Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ክቡር ህዝቢ ኤርትራ፡  ደቅኻ ህይወቶም ከይበቐቑ ስሌኻ ስለዝሓለፉ፡ ልብኻ ኣይተጠራጠረን። ሳላ ደቕኻ ንዝተረፉ ወፋሮ ኸኣ ‘ኩሎም ሓደ’ ኢልካ ኣማኒ ልብኻ መኒንካሎም። ተገሪህካ ‘ምበር ኣይተጋገኻን። ፍንጫሕ ሞት፡ መብጽዓ በጅኡ ሓይልዩ ህይወት ክዘርእ ‘ምበር ህይወት ክምሑ ዘይምጽባይካ ሓጥያት ኣይኮነን። እቲ ሓጥእ ሲ እቲ ገርሂ ልብኻ መታቲሩ ዝበልዐ፡ ኣብ ዝሓለፈ ልዕሊ 12 ዓመታት ደመ-ሕልናኡ ዝተጸንቀቖ፡ ሕጂ ድማ ግዜ ዝጽንቀቖ ዘሎ፡ ስስዐ ስልጣን ዘዕበድበዶ ስርዓት እዩ።

እታ ድምጺ ህዝቢ ኮይና ዘላ ኣሰና፡ ክትስስን፡ እቲ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ዝጀመረ መቓልሓ፡  ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ከየብኩር። ኢደይ ኢድካ በሉ ተቐማጦ ዓባይ ብሪጣንያ !

እታ ድምጺ ህዝቢ ኮይና ዘላ ኣሰና፡ ክትስስን፡ እቲ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ዝጀመረ መቓልሓ፡  ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ከየብኩር። ኢደይ ኢድካ በሉ ተቐማጦ ዓባይ ብሪጣንያ !

ህዝቢ ኤርትራ፡ ሒደት መዳርግቲ ዘለዎ ጅግንነት ፈጺሙ ነቲ ነዊሕን መሪርን ቃልሲ ነጻነት ሃገሩ ብኸቢድ መስዋእቲ ምስ ኣረጋገጾ፡ ንሒደት ዓመታት ጥራይ እዩ ኣስተንፊሱ። ናጽነት፡ መወዳእታ ብረታዊ ቓልሲ ብምንባራ፡ ሩፍታ ’ኳ እንተሰመዖ፡ መበገሲ ናይ ሓደ ደረት ዘይብሉ ናይ ምዕባለን ስልጣኔን ሓድሽ ጉዕዞ ምዃና ‘ውን ስለዝተገንዘበ፡ ብኡ ንብኡ ናብ መጻኢኡ ምቁማት ኣየቋረጸን።

ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ፡ ንኤርትራ ብኹዑሶ ጥራይ ዘይኮነ፡ እንተላይ ብስጉምታ እያ ወኪላታ።

እታ ዝሓለፈ ቀዳም፡ 13 ታሕሳስ ኣብ ናይሮቢ፡ ኬንያ፡ ተሸሪባ ዝተረፈት ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ካብቲ ኩሎም መንእሰያት ኤርትራ ብቐጻሊ ዝወስዱዎ ዘለዉ ስጉምቲ ዝተፈልየ ስጉምቲ ኣይወሰደትን። መሳቱ ኣባላት ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ፡ ወግሐ ጸብሐ፡ ድብያታት ሓለዋ ዶብ ህግደፍ ዕጅብ ከይበሎም፡ ሓለዋ ዶብ በድራጋ እናተኮሱሎም፡ ናብ ኩሉ መኣዝናት፡ ንኢትዮጵያ፡ ንሱዳን፡ ንየመን ይጸሩ ኣለዉ። ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ከኣ፡ በዚ ዝወሰደቶ ስጉምቲ፡ ብኻልእ ኣዘራርባ “ቺቺሮ ብዘይ ቲፎዞ ፡ እንታይ ክገብሮ” እያ ትብል ዘላ።

ዝኸበርኩምን ዝኸበርክንን ደቂ ሃገር፡ ብቀዳምነት ልባዊ ሰላምታና ይብጻሕኩም።

ቀጺልና ደጊም፡ ንልሙድ መደብና መሰረት ብምግባር፡ እንሆ ን-ቀዳም ዕለት 19.12.2009 ዓ.ም.ፈ.፡ ካብ ማሓዙ ኣሰና ዶት ኮም፡ ከም ክቡር ሓው ኢሳያስ ስዩምን ተስፊት ክፍሉን፡ ኣጋይሽ ናይ (Eritrean room for strong and united opposition) ኮይኖም ከምስዩ፣ እሞ፡ “ንምሕያልን ምትብባዕን ነጻ ናይ ዜና ማዕከን“ ዝብል ኣርእስቲ፡ ከም ዋና ዛዕባ ኣልዒሎም፡ ምስ ህዝቢ ክዛተዩ ዓዲምናዮም አሎና።

