ኣኼባ YPFDJ ዝተሳተፉ ሰለስተ ኣባላት ማእከላይ ቤትጽሕፈት ህግደፍን ኢዶም ሂቦም።

ኣብቲ ብመሪሕነት የማነ ገብረኣብ (ማንኪ) ኣብ መወዳእታ ሚያዝያ ኣብ ነርወይ ዝተኻየደ ኣኼባ YPFDJ ዝተሳተፉ ሰለስተ ኣባላት ማእከላይ ቤትጽሕፈት ህዝባዊ ግንባር ንዲሞክራስን ፍትሕን ከምኡ ‘ውን ሃገራዊ ማሕበር መንእሰያት ኤርትራን  ንስርዓት ህግደፍ ራሕሪሖም ኢዶም ከምዝሃቡ ምንጭታት ካብ ኤርትራ ሓቢሮም።

ጻውዒት ን ህዝባዊ ኣኼባ – ኣብ ከተማ ሎንዶን ።

ኤርትራውያን ተቀማጦ ሎንዶን ንካልኣይ ጊዜ ንዝኽሪ ናይቶም ኣብ ገማግም ባሕሪ ሊብያ ዝሃለቑ ከባቢ 400 ዝኣኽሉ ንጹሃት ኤርትራውያን ንምዝካርን ንዕኡ ብምምርኳስ ውን ሰፊሕ ዘተ ክካየድ ዝተዳለወ መደብ ንሰኑይ 25 ሚያዝያ ኣብ Abrar House, 45 Crawford Place, Off Edgware Road, London W1 4LP ተዳልዩ ስለዘሎ ኩሉኹም ግዱሳት ኤርትራውያን ኣብቲ ቦታ ክትርከቡ ብትሕትና … more

ጻውዒት ን ህዝባዊ ኣኼባ – ኣብ ከተማ ሎንዶን ።

ኤርትራውያን ተቀማጦ ሎንዶን ንካልኣይ ጊዜ ንዝኽሪ ናይቶም ኣብ ገማግም ባሕሪ ሊብያ ዝሃለቑ ከባቢ 400 ዝኣኽሉ ንጹሃት ኤርትራውያን ንምዝካርን ንዕኡ ብምምርኳስ ውን ሰፊሕ ዘተ ክካየድ ዝተዳለወ መደብ ንሰኑይ 25 ሚያዝያ ኣብ Abrar House, 45 Crawford Place, Off Edgware Road, London W1 4LP ተዳልዩ ስለዘሎ ኩሉኹም ግዱሳት ኤርትራውያን ኣብቲ ቦታ ክትርከቡ ብትሕትና … more

ጸብጻብ ህዝባዊ ኣኼባ ኣብ ከተማ ሳንታሮዛ ካሊፎርንያ

ኣብ ሳንታ ሮዛ ዝወዓለ ኣኼባ ሽማግለ ንጉባኤ፡ ብጉዳይን ህዝብን ሃገርን ኤርትራን፡ ሃገራዊ ኮምሽን ዘካይዶ ዘሎ ንጥፈታትን ዘትዩ። ኣብ ውሽጢ ምምሕዳር ሽማግለኡ ዝርከብ ስርርዓት፡ ዘለዎ ሓላፍነቱን ዝዓሞ ስርሓትን በብሓደ ምስ ኣኼበኛ ብምልላይ፡ ነቲ ኣኼባ ከፊትዎ።

ኣኼባ ኮሚሽን ንደማክራሲያዊ ለውጢ ንኡስ ጨንፈር ካርልስሩሀን ከባቢኣን

መቐጸልታ ኣኼባና ንሰንበት ዕለት 27 መጋቢት 2011 ኣብ ሽታይን ስትራስሰ 23 ንሰዓት 15፡00 ተቖጺሩ ኣሎ። ኣብ መጻኢ ኣኼባና ብዛዕባ ዝሓለፈ ሃገራዊ ዋዕላን ኣብኡ ዝተበጽሐ ስምምዕን ተመርኲሱ ንዝቐርብ ካልእ ኣድላዪ ዝበሃል ጉዳያት ዝምልከት ሕቶታትን ክበርህ እዩ።

ኣብ ላስ-ቨጋስ መደብ ዝሓዘን ዕግበት ዝመልኦን ህዝባዊ ኣኼባ ተኻይዱ

እቲ ሸውዓተ ወርሒ ኣቢሉ ተሪፍዎ ዘሎ ሃገራዊ ጉባኤ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ኣብ ኤርትራ፡ እንታይ ንግበር ወይ ነሰላስል ዝብል ኣርእስቲ ቀንዲ ናይቲ ኣኼባ ትሕዝቶ ዝነበረ ቅድሚ ምጅማሩ ሽማግለ ፖለቲካ ኣቶ ኣለም ዘቢብ ብዛዕባ ህልዊ ኵነታት ኤርትራን ህዝባን ስፍሕ ዝበለ መግለጺ ድሕሪ ምሃቡ፡ ቀጺሉ ኣቶ ሰዓድ መ/ሙሳ ኣባል ሃገራዊ ኮሙሽን ብወገኑ ብዛዕባ ሃገራዊ … more

