መሰዋእትን ምሳሌታቱን (ሓንቲ ዓለም) ብ ኣማኑኤል ሳህለ

ብዘይ መስዋእቲ ዝኾነ ዓይነት ምዕባለ የልቦን። ብዙሕ ዓይነት መስዋእትነት ኪህሉ ይኽእል ይኸውን። ናይ ግዜኻ ምስዋእ፡ ናይ ጉልበትካ፡ ናይ ምቾትካ ምስዋእ፡ ናይ ገንዘብ፡ ናይ ዝና፡ ናይ ስልጣን ወዘተ.። ኣብዛ ዩኒቨርስ ናጻ ድራር ዚብሃል ነገር የልቦን። ማለት፡ ኩሉ ከፊልካ ኢዩ ዚርከብ።

መገዲ መንእሰይ (ሓንቲ ዓለም) ብ ኣማኑኤል ሳህለ (ታሽዓይ ክፋልን መወዳእታን)

ሓድሓደ ግዜ ካብ ሳልሳይ ዓለም ናብተን ዝሰልጠና ምዕራባውያን ሃገራት ክትስደድ ከሎኻ፡ ከምዚ ካብ ዓለም ናብ ማርስ ወይ ጁፒተር እትገይሽ ዘሎኻ ኮይኑ ኢዩ ዚስመዓካ፡ ከመይሲ እቲ ኣብተን ምዕራባውያን ሃገራት ማዕቢሉ ዘሎ ንመሰላት ወድሰብ ዚምልከት ኣምራት ወይ መትከላት፡ ኣዚዩ ዘገርምን ዘደንጹን ብምዃኑ።

መገዲ መንእሰይ (ሓንቲ ዓለም) (ሓምሻይ ክፋል) ብ ኣማኑኤል ሳህለ

ንኣይ ካብ ኩሉ ነገራት ዝገርመኒ እንተሎ፡ ኣብተን መስረትቲ ደሞክራሲ ሃገራት ኵድም ኢልካ፡ መሰለይ ተገፊፈ እናበልካ ናብ ቤትፍርዲ እናኸሰስካ፡ ከምዚ ተበዲለ፡ ዝያዳ ኣኽፊልኩምኒ፡ ብዓሌታዊ መገዲ ስለ ዘዳለኹምኒ ከሓሱኒ፡ ኣደይ ኣምጽኡለይ፡ ሰበይተይ ጸውዑለይ: ደቀይ ኣክቡለይ፡ ወዘተ. ብምባል ነቲ መንግስቲ ላሕ እናበልካ፡

መገዲ መንእሰይ (ካልኣይ ክፋል) (ሓንቲ ዓለም) ን ኣማኑኤል ሳህለ

ሽሕኳ ሃይማኖት ንባዕሉ ምኽንያት ውግእ ኪኸውን ዘይክእል እንተኾነ፡ ንሓያሎ ኣጀንዳታት ግን ከም ሽፋን ኮይኑ ከገልግል ጸኒሑ ኢዩ። ሓደ ህዝቢ ወይ ጉጅለ ገለ ማሕበራዊ ጸገም ምስ ዘጋጥሞ ወይ ፍትሒ ምስ ዚጐድሎ፡ ነቲ ዘይፍትሓውነት ንኺዋግኦ ሓይሊ ዚህቦ ውሽጣዊ ድፍኢት ይደሊ ኢዩ። ስለዚ ንሃይማኖት ከም መሳርሒ ተጠቒሙ ቃልስታቱ የካይድ ማለት ኢዩ።

ልበይ እምበር ኢደይ ደም የብሉን – ኣማኑኤል ኢያሱ

እዚ ኣርእስቲ’ዚ ቃል ንቓሉ እንተወሲድናዮ ብዙሕ ትርጉም ኣይህብን ‘ዩ። መን ‘ሞ ‘ሎ ሰብ ኮይኑ ኣካላቱ ብቐይሕ ደም ዘይዘፈቐ፡ መን ከ ‘ሎ ኢዱ ቀይሕ ደም ተቐቢኡ ዝኸይድ? ብያታዊ ኣበሃህላ ሕብረተሰብና ግን፡ ደም ካልእ ምስላዊ ትርጉም ‘ውን ኣለዎ።

መንእሰያት ኤርትራ (ሓንቲ ዓለም ) ብ ኣማኑኤል ሳህለ

መንእሰያት ኤርትራ ኣይተዓደሉን። ጽቡቕ ዕድል ከይጠዓሙሉ ተወዲኡ። ናጽነት ብምርካብ ክርህዎምን ክጥዕሞምን ዝሓሰቡዎ፡ ኣብ ፈቐዶ ናይ ስደተኛታት መዓስከራትን፡ ኣብ ዘይምቹእ ካልእ ቦታታትን ደሴታትን ሃገራትን ኮይኖም ይሳቐዩ ኣለዉ።

ኣማኑኤል ኢያሱ እዝጊ ኣማኺሩካ! (2ይ ክፋል) ብ ማይክል(ብራዘር) ተኸለ

ኣብ ቀርዳማይ ክፋል ጽሑፈይ: ንወዲ ትኹል ኣልዒለ ብዛዕባ ህላዌኡ: መርገጺኡ ኣብ ስርዓት ህግደፍ ዘሎዎ ቀይሩ ንህዝቡ ክኽሕስ:ንዝሕረረ ልቢ ህዝቡ ክድብስን ንሰማእታትና ድማ ሞስኦም ክመልስ ዝብል ጽሒፈ ኔረ፣ሕጂ ድማ ካልኣይ ክፋል ናይ ተስፋይ መሓሪ(ፍሒራ) የቅርበልኩም

ለውጢ ኣብ ኣተሓሳስባ (ሓንቲ ዓለም) ብ ኣማኑኤል ሳህለ

ሓደ እዋን ኳዅ ግዜ ሞቱ ስለ ዝቐረበ ንደቁ ኣብ ጥቓ ዓራቱ ኪመጹ ኣዘዘ’ሞ፡ ከምዚ ኪብል ተዛረቦም፣ እነሆ እምበኣር ኣነ ኣሪገ እየ፡ ደጊም ምምዋተይ ቀሪቡ ኢዩ፡ ግን ሓደ ነገር ክመኽረኩም ስምዑኒ፣ ኣብ ኦም ዓሊብኩም ምስ እትህልዉ እሞ፡ ቈልዑ ናባኹም ቀሪቦም እምኒ ከልዕሉ ድንን ምስ ዚብ ሉ፡ ፍር ኢልኩም ደኣ ካብቲ ቦታ … more

ኣማኑኤል ኢያሱ እዝጊ ኣማኺሩካ !

ወዲ ትኹል ብሓቂ ኣብ ልዕሊ መሬት ትነብር ኣለኻ? ኣብ ልዕሊ መሬት ትነብር እንተሊኻ ኣበል ደኣ ‘ሎ እቲ ኩሉ ክእለትካ? ኣበይ ኣሎ እቲ ጥዑም ጎሮሮኻ? ድምጽኻ ኣብ ክንዲ ንደገ ተውጽኦ ከም ዝተደጎለ ሓዊ ንውሽጢ መሊስካዮ፡ ከም ነብሰ ጾር ኣብ ከብድኻ ሒዝካዮ ትጓዓዝ ኣለኻ።