Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ዓሰርተ ሸሞንተ ዓመት ርብዒ መዋእል ናይ ሓደ ጸጋ ዕድመ ዝተዓደለ ሰብ እዩ። ኣብ እዋን ናጽነት ኤርትራ ዝተወልደ ህጻን፡ ከምዚ ናይ ሃገርና ስግንጢር ኣብ ዘይሓሰዳ ንብርቲ ሃገር ካልኣይ ደረጃ ትምህርቱ ፈጺሙ ዩኒቨርሲቲ ጀሚሩ ኣሎ። ኣብ ሃገርና ኸኣ ግዳይ ሳዋ ኮይኑ ጊላነት ዲክታተርነት ፈሊሙ ኣሎ ማለት ‘ዩ። 18 ዓመት ኣብ ሃገርነት ነዊሕ ዕድመ ዘይክኸውን ይኽእል። ብዕድመ ስልጣን ሓደ መራሒ ክዕቀን ከሎ ግን መዋእል እዩ።

ብኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን ንቀዳም ዕለት 23/5/2009 ብኽብሪ ክብዕል ተመዲቡ ስለ   ዘሎ ንኩሉ ብጉዳይ ሃገሩ ዝግደስ ኣብዚ ባዓል ናጽነት ካብ ስዓት11ናይ ንጉሆ ክሳብ ስዓት 5 ናይ ምሸት ናይ ባርቨኪው መደብ ስለ ዘሎ ስድራቤትናን ደቅናን ከይ ፈለና ብምኽንያት ብዓል ናጽነት ሓቢርና ከነብዕሎ ብኽብሪ ንዕድም ኣብ ዝተጠቕሰ ማዓልትን፤ዕለትን፤ስዓትን ግዜ ሓሊኹም ብእዋኑ ንኽትርከቡ ብ ኣክብሮት ነታሓሳስብ።

ሃገርና ኤርትራ ካብ ጥንቲ ካብ ጥቅምቲ ብብዙሕ መከራን ሕሰምን ዝተሞኰረት ብሽግር ዝላደየት ስትንፋስ ናይ መሰል ወዲሰብ ኣስተማቒሩ ዘይፈልጥ ትሸዓተ ብሄራትን ብሄረሰባትን ዝሓቖፈት ብኹሉ ህዝብታታ ዝተፈትወትን እትናፈቕን ሃገር ምዃና ምስክር ዘየድልዮ፡ ንመዋእል ክቡር ሂወቱ ዝኸፈለን ጌና ዝኸፍለላ ዘሎን ካብ ጭቆና ተላቒቑ ዘይፈልጥ ዉጹዕ ህዝብታት ዝቖመት ሃገር እያ።

 NASAir

እታ ንብረት ውልቀ መላኺ ኢሰያስ ኣፈወርቂ ዝኾነት፡ ኣብ ምጽዋዕ ዝመደበራ ‘ናስ ኣየር’ ተባሂላ እትፍለጥ ነፋሪት፡ ኣብ ዘይሕጋዊ ንግዲ ተዋፊራ ከምዘላ ምንጭታት ካብ ኣስመራ ሓቢሮም።

Somalia

ሓደ ካብ መራሕቲ ናይቲ “ኣሸባብ” ተባሂሉ ዝፍለጥ ኣብ ልዕሊ መሰጋገሪ መንግስቲ ሶማል ቅልጡፍ ወተሃደራዊ ጸብለልትነት ብምርኣይ ‘ነቲ ግዝያዊ መንግስቲ ገልቢጡ ንሶማል ዳግም ክቆጻጸራ ‘ዩ’ ተባሂሉ ዝንገረሉ ዘሎ እስላማዊ ምንቅስቓስ፡ ወጻእተኛታት ተዋጋእቲ ኣብ ጎድኑ ተሰሊፎም ኣብቲ ዳግም ዝተባርዐ ውግኣት ሶማል ይሳተፉ ከምዘለዉ እናተሓበነ ከምዝተኣመነ ‘ደይሊ ኔሽን’ ዝተባህለ መርበብ ሓበሬታ ኬንያ ገሊጻ።