 

ሃገራዊት ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ኤርትራ ኣብ ውድድር ኩዕሶ እግሪ ምብራቕን ማእከላይን ኣፍሪቃ ድሕሪ ምስታፋ ኣብ ናይሮቢ (ኬንያ) ተሸሪባ ከምዝተረፈት መርበብ ሓበሬታ ኣሰና ( demo.archive.assenna.com ) ትማሊ 13 ታሕሳስ  ዘቃላሓቶ ዜና: ብቢቢሲ ን ኣገልግሎት ዜና ፈረንሳን ሎሚ 14 ታሕሳስ ተረጋጊጹ።

ኣብ ሰሜን ኣመሪካ፡ ኣብ ኖርዝ-ካሮላይና ዝቕመጡ ግዱሳት ኤርትራውያን፡ ድምጺ ኣሰና ንምስሳን ብዝወሰዱዎ ተበግሶ ኣስታት 2 ሽሕ ዶላር ብምውጻእ፡ ኣብ ቀጻልነት ድምጺ ኣሰና ዓቢ ኣበርክቶ ገይሮም።

ድምጺ ኣሰና፡ ካብ ዕለት 26 ናይዚ ሒዝናዮ ዘለና ወርሒ፡ ማዕበል ፈነወኣ ክትቕይር ምዃና ንሕብረኩም።

በዚ መሰረት፡ ካብ ዝመጽእ ዘሎ ሰኑይ 26 ጥቅምቲ 2009 ዓ.ም. ጀሚራ፡ እትፍነወሉ መዓልትታትን ሰዓታትን ከምዘለዎ ኮይኑ፡ ብ9605 kHz : ኣብ 31MB ክትፍኖ እያ።

ክቡራት ተኸታተልቲ ኣሰና፡ እቲ ብሓሶት ክናበር ዝደሊ ሓቂ ምጽዋር ዝሰኣነ ስርዓት ህግደፍ ናይ ሳይበር ሃሱሳትን ዕሱባትን  ብምውፋር ንመርበብ ሓበሬታኹም demo.archive.assenna.com ካብ ገጽ ኢንተርነት ክሓክኽ ቀጻሊ መጥቃዕትታት ከካይድ ድቃስ ስኢኑ ከምዘሎ ምልክታቱ ድሮ ከተስተብህሉሉ ቀኒኹም ኳ እንተለኹም፡ ደጊምና ነረጋግጸልኩም። እዚ ጸጸኒሑ ዘጋጥመና ዘሎ ምቍራጽ ኣገልግሎት ተክኒካዊ ጸገም ዘይኮነ ተጻብኦ ህግደፍ እዩ። ኩሉ ሃሱሳዊ ንጥፈታቱ ድማ ብሰነድን ጭብጥን ተታሒዙ ኣሎ። 

ሚኒስተር ሃብቲ ዓሳ ኤርትራ ኣቶ ሳልሕ መኪ ትማሊ ምሸት 2 ጥቅምቲ 2009 ከምዝዓረፈ ምንጭታት ኣሰና ካብ ኣስመራ ሓቢሮም።

 

– ፍሉይ ዋዕላ መራሕቲ ኣፍሪቃ፡ ንዶባዊ ምስሕሓብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ልዑል ቀዳምነት ሂቡ ዘትዩሉ።

– ሓይልታት ጸጥታ ምስሪ ኣብ ዶብ ምስርን እስራኤልን ሓደ መንነቱ ዘይተፈልጠ ተጓዓዛይ ስደተኛ ክቐትሉ ኸለዉ ንሓንቲ ኤርትራዊት ጓለንስተይቲ ከቢድ መውጋእቲ ከምዘውረዱላ ሮይተርስ ሓቢሩ።

