምንጭታት ካብ ኣስመራ ሓቢሮም። … more

ውልቀ መላኺ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ታሪኽን ባህልን ኤርትራ ጠቀስ ሰነድ ብምህጋር፡ ዝኾነ ታሪኻዊ መዝገብ ንኸይሕተም ይኽልክል።

ውልቀ መላኺ ኣቶ ኢሳይያ ኣፈወርቂ ካብ ጊዜ ብረታዊ ቃልሲ ማለት ካብ 1976 ኣትሒዙ ዝተኣከበን ዝተጸንዐን ዝተሰነደን ንታሪኽን ቋንቋን ባህልን መበቆልን ሃይማኖትን ሃብቲ ባሕርን መሬትን ያታዊ-ሕግታትን ዘጠቓለለ፡ ብድምር ክሳብ ዓሰርተ ሓሙሽተ ሽሕ ገጻት ዝሓዘ ሰፊሕ መዝገብ፡ ዝኾነ ይኹን ቅዳሕ ከይተርፍ ኣጻርዩ፡ ብምሉኡ ነቲ ሰነድ ካብ ቤት ጽሕፈት መጽናዕትን ስነዳን ምርምርን ናብ … more

ውልቀመላኺ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ነቲ ህዝቢ ናይ 88 ዓድታት ኣፈናቒሉ ንምግዓዝ መዲቡዎ ቦታ ተዘዋዊሩ ተዓዚቡዎ።

መራሒ ስርዓት ህግደፍ ውልቀመላኺ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ኣብዚ ሰሙን’ዚ ብጽኑዕ ሓለዋ ተሰንዩ ናብ ዞባ ጋሽ ባርካ ብምኻድ፡ ካብ 88 ዝተፈላለያ ዓድታት ከበሳ ህዝቢ ኣፈናቒሉ ንምግዓዝ መዲቡሉ ዘሎ ከባቢ ዓሊግድርን ፋንኮን ገርሰትን ተዘዋዊሩ ከምዝተዓዘበ ብምምልካት፡ እቲ ናይ ምፍንቃል መደባት ንኽቃላጠፍ ተሪር መልእኽቲ ኣመሓላሊፉ ከምዘሎ ምንጭታትና ሓቢሮም። … more

ኣብ ልዕሊ ሰራሕተኛታት ቤት ጽሕፈት ፕረሲደንትን ህግደፍን ጥቡቕ ምቁጽጻር ክግበር ኢሳይያስ ኣዚዙ።

ካብ ቻይና ናብ ሆንግኮንግ ዝተመሓላለፈ ቼክ ኣብ መርበብ ሓበሬታ ኣሰናን ካልኦት መርበባትን ድሕሪ ምዝርግሑ ዝሰንበደ ፕረዚደንት ኢስያስ፡ እቲ ዜና ምስ ተቓልሐ ድሕሪ ሒደት መዓልታት፡ ኣብ ልዕሊ ሰራሕተኛታት ቤት ጽሕፈት ፕረሲደንትን ህግደፍን ጥቡቕ ምቁጽጻር ንኽካየድ ትእዛዝ ከምዘመሓላለፈ ምንጭታትና ካብ ኣስመራ ሓቢሮም። … more

ናይ 276 ሚልዮን ዶላር ምስግጋር ገንዘብ ኢሳይያስ ዘቃልዕ ሰነድ ኣብ ኣሰና ድሕሪ ምዝርግሑ፡ ኢንተርነት ካፈታት ኤርትራ ጽኑዕ ምቍጽጻር ይገብረለን ኣሎ

ውልቀመላኺ ኢሳይያስ፡ ካብቲ ብጥምየትን ድኽነትን ዝልሎ ዘሎ ህዝቢ ኤርትራ ሸማጢጡ ካብ ዘዋህለሎ ቢልዮናት ዶላራት፡ ብኸፊል፡ ኣብ ቻይና ካብ ዝርከብ ብስሙን ስም ወዱን ዝንቀሳቐስ ናይ ባንክ ሕሳብ፡ 276 ሚልዮን ዶላር ከምዘመሓላለፈ ዘቃልዕ ሰነድ ኣብ መርበብ ሓበሬታ ኣሰና ድሕሪ ምዝርግሑ ኣብ ምሉእ ኤርትራ ዝርከባ ኢንተርነት ካፈታት፡ በቲ መጋበርያ ውልቀመላኺ ኢሳይያስ ክኸውን ዝተመልመለ … more

ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኣብ ቻይና ካብ ዝርከብ ብስሙን ብስም ወዱን ዝንቀሳቐስ ናይ ባንክ ሕሳብ፡ 276 ሚልዮን ዶላር ከምዘመሓላለፈ ብሰነድ ተረጋጊጹ፡፡

ህዝቢ ኤርትራ ብሕሱም ጥሜትን ድኽነትን ኣብ ዝሕለበሉ ዘሎ እዋን፡ ውልቀ መላኺ ኢሳይያስ በቲ እሙን ኣገልጋሊኡ ሓጎስ ገብሪሂወት (ክሻ) ኣቢሉ፡ ካብ ንግድን እንዳስትሪን ቻይና ናብ ፉቦን ባንክ ሆንግ ኮንግ፡ 276,468,220.07 ዶላር ብምትሕልላፍ፡ መሐወሊ ናይ ባንክ 149,292.84 ዶላር ከምዝኸፈለ፡ ነቲ ናይ ምትሕልላፍ ሰነድ ምርኩስ ብምግባር ካብ ከርሲ ቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት ምንጭታትና ሓቢሮም። … more