 ህዝቢ ኤርትራ ብሓያል ቃልስን ብመስዋእቲ ብሉጻት ዜጋታቱን መሬታዊ ናጽነቱ ካብ ዘረጋግጽ ዓሰርተ ሾመንተ ዓመታት ኮይኑ እነሆ ድሮ ጽንብሉ በጺሑ ኣሎ፡፡ ኣብዚ ንርብዒ ዘመን ተቓሪቡ ዘሎ ዓመታት ግን መብጽዓ ሰማእታት ተጠሊሙ መንፈሳዊ ሓርነት ህዝቢ ተረጊጹ ቁጠባ ሃገር ካብ ጊዜ ባዕዳውያን ገዛእቲ እንከለው ንላዕሊ ንሂሉ ህዝብን ሃገርን ኣብ ንምግላጹ ዘስካሕክሕ ኩነታት ወዲቖም ንርእዮምን ንዕዘቦምን ኣሎና፡፡

ስርዓት ህግደፍ ንኹሎም ኣብ ውሽጢ ኣብያተ ጽሕፈት ኤምባሲ ኤርትራ ክሰርሑ ንወጻኢ ሃገራት ልኢኽዎም ዝነበረ ወከልቲ ህግደፍ ኣብ ሓጺር እዋን ኩሉ ሰነዳቶም ጠርኒፎም ናብ ውሽጢ ሃገር ክኣትዉ መምርሒ ከመሓላልፈሎም ኣብ ምድላው ከምዝርከብ ምንጭታትና ሓቢሮም።

ብዕለት 7ተ ግንቦት ብሓልዮት ተቛም ሰላምን ፍትሕን ኣካል ዩኒቨርሲቲ ሳንድያጎ (Institute of Peace and Justice in University of San Diego) ዝተዳለወ ሰሚናር ናይ መሰል ደቒ ሰባት ተጣበቕቲ (Human Rights Watch) ሰለስተ ተቓለስቲ ግዱሳት ኤርትራውያን ተሳቲፎም። እቶም ዝተሳተፉ ኤርትራውያን ክፍለ ዓንደ (ኣባል ኤርትራዊ ህዝባዊ ምንቕስቓስ)፤ ገብረሂወት (ጎነይ) (ኣባል ኤርትራውያን ተጣበቕቲ መሰል ደቂ ሰብ ኣብ ሳንድያጎ)ን ረዘነ ገ.ሚካኤል (ኣቦ ወንበር ኤርትራዊ ዲሞክራሲያዊ ኪዳን ሰሜን ኣመሪካን) እዮም።

eriእቲ ንኤርትራ ምስ ህግደፍ፡ ንኤርትራዊ ዜግነት ከኣ ምስ ደገፍቲ ህግደፍ ጥራይ ኣዳሪጉ ዝርኢ፡ ሃገር እናጥፍአ ብስም ሃገራውነት ክሽቅጥ ዝነብር ስርዓት ህግደፍ፡ ካብቲ ንሱ ዝወደቦ ደገፍቱ ጥራይ ዝሳተፉዎ ጽምብል ናጽነት ወጻኢ ብኻልኦት ሃገራውያን ንዝካየድ በዓል ናጽነት፡ “ ናይ ምምቕቓል” ካኼባ ምዃኑ ብምዅናን፡ ኤርትራውያን ከይሳተፉዎ ከምዝወገዘ፡ ብመንገዲ ኤምባሲታቱ ብዝዘርግሖ ደብዳበ ተረጋጊጹ።