– ሪፖርትተርስ ዊዝ ኣውት ቦርደርስ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ “ብጸላእቲ ነጻ ፕረስ ዝኾኑ መንግስታት ሓያለ ጋዜጠኛታት ዓለም ሃለዋቶም ጠፊኡ ኣሎ” ይብል።

asenaክቡራት ተኸታተልቲ ኣሰና: ድምጺ ኣሰና ሳላ ‘ቶም ዘይሕለሉ ደገፍታ ብዘይተጕላባነት ዘወፈዩዎ ፋይናንሳዊ ኣበርክቶ ካብ ወርሒ ናብ ወርሒ ሰለይ እናበለት ን 6 ኣዋርሕ ኣገልግሎት ፈነወ ራድዮ ናብ ኤርትራ ክትህብ ጸኒሓ ‘ላ። ኣብ ውሽጢ ሃገርን ኣብ ወጻእን ዝነብር ተኸታታሊኣ፡ ብኣድማዕነት መደባታ ተመሲጡ ‘ድምጸይ ድምጺ ልበይ፡ ደው ትበለለይ’ ክብላ ጸኒሑ ‘ሎ። ኒሕን ሞራልን ቀጻልነታ ድማ እዚ ተዓቢሱ ዝጸንሐ ቅዱስ ድምጺ ውጹዓት እዩ።

asena

ኣብ ሰሜን ኣመሪካ ዋሺንግተንን ከባቢኣን ንድምጺ ኣሰና ብፋይናንሳዊ ሓገዝ ንምስሳን ካብ ፈለማ ክሳብ ሕጂ ብተወፋይነት ዝነጥፍ ዘሎ ወኪልና ተስፊት ክፍሉ፡ ብፍላይ ነቶም ኣብ ዋዕላን ሰልፍን ዝተሳተፍኩም ናይ ገንዘባዊ መብጽዓ ካርድ (ፕሌጅ ካርድ) ዝዓደለኩም ግዱሳት፡ መብጽዓኹም ብቑጽሪ ቴለፎን 7036290952 ከተፍልጡዎ ብትሕትና ነዘኻኽረኩም።

ድምጺ ኣሰና ንግዚኡ ደው ኣቢላቶ ዝጸንሐት ፈነወ ፕሮግራም ዓረብ ጽባሕ ዓርቢ ማለት 26 ሰነ በቲ ልሙድ መስመራትን ሰዓትን ከምእትቕጽሎ ብሓጎስ ተበስር።

READ MORE

ስርዓት ህግደፍ ካብ ዓዲ ገፊፉ ብ13 መካይን ናብ ከባቢ ሽዕብ ብምግዓዝ ኣብ ብርቱዕ ሙቐት ዘለዎ ቦታ ንኽልተ ሰሙን ዝኣሰሮም 270 ተቐማጦ ዓዲ ገብራይ ድሕሪ ሓያለ ምክልባት ከምዝተፈትሑ፡ ነቲ ኩነታት ብቐረባ ክካታተሎ ዝቐነየ  ኣብ ጀርመን ዝምቕማጡ ተወላዲ ናይታ ዓዲ ምስ ኣሰና ኣብ ዘካየዶ ቃለመጠየቕ ሓቢሩ።

cabine

ሞት ንብሪጋደር ጀነራል ዓብዱ ረመጭ ቅድሚ ትማሊ ኣርኪባቶ። ቀዲሞም ብዙሓት ሚኒስተራት፡ ጀነራላት፡ ኣምባሳደራት ከይሸምገሉ፡ ብሕማም ነብስን ጽንቃቐ ሞራልን ሓሊፎም እዮም። ብዙሓት ከኣ ኣብ ትሕቲ ክንክን ጥዕና ኣለዉ። ሰብ ኣይነብርን እዩ። እንተ ብኽፉእ እንተ ብጽቡቕ ከም ኩሉ ወዲ ኣዳም ስምኩም ኣብ ታሪኽ ‘ዩ ዝነብር። ሞት ቆጸራ የብላን ‘ሞ፡ ንሞት ቀዲምካ ታሪኽካ ምሕካም ናይ ወረጃታት ስራሕ ምዃኑ ዘክሩ።

YPFDJ

ኣብ ወጻኢ ብዝያዳ ኸኣ ኣብ ኤውሮጳን ኣመሪካን ዝመደበረን ኤርትራውያን ሲቪካውያንን ናይ ምትሕግጋዝን ማሕበራት፡ ናይ ሕጊ ክኢላታትን ግዱሳት ወልቀሰባትን ተሓባቢሮም፡ ነተን ዲፕሎማስያዊ ውሕስነት ተጠቐመን፡ ብግብሪ ግን መሓውር ብልሽውናን ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላትን ሓርነትን ኤርትዊ መበቆል ዘለዎም ዜግታት ኮይነን፡ እኩይ ተልእኾ ኣብ ምትግባር ተዋፊረን ዘለዋ ኣበየ ሃገሩ ዝርከባ ኤምባሲታት ስርዓት ህግደፍ ክስታት መስሪቶም ኣብ ቅድም ሕጊ ከቕርቡወን ኣሰና ሚድያ ፋውንዴሽን ጸዊዑ።

