ኣብ ከተማ ኦስሎ፡ ኖርወይ፡ ሓድሽን ነጻን ማሕበረሰብ ኤርትራውያን ተመስሪቱ።

ብዕለት 14 ግንቦት 2011 ኣብ ከተማ ኦስሎ፡ ኖርወይ፡ ሓድሽን ነጻን ማሕበረሰብ ኤርትራውያን ተመስሪቱ።ኣብ ኖርወይ፡ ማሕበረሰብ ኤርትራውያን ክምስረት መጀመርያኡ ኣይኮነን። ናይ ሎሚ 25 ዓመት፡ በቶም ውሑዳት ኣብ ኦስሎን ከባቢኣን ዝቕመጡ ዝነበሩ ኤርትራውያን ተመስሪቱ ኔሩ ኢዩ። … more

ስርዓት ህግደፍ ኣብ ወጻኢ ዝርከባ ማሕበረኮማት ኤርትራውውያን

ስርዓት ህግደፍ፡ ብዝተፈላለየ መንገዲ ኢዱ ብምእታው፡ ኣብ ወጻኢ ዝርከባ ማሕበረኮማት ኤርትራውውያን ዓምቢበን ንኤርትራዊ ማሕበረሰብ ግቡእ ኣገልግሎት ክይህባ ቀንዲ ዕንቅፋት ኮይኑ ከምዘሎ ኣብ ቶሮንቶ (ካናዳ) ዝነብሩ ኤርትራውያን ትማሊ  7 ግንቦት ‘ኤርትራ ብዓይኒ ህዝባ’ ኣብ ትሕቲ ዝብል መደብ ገምጋም 20 ዓመታት ናጽነት ምስ ድምጺ ኣሰና ኣብ ዘካየዱዎ ሓባራዊ ዘተ ገሊጾም። … more

ሓበሬታ ኣሰና ኣብ ካናዳ ንዝቕመጡ ኤርትራውያን

ድምጺ ኣሰና፡ ነቲ ብምኽንያት መበል 20 ዓመት ናጽነት ዝጀመረቶ ‘ኤርትራ ብዓይኒ ህዝባ’ ዘርእስቱ መደብ ሓባራዊ ዘተ ብምቕጻል፡ ንጽባሕ ቐዳም 7 ግንቦት ኣብ ቶሮንቶ (ካናዳ)፡ ንኩነታት መራኸቢ ብዙሓንን ሞያ ጋዜጠኛነትን ኣብ ድሕሪ ናጽነት ኤርትራ፡ ከምኡ ‘ውን ኩነታት ማሕበረኮማት ኤርትራውያን ኣብ ወጻኢ እንታይ ከምዝመስል ክትድህስስ እያ። … more

ጋዜጣዊ መግለጺ: ርክብ ክልተ ኤርትራውያን ሲቪክ ማሕበራት፡ ምስ ክልተ ዓበይቲ ሰልፍታት ፈረንሳ።

ኣብ ፈረንሳ ዝርከባ ክልተ ዓበይቲ ሰልፍታት፡ ንክልተ ኤርትራውያን ሲቪክ ማሕበራት ብዝገበራልና ዕድመ፡ ኣብ ከተማ ፓሪስ ኣብ ሰዓታት ቕድሚ ቐትርን ድሕሪ ቐትርን ጽቡቕ መንፈስ ናይ ምርድዳእ ዘለዎ ክልትኣዊ ርክባት ተኻይዱ። … more

መተሓሳሰቢ ኣብ ጉዕዞ ስደት ብፍላይ ድማ ኣብ ቱኒዝያ ንዝርከቡ ኤርትራውያን ስደተኛታት

ድሕሪ’ዚ ኹሉ ኣማኢት ኤርትራውያን ዘጥፍአ መቕዘፍቲ ማእከላይ ባሕሪ፡ ገለ ካብቶም ብሕታዊ ገንዘባዊ መኽሰቦም ጥራይ ዘቋምቱ ዘይሕጋውያን መሰጋገርቲ፡ ብፍላይ ድማ ወዲ ቐሺ ተባሂሉ ዝፍለጥ መሰጋገሪ፡ ነቶም ካብ ቅልውላው ሊብያ ኣምሊጦም ኣብ ቱኒዝያ ኣብ ግዝያዊ መዕቆቢ ዝርከቡ ኤርትራውያን ስደተኛታት፡ ‘ናብ ጥልያን ብቐጥታ እትኣቱ ተተኣማምን መርከብ ኣዳልየ ኣለኹ’ ዝብል ግጉይ ሓበሬታ ብምዝርጋሕ ናብ … more

ኤርትራውያን ተቐማጦ ኣትላንታ ነቶም ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ዝሃለቑ ኤርትራውያን ናይ ሽምዓ ዝኽሪ ገይሮምሎም