ከም ኣብነት ናይዚ ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ሰሜን ኣመሪካ ናብ ሽማግለ ብዓላት ኣትላንታ ዝለኣኾ ደብዳበ ተመልከቱ።

pia

ካብ ቻይና ናብ ሆንግኮንግ ዝተመሓላለፈ ቼክ ኣብ መርበብ ሓበሬታ ኣሰናን ካልኦት መርበባትን ድሕሪ ምዝርግሑ ዝሰንበደ ፕረዚደንት ኢስያስ፡ እቲ ዜና ምስ ተቓልሐ ድሕሪ ሒደት መዓልታት፡ ኣብ ልዕሊ ሰራሕተኛታት ቤት ጽሕፈት ፕረሲደንትን ህግደፍን ጥቡቕ ምቁጽጻር ንኽካየድ ትእዛዝ ከምዘመሓላለፈ ምንጭታትና ካብ ኣስመራ ሓቢሮም።

somalia

ሚኒስተር ጸጥታ መሰጋገሪ መንግስቲ ሶማል ዑመር ሓሺ ኣደን ትማሊ ኣብ ዘካየዶ ጋዜጣዊ ዋዕላ፡ ኣጽዋር ዝጸዓነት ናይ ኤርትራ ነፋሪት ብላድ-ዶግለ ኣብ ዝብሃል ካብ መቓድሾ 100 ኪሎሜተር ርሒቑ ኣብ ታሕተዋይ ሸበሌ ኣብ ዝርከብ  መዓርፎ ነፈርቲ ከምዝዓለበት ብምጥቃስ፡ ንስርዓት ህግደፍ ኣብ ጉዳይ ሶማል ጣልቃ ብምእታዉ ከምዝኸሰሶ፡ APA ዝተባህለ ናይ ኣፍሪቃ መርበብ ሓበሬታ ኣፍሊጡ።

ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ኣብ ከባቢ ፖርትስሚዝ፡ Haslar፡ ኣብ ዝብሃል ቤትማእሰርቲ ዝርከቡ 5 ኤርትራውያን መንእሰያት ብግዴታ ናብ ኤርትራ ናይ ምምላስ ሓደጋ የንጸላልዮም ከምዘሎ ብምጥቃስ፣ ሲቪካውያን ማሕበራት፣ ተቓወምቲ ውድባትን ግዱሳት ወልቀሰባትን ናብ ኤርትራ ካብ ምምላስ ከናግፉዎም ብጥብቂ ኣተሓሳሲቦም።

YPFDJ

ኣብ ወጻኢ ብዝያዳ ኸኣ ኣብ ኤውሮጳን ኣመሪካን ዝመደበረን ኤርትራውያን ሲቪካውያንን ናይ ምትሕግጋዝን ማሕበራት፡ ናይ ሕጊ ክኢላታትን ግዱሳት ወልቀሰባትን ተሓባቢሮም፡ ነተን ዲፕሎማስያዊ ውሕስነት ተጠቐመን፡ ብግብሪ ግን መሓውር ብልሽውናን ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላትን ሓርነትን ኤርትዊ መበቆል ዘለዎም ዜግታት ኮይነን፡ እኩይ ተልእኾ ኣብ ምትግባር ተዋፊረን ዘለዋ ኣበየ ሃገሩ ዝርከባ ኤምባሲታት ስርዓት ህግደፍ ክስታት መስሪቶም ኣብ ቅድም ሕጊ ከቕርቡወን ኣሰና ሚድያ ፋውንዴሽን ጸዊዑ።

Cafe

ውልቀመላኺ ኢሳይያስ፡ ካብቲ ብጥምየትን ድኽነትን ዝልሎ ዘሎ ህዝቢ ኤርትራ ሸማጢጡ ካብ ዘዋህለሎ ቢልዮናት ዶላራት፡ ብኸፊል፡ ኣብ ቻይና ካብ ዝርከብ ብስሙን ስም ወዱን ዝንቀሳቐስ ናይ ባንክ ሕሳብ፡ 276 ሚልዮን ዶላር ከምዘመሓላለፈ ዘቃልዕ ሰነድ ኣብ መርበብ ሓበሬታ ኣሰና ድሕሪ ምዝርግሑ ኣብ ምሉእ ኤርትራ ዝርከባ ኢንተርነት ካፈታት፡ በቲ መጋበርያ ውልቀመላኺ ኢሳይያስ ክኸውን ዝተመልመለ ፍሉይ ኣሃዱታት ጽኑዕ ምቍጽጻር ይገብረለን ከምዘሎ ምንጭታትና ካብ ኣስመራ ሓቢሮም።

