ሓበሬታ ካብ ድምጺ ኣሰና ንተቐማጦ ዋሺንግተን ዲሲን ከባቢኣን

ድምጺ ኣሰና ነቲ ‘ኤርትራ ብዓይኒ ህዝባ’ ኣብ ትሕቲ ዝብል ዓምዲ ብምኽንያት መበል 20 ዓመት ናጽነት ኤርትራ፡ ኩሉ መዳያዊ ኩነታት ሃገርና ንምግምጋም ዝጀመረቶ ሓባራዊ ዘተ ንቐዳም 21 ግንቦት ‘ውን ኣብ ዋሺንግተን ዲሲ ከተካይዶ ምዃና ንተቐማጦ ዋሺንግተን ዲሲን ከባቢኣን ትሕብር። … more

ሓበሬታ ካብ ኣሰና- ንተቐማጦ ኣትላንታን ከባቢኣን

ድምጺ ኣሰና ብምኽንያት መበል 20 ዓመት ናጽነት ኤርትራ፡ ተመክሮ ሃገርና ኣብ ኩሉ መዳያት ንምግምጋም፡ ‘ኤርትራ ብዓይኒ ህዝባ’ ብዝብል ኣርእስቲ ንዝጀመረቶ ፍሉይ መደብ ሓባራዊ ዘተ ብምቕጻል፡ ጽባሕ ቀዳም 14 ግንቦት፡ ኣብ ኣትላንታ፡ ‘ናጽነት ሃይማኖት’ ኣብ ኤርትራ ኣብዚ ዝሓለፈ 20 ዓመታት እንታይ ይመስል ከምዝነበረ ክትድህስስ እያ። … more

ስርዓት ህግደፍ ኣብ ወጻኢ ዝርከባ ማሕበረኮማት ኤርትራውውያን

ስርዓት ህግደፍ፡ ብዝተፈላለየ መንገዲ ኢዱ ብምእታው፡ ኣብ ወጻኢ ዝርከባ ማሕበረኮማት ኤርትራውውያን ዓምቢበን ንኤርትራዊ ማሕበረሰብ ግቡእ ኣገልግሎት ክይህባ ቀንዲ ዕንቅፋት ኮይኑ ከምዘሎ ኣብ ቶሮንቶ (ካናዳ) ዝነብሩ ኤርትራውያን ትማሊ  7 ግንቦት ‘ኤርትራ ብዓይኒ ህዝባ’ ኣብ ትሕቲ ዝብል መደብ ገምጋም 20 ዓመታት ናጽነት ምስ ድምጺ ኣሰና ኣብ ዘካየዱዎ ሓባራዊ ዘተ ገሊጾም። … more

ሓበሬታ ኣሰና ኣብ ካናዳ ንዝቕመጡ ኤርትራውያን

ድምጺ ኣሰና፡ ነቲ ብምኽንያት መበል 20 ዓመት ናጽነት ዝጀመረቶ ‘ኤርትራ ብዓይኒ ህዝባ’ ዘርእስቱ መደብ ሓባራዊ ዘተ ብምቕጻል፡ ንጽባሕ ቐዳም 7 ግንቦት ኣብ ቶሮንቶ (ካናዳ)፡ ንኩነታት መራኸቢ ብዙሓንን ሞያ ጋዜጠኛነትን ኣብ ድሕሪ ናጽነት ኤርትራ፡ ከምኡ ‘ውን ኩነታት ማሕበረኮማት ኤርትራውያን ኣብ ወጻኢ እንታይ ከምዝመስል ክትድህስስ እያ። … more

ኣዕሩኽ ኣሰና ካብ ኖርወይ

ኣብዚ ዝሓለፈ ቅንያት ህግደፍ ናይ መንእሰያት ኣኼባ ኣብ ኖርወይ ክገብሩ ከምዝቐነዩ ብመራኸቢ ብዙሓን ተቓሊሑ። እዚ ኩነት’ዚ ነቶም ገርሀኛታት ”ለካ ህግደፍስ ኣብ ኤውሮጳ ገና ብርክት ዚበሉ ደገፍቲ ኣለዉዎም” ከምዝብሉ ጌሩዎም ኪኸውን ይኽእል ኢዩ። እቲ ሓቂ ግን ከምኡ ኣይኮነን። … more