ብሰንበት ዕለት 17, 2011 ነበርቲ ከተማ ኣትላንታን ከባቢኣን ነቲ ኣብ ልዕሊ መንእሰያት ኣሕዋቶምን ኣሓቶምን ኣብ ባሕሪ ሊብያ ዘጋጠመ ዘሕዝን ሓደጋ ንምዝካርን ጸሎቶም ንምብጻሕን ተኣኪቦም ኣምስዮም። እቲ መደብ ብግዱሳት ኤርትራውያን መንእሰያት ዝተዳለወ ኮይኑ፣ ክሳብ 300 ዝኸውን ህዝቢ ተሳቲፍዎ። ህዝቢ ዝኽረ ሰማእታት ድሕሪ ምግባሩ፣ ዝተፈላለየ ቃላት ብመራሕቲ ሃይማኖትን ተሳተፍትን ቀሪቡ። ኣብ መደምደምታ … more

ኤርትራውያን ተቐማጦ ኣትላንታ ነቶም ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ዝሃለቑ ኤርትራውያን ናይ ሽምዓ ዝኽሪ ገይሮምሎም

ብሰንበት ዕለት 17, 2011 ነበርቲ ከተማ ኣትላንታን ከባቢኣን ነቲ ኣብ ልዕሊ መንእሰያት ኣሕዋቶምን ኣሓቶምን ኣብ ባሕሪ ሊብያ ዘጋጠመ ዘሕዝን ሓደጋ ንምዝካርን ጸሎቶም ንምብጻሕን ተኣኪቦም ኣምስዮም። እቲ መደብ ብግዱሳት ኤርትራውያን መንእሰያት ዝተዳለወ ኮይኑ፣ ክሳብ 300 ዝኸውን ህዝቢ ተሳቲፍዎ። ህዝቢ ዝኽረ ሰማእታት ድሕሪ ምግባሩ፣ ዝተፈላለየ ቃላት ብመራሕቲ ሃይማኖትን ተሳተፍትን ቀሪቡ። ኣብ መደምደምታ … more

ኤርትራውያን ካናዳውያን ጉዳይ ናይቶም 400 ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ዝሃለቑ መንእሰያት ክጻረ ሰላማዊ ሰልፊ ኣካይዶም

ኤርትራውያን ካናዳውያን ተቐማጦ ቶረንቶን ከባቢኣን ሎሚ መዓልቲ ኣብ ኣፍደገ ቤት ጽሕፈት ባይቶ ኦንታርዮ ብምስላፍ፡ ጉዳይ ናይቶም ብ22 መጋቢት ካብ ሊብያ ናብ ኤውሮጳ ንምስጋር ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ዝጠሓሉ 400 ኤርትራውያን ክጽናዕ ጻውዒት ኣቕሪቦም። … more

ዝኽሪ ኤርትራውያን ግዳያት ኣብ ለንደን

ክቡራት ኤርትራውያን ኣሓተይን የሕዋተይን፣ ሎሚ ምዓልቲ ኣብዚ ብሰንኪ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ስርዓት ብዝወረዶም ኣደራዕ ባህጎምን ሕልሞምን ኮሊፎም፣ ካብታ ብዕድመ ንእስነቶም ዓንዲሮም ዘይጸገቡላ ሃገሮም ሃጽ ኢሎም ናብ ደይፈልጥዎ በረኻን ዓድን ንስደት ዝተቓልዑ መሳኪን ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣጋጢምዎም ዘሎ ናይ ሞት ሓደጋ ምኽንያት ብምግባር፣ ነዚ ቀጺለ ዘቕርቦ መደረ ከቕርብ ከለኹ ዓሙቕ ሓዘን ይስምዓኒ። … more

ምልክታ ንኩሉኩም ኤርትራውያን ነበርቲ ሊድስ

ኣብ ዝሓለፈ ቅንያት ኩነታት ሃገርናን ዝብናን ብሓባር ክንዝቲ ዝብል ንነበርቲ ሊድስን ከባቢኣን ምልክታ ኣብ ኩሉ ሊድስን ከባቢኣን ከምኡ’ውን ኣብ ማዕከናት ዜና ምቅላሕና ኩሉ ብህዝቡን ሃገሩን ዝግደስ ኤርትራዊ ንዘተ ድሉው ኮይኑ ምጽንሑ ካብ ዝተፈላለዩ  ኣሕዋት ዝበጽሓና ሓቤረታ  ብምስትብሃል ዓቕምና ዝፈቕዶ ምድላዋት ክንገብር ቅኒና። … more

ኣብ ማእከላይ ባሕሪ፡ ዝጠፍኡ 325 ዝተሰመዖም ሓዘን ንምግላጽ ኤርትራውያን ናይ ሓዘን ስነስርዓት ኣካይዶም።

ኣብ ዝተፈላለያ ከተማታት እስራኤል ዝነብሩ ኤርትራውያን ስደተኛታት፡ ነቲ ኣብ ልዕሊ ንጹሃት ኤርትራውያን ዝወረደ ናይ 325 ህልቂት ብሓደ ኮይኖም ክሓዝኑሉን ብቐጥታ ንዝተተንከፉ ቤተሰብ ንምጽንናዕን ብዝገበሩዎ መደብ መሰረት፡ ልዕሊ 5 ሽሕ ህዝቢ ሎሚ ንጉሆ 9 ሚያዝያ ኣብ ቴልኣቪቭ ተኣኪቡ ብጸሎተ ፍትሓት መራሕቲ ሃይማኖት ዝተመርሐ ናይ ሓዘን ስነስርዓት ከምዘካየደ ቅድሚ ሒደት ደቓይቕ፡ እቲ … more

