ህዝባዊ ኣኼባ ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮሚሽን ኣብ ከተማ በርሚንግሃም
ኣባላት ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮሚሽን ንኩሉኹም ግዱሳት ደለይቲ ዲሞክራስያዊ ለውጢ ኣብ ኤርትራ ዚኾንኩም ኤርትራውያን ነበርቲ ከተማ በርሚንግሃምን ከባቢኣን ናብ ዘዳለናዮ ህዝባዊ ኣኼባ ንቀዳም 23/10/2010 ትዕደሙ።
ሃገራዊ ጉባኤ ተሳትፎ ኩሉ ክውንነት ህዝብናን ሓይልታት ደሞክራስያዊ ለውጥን ብዘይዝኾነ ፍልልይ ዘውሕስን ብስልጡን ኣገባብ ኤርትራውያን ሕድሕድ ልዝባት ዘካይድሉን ዕውት መጋብኣያ ክኸውን ኮሚሽን ብዋዕላ ዝተነበረሉ እምነትን ብሓልዮትን ሓገዛትን ህዝብናን ብርቱዕ ጻዕርታት ክገብር ምዃኑ ይሕበር።
ብመሰረት’ቲ ሓበሬታ፡ እቶም 3 ደቅንስትዮ ዝርከባኦም 12 ኤርትራውያን ካብ 2-17 ኣዋርሕ ኣብ ቤት-ማእሰርቲ ግብጺ ክሳቐዪ ድሕሪ ምጽናሕ ‘ዮም ብ 3 መስከረም ኣዲስ-ኣበባ ኣትዮም፡፡ እቶም 7 ኣባላት ሓይልታት ምክልኻል ከምዝነበሩ ‘ውን እቲ ሓበሬታ የመልክት።
ኣቶ ካሕሳይ በርሀ ድሕሪ’ቲ ዝተዋህቦ ናይ ዓባይ ብሪጣንያ ናይ ስደተኛ መንበሪ ወረቐት ምሓዙ ነቲ ስርዓት ኣስመራ ንመሰረታዊ ሰብኣዊ ብሕታዊ መሰለይ ብምግሃስ ኣብ ውሽጢ ሃገረ ኤርትራ ከንብረኒ ስለ ዘይከኣለ ኢሉ ንዘቕረቦ ናይ ማሓላ ቓል ብምኽሓድ ምስ ስርዓት ኣስመራ ብምትሕብባር
ኣቶ ካሕሳይ በርሀ ድሕሪ’ቲ ዝተዋህቦ ናይ ዓባይ ብሪጣንያ ናይ ስደተኛ መንበሪ ወረቐት ምሓዙ ነቲ ስርዓት ኣስመራ ንመሰረታዊ ሰብኣዊ ብሕታዊ መሰለይ ብምግሃስ ኣብ ውሽጢ ሃገረ ኤርትራ ከንብረኒ ስለ ዘይከኣለ ኢሉ ንዘቕረቦ ናይ ማሓላ ቓል ብምኽሓድ ምስ ስርዓት ኣስመራ ብምትሕብባር
ብቀዳምነት እቲ ምውቕ ዘዀነ ኤርትራዊ ሰላምታይ ተቐበሉ። ስመይ ገብረሚካኤል ኪዳነ (ጻዕደ) ይበሃል። ምቕማጠይ ኣብ ሕቡራታት መንግስታት ኣመሪካ ኮይኑ ትውልደይን ወይ መበቆለይ ኣብ ቅንሓየላ እትበሃል ዓዲ ኣውራጃ ሰራየ ወረዳ ተኸላ ኣብ ኤርትራ ይኸውን።
ዘተ ብዛዕባ ምርጫ ኢትዮጵያ ኣብ ድምጺ ኣመሪካ
ቴድሮስ መንግስቱ ዝተባህለ ሓደ ኤርትራዊ ጋዜጠኛ ኣብ ህዩስተን፡ ኣመሪካ ኣብ ዝተኻየደ ህዝባዊ ኣኼባ ብደገፍቲ ህግደፍ መጥቃዕቲ ከምዝወረዶ ብምጥቃስ፡ ነቲ ኩነታት ጽጹይ መጽናዕቲ ክካየደሉ CPJ ዝተባህለ ተጣባቒ መሰል ጋዜጠኛታት ኣጥቢቑ ጸዊዑ።