ህዝቢ ኤርትራ ብሕሱም ጥሜትን ድኽነትን ኣብ ዝሕለበሉ ዘሎ እዋን፡ ውልቀ መላኺ ኢሳይያስ በቲ እሙን ኣገልጋሊኡ ሓጎስ ገብሪሂወት (ክሻ) ኣቢሉ፡ ካብ ንግድን እንዳስትሪን ቻይና ናብ ፉቦን ባንክ ሆንግ ኮንግ፡ 276,468,220.07 ዶላር ብምትሕልላፍ፡ መሐወሊ ናይ ባንክ 149,292.84 ዶላር ከምዝኸፈለ፡ ነቲ ናይ ምትሕልላፍ ሰነድ ምርኩስ ብምግባር ካብ ከርሲ ቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት ምንጭታትና ሓቢሮም።

 

 

mendefera

ዲክታቶርያዊ ስርዓት ኢሳያስ ካብ መንደፈራ ክሳብ እምኒ ሓይሊ ዘሎ 15 ኪ.ሚ. ዝኸውን መሬት፡ ብዘይካ ጐቦታትን ጀራዲንን ካብ ዋናታቱ ዝዀኑ ሓረስቶት መንዚዑ፡ ባዕሉ ብዝመጽአን ብዓሰርተታት ዝቝጸራ ትራክቶራት ክሓርሶ ጀሚሩ ኣሎ።

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ናይታ ብበይንኣዊ መንገዲ ሃገርነት ዝኣወጀት ሶማሊ-ላንድ፡ ኤርትራ ንጉዳይ ስርዓቱ ብዝምልከት ንዝዘርግሓቶ ጋዜጣዊ መግለጺ ብጣልቃነት ብምቅዋም፡ ተሪር ወቒሳ ዝሓዘ ጋዜጣዊ መግለጺ ኣውጺኡ።

CON

113 ኤርትራውያን መሃንድሳትን ጆመትራታትን ቀየስትን “ግብሪ ብግቡእ ኣይከፈልኩምን“ ዝብል ክሲ ተመስሪቱሎም ጉዳዮም ን2 ዓመት ዝኣክል ተንጠልጢሉ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ብሰኑይ 6 ሚያዝያ 2009 ኣብ ኣስመራ ኣብ ዝውዓለ መጋበእያ ፍሉይ ቤት ፍርዲ፡ ንኹሎም ክሱሳት ጸዊዑ ኣብ ዘመሓላለፎ ጃምላዊ ፍርዲ ንነብሲ ወከፎም ካብ 10 ሽሕ ክሳብ 130 ሽሕ ዝበጽሕ ገንዘባዊ መቕጻዕቲ ሽዑ ንሽዑ ክኽፍሉ ከምዝበየነሎም ምንጭታት ኣሰና ካብ ኣስመራ ሓቢሮም። ብመሰረት’ቲ ሓበሬታ እቶም ሽዑ ዝኸፈሉ 86 ሞያውያን ብዋሕስ ክፍትሑ ከለው፡ እቶም ዝተረፉ ደቀንስትዮን ኣደ ቆልዑን ስንኩላንን ዝርከብዎም 27 ድማ፡ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ተዳጕኖም ኣለው።