ዳርጋ ኩሎም ኤርትራውያን 335 ስደተኛታት ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ብጅምላ ሃሊቖም ከምዘለዉ ተሓቢሩ።

(ነዚ እንደገና ብተወሳኺ ሓበሬታ ዝተመሓየሸ ዜና ንምርኣይ ብሰማያዊ ሕብሪ ተጻሒፉ ዘሎ ሕጡበ-ጽሑፋት ተመልከቱ) ነዚ ዘሕዝን ፍጻሜ’ዚ ብዝምልከት ዘዝረኸብናዮ ሓበሬታ ከነስዕበልኩም ምዃና ከምዝሓበርናኩም፡ ብፍላይ ንቑጽሪ ናይቶም ግዳያት ብዝምልከት ዝረኽብናዮ ዝያዳ ዝተጻረየ ሓድሽ ሓበሬታ ከምዚ ዝስዕብ እዩ። … more

ኣብ ሚላኖ ዝቕመጡ ኤርትራውያን ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ናጽነት ጻማ ቓልሱ ከምዘይረኸበ ገሊጾም

ኣብ ግዜ ሓርነታዊ ቃልሲ ስለናጽነት ዝተወፈዩ ኣቦታትን ኣዴታትን ከምኡ ‘ውን ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ሃገራዊ ግቡኦም ዝፈጸሙ መንእሰያት ዝርከቡዎም ኣብ ሚላኖ ዝቕመጡ ኤርትራውያን ስደተኛታ፡ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ናጽነት ጻማ ቓልሱ ከምዘይረኸበ ምስ ኣሰና ኣብ ዝገበሩዎ ሓባራዊ ዘተ ገሊጾም። … more

መልሲ ብኣይተ በረኸት ንዝጻሓፍ ብዛዕባ ኤርትራውያን ተቀማጦ ሸፊልድ

ኣታሃዳድና ቆቃሕ ዘይክእል ሲ ኣይሃዳናይን … ዝብል ምስላ ንከም ባዓል ኣይተ በረኸት ካሕሳይ ኣባል ኮምሽን ዋዕላ ኣዲስ ኣበባ ንዝጽሕፎ ዘሎ ብዛዕባ ኤርትራውያን ተቀማጦ ሸፊልድ ብስለት ዘይብሉ ፖለቲከኛ ኣብ ዘየድልዮ ቆሎ ጥጥቆ ዝኮነ ጽሑፋት ብመገዲ ማዕከናት ጀበርቲ.ኮም ፣ ኣሰና.ኮም፣ ተጎሩባን ኣስማሪኖ.ኮም ሓቂ ንከምስል የቃልሕ ኣሎ። … more

ካብ ሊብያ ናብ ዓዲ ጥልያን ክሰግሩ 335 ስደተኛታት ደሃይ ኣጥፊኦም ከምዘለዉ ተፈሊጡ።

ካብ ሊብያ ናብ ዓዲ ጥልያን ክሰግሩ ቅድሚ ሰሙን ዝተበገሱ ዳርጋ ኩሎም ኤርትራውያን ምዃኖም ዝንገረሎም 335 ስደተኛታት ደሃይ ኣጥፊኦም ከምዘለዉ ገለ ቤተሰቦም ምስኣቶም ዝርከቡ ኤርትራውያን ምስናይ ከቢድ ጭንቀትን ስግኣትን ሓቢሮም። … more

ጸብጻብ ኩነታት ኤርትራውያን ኣብ ግብጺ ካብ ማሕበር ኤርትራውያን መንእሰያት ንለውጢ

ኣብ ዝሓለፈ እዋን ነቶም ኣብ ሃገረ ግብጺ ሓደጋ ኣንጸላሊዎም፡ ናብ ኤርትራ ክምለሱ እውን ዝገደደ ከምዝጽበዮም ፈሊጦም ናብ ኢትዮጵያ ክምለሱ ዝጠለቡ ዜጋታትና ንምሕጋዝ ኩሉኹም ኤርትራውያን ካብ ኩሉ ኩርናዓት ዓለም ሓገዝ ከምዝገበርኩም ይፍለጥ። … more

ስደተኛታት ኤርትራውያን ኣብ ትሪፖሊ ንሃለዋቶምን ካብቲ ኩነታት ንምህዳምን ዝገብሩዎ ቃልሲ ይቕጽሉዎ ኣሎዉ።

ጋንታ ኣመሪካ ምስቶም ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ሊብያ ዝካየድ ዘሎ ንሊብያ ዘዕኑን ነቲ ስልጡን ዓለም ዘሕዝንን ኲናት ሕድሕድ ኣብ ትሪፖሊ ተቐርቂሮም ዝርከቡ ስደተኛታት ኤርትራውያን ዘካይዶ ርክብ ይቕጽሎ ኣሎ። … more