መስዋእቲ ጀጋኑ ኤርትራ፡ ዋጋ ሓርነት እምበር: ህያብ ምልኪ ኣይኮነን !

ህዝቢ ኤርትራ ሓርነት ንምርካብ ዝኸፈሎ መስዋእቲ ብኣሃዝ ኣብ ወረቐት ተጻሒፉ ክትርእዮ ኸለኻ ጥራይ ኳ ዘሰንብድ እዩ። ድርኩኺት ህድሞን ኣግነትን መረባዕን ኤርትራውያን ስድራቤታት ሰጊርካ፡ ምስ ነፍሲ-ወከፍ ‘ቲ ኣብ መንደቕ ክብረት ዝነበር ዘሎ ኣሳእሎም ፊት ንፊት ክትጠማመት ከለኻ ግን እቲ ኣሃዝ ብኣሽሓት ተራቢሑ ዝያዳ ትርጉምን ርዝነትን ስለዝህበካ ካብ ስንባደ ሓሊፍካ ትርጉም ነብስኻ … more

ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ፡ “ቺቺሮ ብዘይ ቲፎዞ ፡ እንታይ ክገብሮ” ትብል። ( ቃል ኣሰና)

ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ፡ ንኤርትራ ብኹዑሶ ጥራይ ዘይኮነ፡ እንተላይ ብስጉምታ እያ ወኪላታ። እታ ዝሓለፈ ቀዳም፡ 13 ታሕሳስ ኣብ ናይሮቢ፡ ኬንያ፡ ተሸሪባ ዝተረፈት ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ካብቲ ኩሎም መንእሰያት ኤርትራ ብቐጻሊ ዝወስዱዎ ዘለዉ ስጉምቲ ዝተፈልየ ስጉምቲ ኣይወሰደትን። መሳቱ ኣባላት ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ፡ ወግሐ ጸብሐ፡ ድብያታት ሓለዋ ዶብ ህግደፍ ዕጅብ ከይበሎም፡ ሓለዋ ዶብ … more

ናይ ሓባር ዋዕላ: ኣባላት ሰልፊ ዲሞክራሲ ኤርትራ፡ ሰልፊ ህዝቢ ኤርትራንኤርትራዊ ህዝባዊ ምነቅስቓስን ኣብ ሰሜን ኣመሪካ (ካናዳን ሕ.መ.ኣ.ን)

ንመደምደምታ ስምረት ሰለስተ ውድባት ማለት ኣባላት ሰልፊ ዲሞክራሲ ኤርትራ፡ ሰልፊ ህዝቢ ኤርትራን፡ ኤርትራዊ ህዝባዊ ምንቅስቓስን ኣብ ሰሜን ኣመሪካ ኣብ ዋሽንግቶን ዲ.ሲ. ዋዕላ ከካይዱ ምዃኖም ንሕብር። ቀንዲ ዕላማ’ ናይ’ቲ ዋዕላ፡ ኣባላት ሰልስቲኡ ውድባት/ሰልፍታት ነንሕድሕዶም ንኽላለዩን፣ ርኢቶን ለበዋን መሰረታት ኣብ’ቲ ናብ ኣባላት ተዘርጊሑ ዝወርሐ ንድፊ ፖለቲካዊ መደብ-ዕዮን ቅዋም ሰልፍን ጸሚቝካ ናብ’ቲ ኣብ … more

ሓደ ካብ ርኹባት ሓረስቶት ኤርትራ፡ ኣቶ ዮውሃንስ ፍረዝጊ ተኣሲሩ፡ ንብረቱ ኸኣ ተዓሺጉ፡፡

ኣቶ ዮውሃንስ (ሃንስ) ፍረዝጊ ዝተባህለ፡ ትውልዲ ዓዱ ሰሳሕ ዝኾነ ዜጋ ኣብ ዓላ ዝርከብ ብዘመናዊ ኣገባብ ዝለምዐ ናይ ሕርሻ ቦታኡ፡ ብሳላሳ ሚልዮን ናቕፋ ንማሕበር ኣከለ ስንኩላን ተጋደልቲ ክሸጠላ ድሕሪ ምውዕዓልን ምፍራምን፡ እቲ ናይ መሸጣ ውዕልን ናይ ንብረት ምርኽኻብን ኣገባብ ምስ ተፈጸመ፡ ብውዕል መሰረት ድማ ገንዘብ ናብ ባንክ ምስተመሓላለፈ፡ ብትእዛዝ ውልቀ መላኺ … more

ጀነራላት ኤርትራ፡ ምስ ሞት ተቐዳደሙ፡ ታሪኽኩም ሓክሙ (ቃል ኣሰና)