ሓበሬታ ንተኸታተልቲ ድምጺ ኣሰና

ክቡራት ተኸታተልቲ ድምጺ ኣሰና ብተክኒካዊ ምኽንያት ድምጺ ኣሰና ምኽፋት እንተኣብዩኩም ወይ ውን ዝሓለፈኩም መደባት ክትሰምዑ ምስ እትደልዩ ኣብዚ ሊንክ ‘ዚ ጠውቑ፡ ኣርካይቭ ኣሰና ወይ BLIPTV ASENA EPISODES ARCHIVE … more

ኣብ እስራኤል ዝርከቡ መንእሰያት ምስ ኣሰና ኣብ ዝገበሩዎ ሓባራዊ ዘተ፡ መዓታት መንእሰያት ኤርትራ ከብቅዕ፡ ስርዓት ህግደፍ ካብ ስልጣን ተኣልዩ ሓዱሽ ዲሞክራስያዊ ስርዓት ክትከል ከምዘዎ ገሊጾም።

ኣብ እስራኤል ዝነብሩ ተመሃሮ ዩኒቨርሲቲ፡ መማህራን፡ ተጋደልቲ ነበርን ኣባላት ሃገራዊ ኣገልግሎትን ዝርከቡዎም ኤርትራውያን መንእሰያት፡ ብቐዳም 23 ሚያዝያ ምስ ድምጺ ኣሰና ኣብ ዝገበሩዎ ሓባራዊ ዘተ፡ እቲ ኣብ ውሽጢ ሃገር ከም እሱር፡ ኣብ ስደት ከኣ ከም ጅሆ እናተታሕዘ ኣብ ታሪኽ ኤርትራ ዋላ ኣብ ግዜ መግዛእቲ ከይተረፈ ተሰሚዑ ዘይፈልጥ ስቅያትን ግፍዕን ዘሕልፍ ዘሎ … more

ናይ ሰዓት መደብ ፈነወ ሓጺር ማዕበል ራድዮ ድምጺ ኣሰና ናብ ኤርትራ ሎሚ ሰኑይ 21 መጋቢት ፈሊሙ።

እዚ ሎሚ ጀሚሩ ዘሎ፡ ኣብ ሰሙን ሰለስተ ግዜ ማለት፡ ሰኑይ፡ ረቡዕን ዓርብን ብኣቋጻጽራ ኤርትራ ካብ ሰዓት 8፡00 ክሳብ ሰዓት 9፡00 ምሸት ዝፍኖ መደብ፡ ነታ ብፍላይ ናብ ኤርትራ ኣብ ሰሙን ክልተ ሳዕ ነናይ ፍርቂ ሰዓት መደብ ጥራይ ትፍኑ ዝነበረት ራድዮ ኣሰና፡ ካብ ጽበት ግዜ ብመጠኑ ከገላግላ እዩ። … more

ዓውዲ ትምህርቲ ሃገርና ኤርትራ ኣብዚ ዝሓለፈ 20 ዓመታት

ስርዓት ህግደፍ፡ ብዝተኸተሎ ግጉይ ፖሊስን ምሕደራን ትምህርቲ፡ ዓውዲ ትምህርቲ ሃገርና ኤርትራ ኣብዚ ዝሓለፈ 20 ዓመታት ናጽነት ፍረ-ኣልቦ ከምዝነበረ፡ ኣብ ኤርትራ ኣብ ምምዕባል ካሪክለምን ምስትምሃርን ዝነጥፉ ዝነበሩ ክኢላታት፡ መማህራን ዩኒቨርሲትን ተሳተፍትን ትማሊ 13 መጋቢት ኣብ ለንደን፡ ዓባይ ብሪጣያን ምስ ድምጺ ኣሰና ኣብ ዘካየዱዎ ሓባራዊ ዘተ ገሊጾም። … more