peradizo

ብመጀመርያ ሰላምታይ ተቐበሉ። ቀጺለ ክዛረበሉ ደልየ ዘለኹ ጉዳይ፡ ነዚ ሎሚ ቕነ ኣብ ኣስመራ ፐራዲዞ ዝርከብ ብ ‘ቁጠባ’ ዝፍለጥ ናይ መንግስቲ መንበሪ ኣባይቲ ብዝምልከት ብስርዓት ህግደፍ ዝውሰድ ዘሎ ኣዝዩ ኣሻቓሊ ስጉምቲ እዩ። እዚ ገዛውቲ ብግዜ ደርግ ንህዝቢ ተባሂሉ ዝተሰርሐ ናይ ክራይ ገዛውቲ እዩ። ክልተ ዓይነት ገዛውቲ እዩ፡ እቲ ሓደ ናይ 60 ዝብሃል 3 ክብልን ሽቓቕን ክሽነን ዘለዎ፡ እቲ ካልኣይ ድማ ናይ 40 ዝብሃል 2 ክፍልን ሽቓቕን ክሽነን ዘለዎ እዩ። ህዝቢ ክሳብ 1995 ብሰላም ይነብር ነይሩ። ብድሕሪኡ ግን ሰላም ዝብሃል የልቦን። ብ1996-1997 ስርዓት ህግደፍ ትካል ኣለኩም መኪና ኣለኩም እናበለ ብዙሓት ካብቲ መንበሪ ኣስገዲዱ ብምልቃቕ፡ ኣብ ክንድኦም ኣብ ስልጣን ዘለዉ ሓለፍትን ኮለኔላትን ኣትዮሞ ይርከቡ።

China

ካብ ህዝቢ ኤርትራ ዝዘመቶ ልዕሊ ሓደ ቢልዮን ዶላር ኣዋፊሩ፡ ሓደ ካብ ቀንዲ ወነንቲ ብርክታት ቻይናዊት ትካል ጊሊ ኣወቶሞቢል ሆልዲንግ ክኸውን ዝበቕዐ ፕረሲደንት ኢሰያስ፡ ሽወደናዊት ትካል መፍረ-መካይን ቮልቮ፡ ምስታ ቻይናዊት ትካል ኣብ ዝገበረቶ ውዕል ቢዝነስ፡ ገንዘቡ ኣብ ናይ ምዕራባውያን ትካላት እንተዋፊሩ ውሕስነት ከምዘይብሉ ብምግላጽ ዕቃበታት ብሰንኪ ምርኣዩ፡ እታ ቻይናዊት ትካል ነቲ መስርሕ ውዕል ስለዝሰረዘቶ፡ በዚ ኸኣ ሽወደን ከምዝተቖጥዐት ምንጭታትና ሓቢሮም።

Cabin

‘ፕረዚደንት’ ኢሳይያስ ብወዛ ሚኒስተራት ከካይድ ምዃኑ መርበብ ሓበሬታ ኣሰና ብ4 መጋቢት 2009 ንዘመሓላለፈቶ ዜና ኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ ሎሚ  ካብ ካምፓላ ኣብ ዘመሓላለፎ ዜና ኣረጋጊጹዎ።

ypfdjክቡራት ተኸታተልቲ ኣሰና፡ ሓንቲ ኣብ ኦስሎ እትነብር ኣባል ናይቲ ህግደፍ ኣብ ወጻኢ ከም ሃሱስ ዘዋፍሮ ብ YPFDJ ዝፍለጥ ጉጅለ መንእሰያት ዝኾነት ኤርትራዊት ዝሰደደትልና መልኽቲ፡ ኣብ ናይ ትማሊ ረቡዕ መደብና፡ ብምኽንያት ሕጸረት ሰዓት-ፈነወ ጽማቝ መልእኽቱ ጥራይ ኣቕሪብናልኩም ኔርና። ትርጉም ምሉእ ትሕዝቶኡን እቲ ብእንግሊዝኛ ዝተጻሕፈ መልእኽቲ ከምዘለዎን ከኣ ነቕርበልኩም።