ኤርትራዊ ኣትለት ሳሙኤል ጎይቶኦም ሓድጉ ኣብ ጀርመናዊት ከተማ ካስል ሎሚ 16 ግንቦት ኣብ ዝተኻየደ ማራቶን-ካስል ብ02.13.05 ግዜ ካልኣይ ኮይኑ ውድድሩ ብምፍጻም ከምዝተሸለመ ተፈሊጡ።
ፋሽሽቲ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ. አንጻር ሕግን ፍትሕን አንጻር ደሞክራሲን ሰላምን፤ አሳሪ ህዝቢ ዓማጺ ህዝቢ፤ ኩሉ ተወላዲ ሃገር ተገዲዱ ዓዱ ገዲፉ ናብ ስደት ወጺኡ ክጠፍእ እከይተግበራቱ ከም ቀዳማይ ዕላማ ሒዙዎ ይርከብ፡፡
ካብ ዝሓለፈ ዓሰርተ ዓመታት ኣትሒዙ ፤ ኣብ ወጻኢ ዝቕመጡ ኤርትራውያን ንኹሉ ዝጥርንፍ ሃገራዊ ዋዕላ ንኽግበር ክጽውዑን ክጠልቡን ጸኒሖም እዮም።
በየነ ዘርኣይ በራኺ ዝተባህለ ኤርትራዊ ኣትሌት፡ ትማሊ ሰንበት 25 ሚያዝያ ኣብ ሃምበርግ (ጀርመን) ኣብ ዝተኻየደ 16 ሽሕ ተቐዳደምቲ ዝተሳተፉዎ ዓመታዊ ውድድር ጉያ ፡ ሳልሳይ ብምውጻእ ተሸሊሙ።
ኣባለት ውድባት ኤርትራዊ ደሞክራስያዊ ኪዳንን በርገሳውያን ማሕበራትን ኣብ ሽወደን፡ ኣብ ልዕሊ ዲክታተራዊ ስርዓት ህግደፍ ዝተበየነ ማዕቀብ ምኽንያት ብምግባር ናይ ሓደ መዓልቲ ሰሚናር ኣካይዱ። እቲ ሰሚናር ንማዕቀብ ብይን ቁጽሪ 1907 ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ፡ ዓሙቕ ዘተ ብምክያድ፡ ሕጋውነቱን ኣድማዕነቱን፡ ኣብ ልዕሊ መሓውር ስርዓት ህግደፍን ገባቲ ፖሊስኡን ዘነጻጸረ ውሕሉል ማዕቀብ ብምዃኑን፡ … more
ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት መንግስታት ኣብ ርእሲ ስርዓት ኤርትራ ውሕሉል ማዕቀብ ካብ ዝወሰነሉ እዋን ጀሚሩ፡ እቲ ካብ ዓለም ዝተነጸለን ብኡ መጠን ዝተኾነነን መሪሕነት ስርዓት ኤርትራ ከይሓነኸ፡ ባይቶ ጸጥታ ዘይሕጋዊ ብይን ከምዝገበረሉ ከምስል ብናህርን ዲፕሎማሲ ብዝጎደሎን ኣገባብ ይጓየ ኣሎ።
ኤርትራዊ-ኣመሪካዊ ኣትለት መብራህቱ ክፍለዝጊ ሎሚ ሰንበት ሓደ ሕዳር 2009 ኣብ ኒውዮርክ ኣብ ዝተኻየደ ናይ ማራቶን ቅድድም ቀዳማይ ኮይኑ ብምዕዋት ተሸሊሙ።
ኤርትራዊ ኣትለት ዘርእሰናይ ታደሰ ኣብ በርሚንግሃም ዓዲ እንግሊዝ ሎሚ 11 ኣብ ዝተኻየደ ናይ ፍርቂ ማራቶን ቅድድም ብምዕዋት ወርቂ ማዳልያ ተሸሊሙ።