ሞት ንብሪጋደር ጀነራል ዓብዱ ረመጭ ቅድሚ ትማሊ ኣርኪባቶ። ቀዲሞም ብዙሓት ሚኒስተራት፡ ጀነራላት፡ ኣምባሳደራት ከይሸምገሉ፡ ብሕማም ነብስን ጽንቃቐ ሞራልን ሓሊፎም እዮም። ብዙሓት ከኣ ኣብ ትሕቲ ክንክን ጥዕና ኣለዉ። ሰብ ኣይነብርን እዩ። እንተ ብኽፉእ እንተ ብጽቡቕ ከም ኩሉ ወዲ ኣዳም ስምኩም ኣብ ታሪኽ ‘ዩ ዝነብር። ሞት ቆጸራ የብላን ‘ሞ፡ ንሞት ቀዲምካ ታሪኽካ … more

ኣብ ስደት ዝነብር ህዝቢ ኤርትራ፡ ንመዓልቲ ናጽነት ኤርትራ ብልዑል ናይ ቃልሲ መንፈስ ከምዝጸምበላ ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝበጽሑና ጸብጻባት ሓቢሮም።

ኣብ ስደት ዝነብር ህዝቢ ኤርትራ፡ ን24 ግንቦት መዓልቲ ናጽነት ኤርትራ ብልዑል ሃገራዊ ወንን ናይ ቃልሲ መንፈስን ከምዝጸምበላ ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝበጽሑና ጸብጻባት ኣመልኪቶም። ናይ ሎሚ ዘበን ጽምብል ናጽነት ካብ ዝሓለፉ ዓመታት ዝፍለየሉ ምኽንያት፡ ነቲ ንህግደፍ ከም ኤርትራ፡ ንመዓልቲ ናጽነት ከኣ ከም ድግስ ህግደፍን ደገፍቱን ጥራይ ዝጽምብል ፈላላዪ ዳሳት ህግደፍ ብምብዳህ፡ … more

ሰልፊ ደሞክራሲ ኤርትራ፡ ኣቦ ወንበሩ ዝነበረ መስፍን ሓጎስ ንዘቕረቦ ስልጣን ናይ ምልቃቕ ሕቶ ብምቕባል ንኣቶ ተስፋሚካኤል የውሃንስ ከምዝተከኦ ሓቢሩ።

ሰልፊ ደሞክራሲ ኤርትራ፡ ኣቦ ወንበሩ ዝነበረ መስፍን ሓጎስ ንዘቕረቦ ስልጣን ናይ ምልቃቕ ሕቶ ብምቕባል ንኣቶ ተስፋሚካኤል የውሃንስ ከም ኣቦ ወንበር ሰልፊ ከምዝተከኦ ሎሚ 9 ሚያዝያ 2009 ኣብ ዝለኣኾ ጋዜጣ መግለጺ ሓቢሩ።

መግለጺ ደገፍ ንሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ፡ ካብ ማሕበር ኤርትራውያን መንእሰያት ንለውጢ በይ ኤርያ

መራኸቢ ብዙሃን የልምዕ መራከቢ ብዙሃን ድማ የጥፍእ። ክንዲ ዝኾነ መራኸቢ ብዙሃን ሚዛናዊን ሓቀኛን ኪኸውን ይግባእ።እንተኾነ ብዙሓት ቴክኖሎጂ ብዝፈጠሮ ምዕባለ ተጠቒሞም ሕሱር ፕሮፖጋንዳ የካይዱ። ካብ ኩሉ ዘስደመም ድማ ብኣፎም ጸፍ ዝብሉ ወይ ብኻልኦት ዝወራዘዩ ምዃኖም ኢዩ።ገለ ዉሑድ ካብቲ ብዙሕ ከም ኣብነት ክጠቅስ።

ሚኒስትሪ ምክልኻል ኤርትራ፡ ሞባይል ቴለፎን ሒዙ ዝተረኽበ ኣባል ሰራዊት፡ “ብሃገራዊ ክድዓት ክሕተት ‘ዩ” ዝብል ዘዋሪ ምልእኽቲ ኣመሓላሊፉ።

ትማሊ ሰኑይ 23 ለካቲት፡ ዝኾነ ሞባይል ቴለፎን ሒዙ ዝተረኽበ ኣባል ሰራዊት  “ሃገራዊ ክድዓት ከምዝፈጸመ ተሓሲቡ፡ ስጉምቲ ክውሰደሉ እዩ” ዝብል ከቢድ መጠንቀቕታ ዝተጻሕፎ ናይ ሚኒስተር ምክልኻል ጀነራል ስብሓት ኤፍሬም ክታም ዘለዎ ዘዋሪ መልእኽቲ ናብ ኣሃዱታት ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ከምዝተመሓላለፈ ምንጭታት ካብ ኣስመራ ሓቢሮም።

ክቡር ህዝቢ ኤርትራ፡ ‘ኣኸለ!’ ኢልካ ንዳግማይ ትንሳኤ ተላዓል!

