ኣባል ፈጻሚት ሽማግለ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ዝነበረት ምሕረት ገብረየሱስ፡ ወግዓዊ ናይ ስራሕ ስንብታ ሓቲታ።

ኣባል ፈጻሚት ሽማግለ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ኮይና ክትቃለስ ዝጸንሐት  ወ/ሮ ምሕረት ገብረየሱስ፡ ካብ’ቲ ሰልፊ ክትሳናበት ናብ ኣቦ ወንበር ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ኣቶ ወልዴሱስ ዓማር ወግዓዊ ምልክታ ከምዘቕረበት ምንጭታት ሓቢሮም። … more

ንፕረሲደንት ኢሳይያስ ኣሰንዩ ኣብ ዋዕላ ፍራንኮ-ኣፍሪቃ ዋዕላ ክሳተፍ ዝቐነየ ኣባል ቤትጽሕፈት ፕረሲደንት ኣቶ ስምኦን መሓሪ ፖለቲካዊ ዑቕባ ሓቲቱ።

ንፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣሰንዩ ኣብቲ ካብ 31 ግንቦት ክሳብ 1 ሰነ 2010 ኣብ ፈረንሳዊት ከተማ Nice ዝተኻየደ መበል 25 ዋዕላ ፈረንሳን-ኣፍሪቃ ዝተሳተፈ ኣባል ቤትጽሕፈት ፕረሲደንት ስምኦን መሓሪ፡ ንስርዓት ህግደፍ ራሕሪሑ ኣብ ኤውሮጳ ፖለቲካዊ ዑቕባ ከምዝሓተተ ምንጭታት ንኣሰና ሓቢሮም። … more

ህግደፍ ጃሱስ፡ ፈሊጡ ዝገደፈኩም ዶ ናባኹም ይምለስ (መልኽእቲ ኣባል YPFDJ ናብ ሓደስቲ ስደተኛታት፡ ኤርትራውያን መንእሰያት ኣብ ነርወይ)

ክቡራት ተኸታተልቲ ኣሰና፡ ሓንቲ ኣብ ኦስሎ እትነብር ኣባል ናይቲ ህግደፍ ኣብ ወጻኢ ከም ሃሱስ ዘዋፍሮ ብ YPFDJ ዝፍለጥ ጉጅለ መንእሰያት ዝኾነት ኤርትራዊት ዝሰደደትልና መልኽቲ፡ ኣብ ናይ ትማሊ ረቡዕ መደብና፡ ብምኽንያት ሕጸረት ሰዓት-ፈነወ ጽማቝ መልእኽቱ ጥራይ ኣቕሪብናልኩም ኔርና። ትርጉም ምሉእ ትሕዝቶኡን እቲ ብእንግሊዝኛ ዝተጻሕፈ መልእኽቲ ከምዘለዎን ከኣ ነቕርበልኩም። … more

ኣባላት ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ሽወደን ግብሪ ዘኽፍሉ እንተሃልዮም ዲፕሎማስያዊ መዝነቶም ክቕንጠጡ እዮም ይብል ሓደ ሽወደናዊ ኣባል ፓርላማ።

ፍረደሪክ ማልም ዝተባህለ ኣባል ባይቶ ሽወደን፡ "እቶም ንዲፕሎማስያዊ ስራሕ ፍቓድ ዝተዋህቦም ኣባላት ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ሽወደን ንዝቕመጡ ኤርትራዊ መበቆል ዘለዎም ሽወደናውያን ግብሪ የኽፍሉ እንተሃልዮም፡ ዲፕሎማስያዊ መዝነቶም ክቕንጠጡ እዮም። ኣብ ሽወደን፡ ግብሪ ናይ ምእካብ ስራሕ ናይ ሃገረ-ሽወደን ዕማም ጥራይ እዩ" ክብል ከምዘጠንቀቐ፡ Stockholm News ዝተባህለ መርበብ ኢንተርነት ኣፍሊጡ። … more

ሚኒስትሪ ምክልኻል ኤርትራ፡ ሞባይል ቴለፎን ሒዙ ዝተረኽበ ኣባል ሰራዊት፡ “ብሃገራዊ ክድዓት ክሕተት ‘ዩ” ዝብል ዘዋሪ ምልእኽቲ ኣመሓላሊፉ።

ትማሊ ሰኑይ 23 ለካቲት፡ ዝኾነ ሞባይል ቴለፎን ሒዙ ዝተረኽበ ኣባል ሰራዊት  “ሃገራዊ ክድዓት ከምዝፈጸመ ተሓሲቡ፡ ስጉምቲ ክውሰደሉ እዩ” ዝብል ከቢድ መጠንቀቕታ ዝተጻሕፎ ናይ ሚኒስተር ምክልኻል ጀነራል ስብሓት ኤፍሬም ክታም ዘለዎ ዘዋሪ መልእኽቲ ናብ ኣሃዱታት ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ከምዝተመሓላለፈ ምንጭታት ካብ ኣስመራ ሓቢሮም። … more