ጻውዒት ንተኸታተልቲ ድምጺ ኣሰና

ዝኸበርኩም ተኸታተልቲ ድምጺ ኣሰና፣ ንሕና ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ እንርከብ ኣዓሩኽ ኣሰና፣ እታ ተስፋ ህዝቢ ኮይና ዘላ ድምጽኹም ድምጺ ኣሰና፣ ዘጋጥማ ዝነበረን ዘሎን ፋይናንሳዊ ጸገም ንምፍታሕ፣ ተበግሶ ወሲድና፣ ዝተፋላለየ መደባት ሰሪዕና፣ ጻዕርታት ካብ ንጅምር ነዊሕ ኮይኑ ኣሎ። … more

ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣቶ መለስ ዜናዊ ምስ ኣሰና ዘካየዶ ቃለመጠየቕ

ክቡራት ተኸታተልቲ ኣሰና: ክቡር ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣቶ መለስ ዜናዊ፡ ምስ ኣሰናዳኢ ኣሰና ኣማኑኤል ኢያሱ ትማሊ ዓርቢ 25 ለካቲት ዝገበሮ ሰፊሕ ቃለመጠየቕ ብራድዮን ኦንላይን ቲቪን ብተኻታታሊ ከነቕርበልኩም ምዃና እናሓበርና ምክትታልኩም ንዕድም። … more

ስርዓት ህግደፍ ጽሑፋት ኣሰና ካብ ኢንተርነት ብምሕታም ኣመሓላሊፍኩም ብዝብል ምኽንያት ክልተ ተማሃሮ ኣሲሩ።

ዲክታተርያዊ ስርዓት ህግደፍ ጽሑፋት ኣሰና ካብ ኢንተርነት ብምሕታም ናብ ካልኦት ሰባት ኣመሓላሊፍኩም ብዝብል ምኽንያት፡ ንኽልተ ተማሃሮ ካልኣይ ደረጃ ኣብ ካልኣይ መደበር ፖሊስ ኣስመራ ኣሲሩዎም ከምዘሎ እሙናት ምንጭታት ካብ ኣስመራ ሓቢሮም።   … more

ሓበሬታ ንተኸታተልቲ ድምጺ ኣሰና

ክቡራት ተኸታተልቲ ድምጺ ኣሰና ኣብ ናይ ሎሚ ሰኑይ 31 ጥሪ መደብ ራድዮ ድምጺ ኣሰና፡ ነቲ ኣብ ቱኒዝያን ግብጽን ዝርአ ዘሎ ህዝባዊ ተቓውሞን መስርሕ ለውጥን፡ ጽልውኡን ኣስተምህሮኡን ንዓና ንኤርትራውያን እንታይ ምዃኑ ንምድህሳስ ምስ ክልተ ኤርትራውያን ምሁራት: ዶ/ር ኣሰፋው ተኸስተን ዶ/ር ኣንገሶም ኣጽብሃን ዘካየድናዮ ዘተ ከነቕርበልኩም ምዃና እናዘኻኸርና ምክትታልኩም ንዕድም። … more

ኣብ መልበርን፡ ኣውስትራልያ ዝርከቡ ኤርትራውያን ሎሚ 8 ጥሪ ጸረ-ዲክታቶርያዊ ስርዓት ህግደፍ፡ ዕዉት ሰላማዊ ሰልፊ ኣካይዶም። (ንምሉእ ትሕዝቶ ብ ድምጺ ኣሰና ብቐጥታ ዝተዳለወ ጸብጻብ ተኸታተሉ።)

ብመከራን ስቓይን ህዝቦም ዝግደሱ፡ ኣብ መልበርን፡ ኣውስትራልያ ዝርከቡ ውፉያት ኤርትራውያን፡ ሎሚ 8 ጥሪ ጸረ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ህግደፍ ዕዉት ሰላማዊ ሰልፊ ኣካይዶም። … more