Frፍረደሪክ ማልም ዝተባህለ ኣባል ባይቶ ሽወደን፡ "እቶም ንዲፕሎማስያዊ ስራሕ ፍቓድ ዝተዋህቦም ኣባላት ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ሽወደን ንዝቕመጡ ኤርትራዊ መበቆል ዘለዎም ሽወደናውያን ግብሪ የኽፍሉ እንተሃልዮም፡ ዲፕሎማስያዊ መዝነቶም ክቕንጠጡ እዮም። ኣብ ሽወደን፡ ግብሪ ናይ ምእካብ ስራሕ ናይ ሃገረ-ሽወደን ዕማም ጥራይ እዩ" ክብል ከምዘጠንቀቐ፡ Stockholm News ዝተባህለ መርበብ ኢንተርነት ኣፍሊጡ።

Draughtካብ ሚኒስትሪ ጥዕና ናብ ቤት ጽሕፈት ፕረሲደንት ዝተላእከ ስቱር ደብዳቤ ብዘቕረቦ ናይ “ወርሒ ጥቅምቲ-ሕዳር-ታሕሳስ 2008፡ ርብዒ-ዓመታዊ ጸብጻብ“ መሰረት፡ ኣብዘን ዝተጠቕሳ ሰለስተ ኣዋርሕ ጥራይ፡ ብጥሜትን ፈውሲ ነቐዝ ተነስኒስዎ ዝተበላሸወ እኽሊ ብምብላዕን፡ ኣብ ኤርትራ ሃገርና፡ 2173 ሰባት ከምዝሞቱ ምንጭታትና ካብ ከርሲ ቤት ጽሕፈት ፕረሲደንት ሓቢሮም።

ካብ ሚኒስትሪ ጥዕና ናብ ቤት ጽሕፈት ፕረሲደንት ዝተላእከ ስቱር ደብዳቤ ብዘቕረቦ ናይ “ወርሒ ጥቅምቲ-ሕዳር-ታሕሳስ 2008፡ ርብዒ-ዓመታዊ ጸብጻብ“ መሰረት፡ ኣብዘን ዝተጠቕሳ ሰለስተ ኣዋርሕ ጥራይ፡ ብጥሜትን ፈውሲ ነቐዝ ተነስኒስዎ ዝተበላሸወ እኽሊ ብምብላዕን፡ ኣብ ኤርትራ ሃገርና፡ 2173 ሰባት ከምዝሞቱ ምንጭታትና ካብ ከርሲ ቤት ጽሕፈት ፕረሲደንት ሓቢሮም።

refugees

ካብ ገማግም ሊብያ ተበጊሶም ብማእከላይ ባሕሪ ናብ ኢውሮጳ ክሳገሩ ዝፈተኑ፡ ዓረባውን ኣፍሪቃውን መበቆል ዘለዎም ልዕሊ 200 ስደተኛታት ጃላቡኦም ድሕሪ ምጥሓለን ሃለዋቶም ኣብ ኣጣራጣሪ ኩነታት ወዲቑ ከምዘሎ ዝተፈላለያ ማዕከናት ዜና ዓለም ኣቃሊሐን።

ዝርዝር ኣስማት ናይቶም ካብ ኢራን ዝተበገሰ ኣጽዋር ናብ ሓማስ ከሰጋግሩ ኣብ ዶብ ሱዳንን ምስርን ብደብዳብ ኣየር ዝተቐትሉ ሓደ ኮለኔል ዝርከቦም ህግደፍ ናብ ጥፍኣት ዝለኣኾም መኮንናት ኤርትራ።  (ምንጭታትና ካብ ኣስመራ ዝለኣኹዎ)

ብመሰረት ሓበሬታ ማዕከናት ዜና እስራኤል፡ ሰበስልጣን ‘ታ ሃገር፡ እቲ ብ ’ሪቮሉሺናሪ ጋርድ’ ዝብል መጸውዒ ዝፍለጥ ሰራዊት እስላማዊ ሪፓብሊክ ኢራን፡ ኣብ ገማግም ቀይሕባሕሪ ኤርትራ ወተሃደራዊ መደበር ንምምስራት ልኡኹ ናብ ኤርትራ ከምዝሰደደ ብምጥቃስ፡ ኢራን ኣብታ ንነዊሕ እዋን መሓዛ እስራኤል ኮይና ዝጸንሐት ኤርትራ፡ ወተሃደራዊ ህላወ ክትምስርት ጀሚራ ምህላዋ ከምዝገለጹ ተፈሊጡ።