ሕጂ፡ ን ‘እንታይ ስለምንታይ’ ‘ውን ግዜ የብልካን። ምጕት ሰዓቱ ሓሊፉ፡ በደልን በዳልን ተቐሊዑ እዩ። ዋጋ ናይዚ ኹሉ ጃምላዊ ኣደራዕካ ሓንቲ ቓል እያ። “እምቢ!” ብሓደ ድምጺ። ዳኛ ንስኻ ተዳናዪ ንስኻ ኢኻ። እቲ ለውጢ ብኣኻ ንዓኻ፡ ፖለቲካዊ ስልጣን ከኣ ግዴኻ እዩ።

ኦ ህዝቢ ኤርትራ፡ ብጽውጽዋይ ህግደፍ ኣይትታለል፡ “ብድሆ!” በል

ስርዓት ህግደፍ ኣብ ድሮ ውድቀቱ ምህላዉ ናይ ዕዳጋ ምስጢር ኮይኑ ኣሎ ካብቲ ኩሉ ዝሕዝን ግና ህዝቢ ለኪሙ ክጠፍእ ምኻኑ እዩ ግና ክሳብ መዓስ ኢና ክንጥበር ክነብር ኩሉ እቲ ጽባሕ ንግሆ ዝመጽእ ሓሳረ መከራ ከጣዕሰና ክነብር ምኻኑ ድማ ጽባሕ ንግሆ ዘይወጽእ ጣዕሳ ከም ዝህሉ ርጉጽ እዩ::ገለ ካብቲ ን ስርዓት ሕግደፍ ካብ … more

58 ኣባላት ሓይሊ ኣየር ኤርትራ፡ ንመንግስቲ ኤርትራ ራሕሪሖም: ኣዛዚ ሓይሊ ኣየር ኤርትራ፡ ሜጀር ጀነራል ተኽላይ ሃብተስላሴ ተሪር ምግብዕባዕ የካይድ።

58 ኣባላት ሓይሊ ኣየር ኤርትራ፡ ንመንግስቲ ኤርትራ ራሕሪሖም: ኣዛዚ ሓይሊ ኣየር ኤርትራ፡ ሜጀር ጀነራል ተኽላይ ሃብተስላሴ ተሪር ምግብዕባዕ የካይድ። ኤርትራዊ ኣሜሪካዊ ዜግነት ዘለዎም ሰብ ስልጣን መንግስቲ ኤርትራ፡ ሰነዳቶም ኣብ ሓደጋ ይሳጣሕ።

ሓላፊ ጸጥታ ኤርትራ፡ ኣብርሃ ካሳ፡ ነቶም ኣብ ወጻኢ ዝነብሩ ኤርትራውያን “ገንዘቦም አምበር ንዓኣቶም ኣይደለናን” ይብል

- ሓላፊ ጸጥታ ኤርትራ፡ ኣብርሃ ካሳ፡ ነቶም ኣብ ወጻኢ ዝነብሩ ኤርትራውያን “ገንዘቦም አምበር ንዓኣቶም ኣይደለናን” ይብል- ስዉር ኣብያተ ማእሰርቲ ህግደፍ ኣብ ማእከል መንበሪ ኣባይቲ ህዝቢ የስፋሕፍሕ

ሰማእታት ኤርትራ፡ እወ ንዝክሮም !! (ሰለስተ ኣቦታት ካብ ኣስመራ)

እወ ንዝክሮም! ደቅና ኣሕዋትና ኣቦታትን ኣዴታትን ስድራና ዝተፈለዩና፣ ከመይ ኢልና ድኣ ክንርሰዖም። መዓንጣና ሕርር ክምቱር ይብል፣ ኣሕ! ሕጂስ ከመይ፣ ኣበይ፣ እንታይ ምሃለኹም ንብል።  ሓዊ ሓብቲ ክትስእን፣ ጮቖቕ ኢሎም ዘዕበዩ ወለዲ፣ ወላድ መኻን ክኾኑ፣ ፍቕርኻ ፈታዊኻ ንዘንቲ-እለት  ክፍለ። ሪእና ከይጸገብናዮም፣ የዕሊልና ከይዛዘምና ተፈልዮምና።