አብ ከተማ ሎራኽ(ጀርመን)ን አብ ከተማ ባዝል(ሰዊዘርላንድ)ን አብ ከተማ ክላይን-ሁኑንገር ዕዉት ኣኼባ-ህዝቢ ተኻይዱ

አብ  ከተማ ሎራኽ(ጀርመን)ን  አብ ከተማ ባዝል(ሰዊዘርላንድ)ን ከባቢታትን ንቕመጥ ኤርትራውያን ብቀዳም 15 ጥሪ ዘዳለናዮ መጠነ ሰፊሕ ኣኼባ-ህዝቢ ብድሙቕ ዓወት ተደምዲሙ፡፡

ዕዉት ኣኼባ ኮሚሽን ዋዕላ ንሃገራዊ ጉባኤ ኣብ ከተማ ኮሎምቦስ ኦሃዮ ።

ትማሊ ቀዳም ታሕሳስ 18/2010 ካብ ሰዓት 2፡00 -  ክሳብ  6፡30 ድ፡ቀ ኩሉ ደላይ ፍትሕን ሰላምን ዝኾነ ኤርትራዊ ኣብ ኮሎምቦስን ሲንሲናትን ካልኦት ንኣሽቱ ከተማታት ኦሃዮን ዝነብር ነቲ ሓያል ቁርን በረድን ተጻዊሩ ብጉዳይ ሃገሩ ክዝቲ ምዕባለ ኮሚሽን ክከታተልን ንመጻኢ ጉዕዞኡ ሓሳቡ ከፍስስን  ብኣዝዩ ዘሐብን ቁጽሪ ንርባዕተ ሰዓት ዝኣክል ክዝቲ  ዉዒሉ ።

ሓጺር ጸብጻብ ኣኼባ 6 ኅዳር 2010 (ለንደን) ብዛዕባ፡ “ነባሪ ሰላም ብመትከላት (መገዲ) ሃገራዊ ዋዕላ”

ብዕለት 6 ኅዳር 2010፡ ዶ/ር ክብርኣብ ይሥሓቕ፡ “ነባሪ ሰላም ብመትከላት (መገዲ) ሃገራዊ ዋዕላ” ኣብ ዝብል ኣርእስቲ፡ ትምህርቲ ንሕዝቢ ኣቕሪቡ ነበረ። ኣቶ ጸጋዘኣብ ዮውሓንስ ኣብ ምምሕዳር’ቲ ኣኼባ፡ ከምኡ መምህር ማሕሙድ ኣደም ናብ ቛቓንቛ ዓረብ ብምቱርጋም ተሓባበሩ።

ዕውት ህዝባዊ ኣኼባ ኣብ ከተማ ኒው-ዮርክ፤

ኣብ ከተማ ኒው-ዮርክ ቀዳም 14 ሕዳር 2010 ዋዕላን መጻኢ ሃገራዊ ጉባኤን ብዘርኢ ጉዳያት ህዝባዊ ኣኼባ ተካይዱ። ኣባላት ኮሚሽን ኣሕዋት ተኽላይ ኣብራሃን ዳንኤል ተወልደን ነቲ ኣብ ኒው-ዮርክን ከባብን ዝርከብ ህዝብና ኣገዳሲ ኣኼባ ኣካይዶም። ዛዕባ ናይ’ቲ ኣኼባ ከኣ ብዛዕባ እቲ ኣብ ኣዲስ-ኣበባ ዝተኻየደ ዋዕላ ውጽኢቱን ዕማማት ኮሚሽንን ዘጠቓለለ እዩ ነይሩ።

ህዝባዊ ኣኼባ ኣብ ከተማኦታዋ – ካናዳ፣ ሽማግለ ህዝቢ ንሃገራዊ ጉባኤ ድማ ቆይማ

ከምቲ ኣብ ኩሉ ኩርንዓት ዓለም ዝካየድ ዘሎ መደባት ህዝባዊ ኣኼባታት ብኤርትራዊ ሃገራዊ ኮምሽን ንደሞክራሲያዊ ለዉጢ፣ ኣብ ኦታዋ ዋና ከተማ ካናዳ ብዕለት 6 ሕዳር 2010 ዓ.ም፣ ዕዉት ኣኼባ ብኣባል ኮምሽን ኣቶ ክብሮም ደብሩ ተኻይዱ።