ብዘይካ ‘ቲ ካብ 23 ግንቦት 2007 ኣትሕዝና ንኽልተ ዓመት ዘካየድናዮ ኣገልግሎት መርበብ ኢንተርነት፡ እታ ኣብ ታሕሳስ 2008 ብ ፈነወ ኢንተርነት ኣገልግሎታ ዝጀመረት ድምጺ ኣሰና፡ ብ 16 ለካቲት 2009 ቀጥታዊ ፈነወ ሳትላይት ናብ ኤርትራ ካብ እትጅምር ንኽልተ ወርሕን ክልተ ሰሙንን ፕሮግራማት ፈንያ ‘ላ። ቅዳሕ ናይቲ ህዝቢ ኤርትራ ዝተኸታተሎ ነናይ ፍርቂ ሰዓት መደባት ከኣ ኣብ ወጻኢ ዝነብር ህዝብና ‘ውን ብኢንተርነት (online radio) ከምዝስዕቦ ተገይሩ።

Cafe

ውልቀመላኺ ኢሳይያስ፡ ካብቲ ብጥምየትን ድኽነትን ዝልሎ ዘሎ ህዝቢ ኤርትራ ሸማጢጡ ካብ ዘዋህለሎ ቢልዮናት ዶላራት፡ ብኸፊል፡ ኣብ ቻይና ካብ ዝርከብ ብስሙን ስም ወዱን ዝንቀሳቐስ ናይ ባንክ ሕሳብ፡ 276 ሚልዮን ዶላር ከምዘመሓላለፈ ዘቃልዕ ሰነድ ኣብ መርበብ ሓበሬታ ኣሰና ድሕሪ ምዝርግሑ ኣብ ምሉእ ኤርትራ ዝርከባ ኢንተርነት ካፈታት፡ በቲ መጋበርያ ውልቀመላኺ ኢሳይያስ ክኸውን ዝተመልመለ ፍሉይ ኣሃዱታት ጽኑዕ ምቍጽጻር ይገብረለን ከምዘሎ ምንጭታትና ካብ ኣስመራ ሓቢሮም።

Cabin

‘ፕረዚደንት’ ኢሳይያስ ብወዛ ሚኒስተራት ከካይድ ምዃኑ መርበብ ሓበሬታ ኣሰና ብ4 መጋቢት 2009 ንዘመሓላለፈቶ ዜና ኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ ሎሚ  ካብ ካምፓላ ኣብ ዘመሓላለፎ ዜና ኣረጋጊጹዎ።

ስርዓት ህግደፍ፡ “ክትሃድሙ ተረኺብኩም” ብዝብል ምኽንያት ኣብ ቤትማእሰርቲ ዓዲዃላ (ካርሸሊ) ኣሲሩዎም ንዝቐነየ ሰለስተ ተማሃሮ/መንእሰያት ካብቲ ቤትማእሰርቲ ናብ ጎልጎል ኣውጺኡ ብኡንብኡ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ከምዝረሸኖም ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ንመርበብ ሓበሬታ ኣሰና ሓቢሮም።

 “ንድምጺ ኣሰና ነሰስና” ዝብል ቑኑዕን እዋናዊን ጭርሖ ሒዞም ኣዳለውቲ ድምጺ ኣሰና ሎሚ 26 February 2009 ሐደ ኣዝዩ ኣገዳሲን ኣቃልቦና ክፍለዮ ዘይብሉን “ሃየ ኢደይ ኢድካ ንበል” ዝብል ኣብ ኤርትርያዊ ባህልና ዝተሞርከሰ ጉቡእ ጻውዒትን ለበዋን ብዲምጺን ጹሑፍን ፈንዮም::

blenሎሚ መዓልቲ ኣብዛ ባሕቲ 2009 ‘ውን ከም ትማሊ ቅድሚ-ትማሊ “ርሑስ ሓድሽ ዓመት!” ክብለካ እዩ፡ እቲ መንጸሮር ኮይኑካ ዘሎ ወልቀመላኺ። ካብ ደረቕ ልቢ ዝወጽእ ጥሉል ቃላት ግን ኣይከርክኣካን እዩ። ግዜ ብዙሕ ሻዕ ፈሪዱካ እዩ ‘ሞ ሎምስ ንግዜ ብግዴኻ ፍረዶ።