ስርዓት ኢሳያስ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ዝፍጽሞ ዘሎ ደረት ዘይብሉ ሕሱም ግፍዒ ምስቲ ኣብ ሃገርና ጽተፈጸመ ተኸታታሊ መግዛእታዊ ገበን ክወዳደር ከሎ ፍጹም መዘና የብሉን። ነዚ ምልካዊ ምሕደራ መሰረታዊ ሰብኣዊ መሰል ዝበሃል ኣምር ትርጉም የብሉን።

isuኣብ ኤርትራ ዝርከባ፡ ኣሽሓት ሰራዊት ዝሓቖፋን፡ ጌና ሕጂ ‘ውን ኣብ ምምልማል ዘለዋ ተቓወምቲ ውድባት ኢትዮጵያ፡ ኣብዚ ጊዜ’ዚ ቀንዲ ዕላማአንን ዕለታዊ ምንቅስቓሰንን፡ ኣንጻር ኢሳያስ ዝኾነ ይኹን ውሽጣዊ ተቓውሞ ኣብ ዝለዓለሉ እዋን ዘራይ ብምእታው፡ ነቲ ምልዕዓል ብምጭፍላቕ፡ ዕድመ ስልጣኑ ምንዋሕ ምዃኑ ሓደ ስመይ ይተዓቀበለይ ዝበለ ኣብ ኣስመራ ዝርከብ ኣባል መሪሕነት ተቓወምቲ ውድባት ኢትዮጵያ ንምንጭታትና ሓቢሩ።

piaዓለማዊ ቤትፍርዲ ገበነኛታት ናብ ፍርዲ ኪቐርብ ዝወሰነሉ መራሒ ሱዳን ፕረዚደንት ዑመር ኣልበሽር፡ ሎሚ ሰኑይ 23 መጋቢት ናብ ኤርትራ በጺሑ።

ኣምባሳደር እስራኤል ኣብ ኢትዮጵያ፡ ኦደድ በን-ሃይም “ኤርትራ ንመስርሕ ሰላም ቀርኒ ኣፍሪቃ ከተበርዕን ትፍትን፡ ዑቕባ ግብረሽበራውያን ጉጅለታት ኮይና ‘ውን ትርከብ ‘ላ” ብምባል ከምዝኸሰሰ፡ World War 4 Report ዝተባህለ መርበብ ሓቢሩ።

Prisonብ 10 መጋቢት ኣብ ኣስመራ ኣብ ሓደ ቤትማእሰርቲ ሓደ እሱር ካብ ዋርድያ ብረት መንዚዑ ብዝፈነዎ ኣድራጋ ቶኽሲ: ነቲ ተረኛ ዝነበረ ዋርድያ፡ ካልኦት 3 እሱራት፡ ኣብ መወዳእታ ድማ ንነብሱ፡ ብድምር 5 ትንፋስ ከምዘሕለፈ ምንጭታት ሓቢሮም።

asmeraስርዓት ህግደፍ ቆጸራ ህዝቢ ብዝብል ምስምስ ኣብ ኣስመራ ገዛ ገዛ እናኣተወ  ወግዓዊ ተፍትሽ የካይድ ከምዘሎ ምንጭታት ሓቢሮም።

ኣብ ኣመሪካን ኤውሮጳ ኣብ ናይ ህግደፍ ሕሳብ ባንክ ዝርከብ ገንዘብ ናይ ውልቀ ኤርትራውያንን ማሕበረ-ሰባትን ክሰሓብ ተወሲኑ፣