ብሃንደበታዊ ጻውዒት ፕረዚደንት ኢሳይያስ ዝተጋበአ፡ ‘ስሉሳዊ ኣኼባ’ መራሕቲ ህግደፍ ብዘይፍረ ከምዝተዛዘመ ምንጭታት ሓቢሮም።

  ብሃንደበታዊ ጻውዒት ፕረዚደንት ኢሳይያስ ብህጹጽ ዝተጋበአ፡ ካቢኔ ሚኒስተራት፡ ኣመሓደርቲ ዞባታትን ኣዘዝቲ ስሪሒታትን ዝተሳተፉዎ፡ ‘ስሉሳዊ ኣኼባ’ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ኣኼባ መራሕቲ ስርዓት ህግደፍ፡ ከምቲ ተመዲቡዎ ዝነበረ፡ ንኻልኣይ መዓልቲ ‘ኳ ከይቀጸለ፡ ስምምዕ ተሳኢኑዎ ፍረ-ኣልቦ ኮይኑ ከምዝተዛዘመ ምንጭታትና ኣፍሊጦም። … more

‘ፕረዚደንት’ ኢሳይያስ ብወዛ ሚኒስተራት ከካይድ ምዃኑ መርበብ ሓበሬታ ኣሰና ኣብ ፈለማ ወርሒ መጋቢት ንዘመሓላለፈቶ ዜና ሮይተርስ ኣረጋጊጹዎ።

‘ፕረዚደንት’ ኢሳይያስ ብወዛ ሚኒስተራት ከካይድ ምዃኑ መርበብ ሓበሬታ ኣሰና ብ4 መጋቢት 2009 ንዘመሓላለፈቶ ዜና ኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ ሎሚ  ካብ ካምፓላ ኣብ ዘመሓላለፎ ዜና ኣረጋጊጹዎ። … more

ስርዓት ኢሳይያስ 22 ገዳማት ኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስትያን ምስናይ ቅርስታተን ብምህጋር፡ ናብ ወታሃደራዊ ማዓስከርን፡ ቤት ማእሰርትን ክቕይርን መደብ ኣውጺኡ፡፡

  ውልቀምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ኣብ ሙሉእ ኤርትራ ዝርከባ 22 ገዳማት ኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስትያን ንብረተን ዝኾነ ጥንታውን ታሪኻውን ቅርስታት ብምህጋር፡ ነተን ገዳማት ናብ ወተሃደራዊ መዓስከራትን ኣብያተ ማእሰርትን ክቕይረን መዲቡ ከምዘሎ ምንጭታትና ካብ ኣስመራ ሓቢሩ። … more

ስነስርዓት ቀብሪ ናይቶም ንፕረዚደንት ኢሳይያስ እናዓጀቡ ዝሞቱ ኣርባዕተ ‘ቦዲጋርድስ’ ፡ ትማሊ ተፈጺሙ። ህግደፍ ግን ነቲ ፍጻሜ ንምሕባእ ኣጕል ፈተነ ይቕጽል

ስነስርዓት ቀብሪ ናይቶም ንፕረዚደንት ኢሳይያስ እናዓጀቡ ኸለዉ ኣብ ጋሽ ባርካ ዝሞቱ ኣርባዕተ ሓለዋ፡ ‘ቦዲጋርድስ’ ትማሊ ቀዳም 7 መጋቢት ኣብ መቓብር ሓርበኛታት ተፈጺሙ። … more

ኣህጉራዊ ቤትፍርዲ ኣንጻር ገበነኛታት፡ ፕረዚደንት በሺር ክእሰር ፍቓድ ይህብ፡ /ፕረዚደንት ኢሳይያስ ንዕኡ ‘ውን ከምዘይተርፎ ስግኣቱ ይገልጽ።

ኣህጉራዊ ቤትፍርዲ ኣንጻር ገበነኛታት፡ ፕረዚደንት ሱዳን ዑመር ሓሰን ኣልበሽር ኣብ ዳርፉር ብዝፈጸሞ ገበናት ‘ኵናትን ጸረ ሰብኣውነትን ኣብ ፍርዲ ክቐርብ ናይ ማእሰርቲ ፍቓድ ከምዝሃበ ሎሚ 4 መጋቢት 2009 ኣብ ዘ ሄግ ኣብ ዝሃቦ ወግዓዊ መግለጺ ኣፍሊጡ። … more

ፕረዚደንት ኢሳይያስ 16 ኣምባሳዶራት ክድስክሉ ትእዛዝ ከም ዘመሓላለፈ ምንጭታትና ካብ ኣስመራ ሓቢሮም።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ 16 ኣምባሳዶራት ካብ ስርሖም ክድስክሉ ትእዛዝ ከም ዘመሓላለፈን እቲ ጉዳይ ኣብ ውሽጢ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ዓቢ ምፍሕፋሕ ፈጢሩ ከምዘሎን ምንጭታትና ካብ ኣስመራ ሓቢሮም።  እቶም ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ናብ ኣስመራ ድሕሪ ምጽውዖም ብ20 ለካቲት ኢሳይያስ ናይ መዛዘሚ ኣኼባ ዘካየደሎም ኣምባሳደራት፡ ኣብቲ ኣኼባ በዳህቲ ሕቶታት ከምዘቕረቡሉ ኣብቲ ዘተ ዝተሳተፉ ምንጭታት … more