ብኣማኻሪ ፖለቲካዊ ጉዳያት ህግደፍ የማነ ገብርኣብ ኣብ ሽወደን ብዝመደበሮም ደሞክራሲያዉንን ደለይቲ ፍትሕን ርሱን ተቓዉሞ ኣጋጢምዎ፡፡

ንየማነ ገብርኣብ ክሃርምዎ ደልዮም ብምባል እዉን ናብ ኣዳራሽ ኣኼባ ምእታዉ ዝተኸልከሉ ዜጋታት ከም ዘሎዉ ተፈሊጡ።ኣብ ሽወደን ዝምደበሮም ሲቪላዊን ፖለቲካዉን ምንቅስቓሳትን ነጻ ዜጋታትን ብሓባር ኮይኖም ዝወደብዎ ሰለማዊ ሰልፊ ኣብ ኣፍደገ ናይቲ ንፕሮፖጋንዳዊ ሃልኪ ተባሂሉ ብሓላፊ ፖለቲካዊ ጉዳያት ህግደፍ የማነ ገብረኣብ ዝተኻየደ ስሚናር ስርዓት ህግደፍ ብኣዝዩ ዝተዋሃህደ ኣወዳድባ ዉዕዉዕ ናይ ተቓዉሞ ሰልፊ … more

እቲ ሓቂ ክበርህ ንተቐማጦ ሃይደልበርግ/ጀርመን

ከምቲ ኣብ ዝሓለፈ ግዜ ኣብ መርበብ ኢንተርነት ገረገር ( Gereger) ሓባሪ ብዝብል ስም ዘውጽኦ፣ ኤሪ ቲቪ አብ ሃይደልበርግ ተጸፊዓ ዝብል ኣርእስቲ ብዛዕባ ደቂ ኣንስትዮ  ተቐማጦ ሃይደልበርግ/ጀርመን ትንክፍ ኣቢሉ ከምዝነበረ ዝዝከር እዩ ፡ ኣነ ውን ምቕማጠይ ኣብዚ ኸባቢ ከም ምዃኑ  መጠን ቁሩብ ወስ ከብል ኣፍቁዱለይ። … more

እምቢ ንምልኪ!! (6ይ ክፋል) ብወልደየሱስ ዓንደማርያም – እቲ ጉዳይና ንህዝብን ሰራዊት ኤርትራን “መን ረትዖ’ዩ?”

“ካልእ ድኣ እንተ ኣለካ ኣምጽእ እምበር፡ እዚ ሽጣራ እዝስ ቀደም ብገርሁ ኸሎ ህዝቢ፡ ተበሊዕዎ እዩ።” ዝብል ዘረባ፡ ነቲ ንኸታልል ኢሉ ዝብገስ ተቓውሚ እየ ዝብል ባእታ፡ ዘሰምብድ ክኽውን ይኽእል እዩ። … more

እቲ ብስም መንእሰያት ህ.ግ.ዲ.ፍ ዝፍለጥ ማሕበር ዓመታዊ ጉባኤ ናይ 2011 ኣብ ኖርወይ ንኽገብር እውጥን ኣሎ

እቲ ብስም ማሕበር መንእሰያት ዝፍለጥ http://www.ypfdj.com/ ናይ መበል ሻብዓይ ዓመት ጉባኤኡ ንሚያዝያ 2011 ኣብ ኖርወይ ንኽገብር እሻባሸብ ከም ዘሎ፡ ርጉጽ ሓበሬታ ዘለዎም ምንጭታትና ሓቢሮም፡፡ … more

እቲ ብህዝቢ እናተነጸለ ዝኸይድ ዘሎ ስርዓት ህግደፍ ኣብ ወጻኢ ንዝነብር ህዝብና ብስዉር ንምቍጽጻር ስፊሕ ስለያዊ መርበብ ዘርጊሑ ከምዘሎ ተፈሊጡ። – 1ይ ጸብጻብ

ብህዝቢ ኤርትራ ተኻዒቡን ተነጺሉን ዘሎ ዲክታተርያዊ ስርዓት ህግደፍ፡ ነቲ እምነት ኣጥፊኡ መመሊሱ እናረሓቖ ዝኸይድ ዘሎ ኣብ ወጻኢ ዝነበር ስደተኛ ህዝብና ብስዉር ንምቍጽጻር፡ ስፊሕ ስለያዊ መርበብ ዘርጊሑ ከምዘሎ እሙናት ምንጭታት ሓቢሮም። … more

እቲ ዝጋዕገዐ ታሪኽኩም ከ መንዩ ከዘንትወልኩም ? – መልሲ ንኤሪ-ቲቪ

ኣብዚ ቅንያት’ዚ፡ ቴለቪዥን ስርዓት ህግደፍ ታሪኽ ናይ ቡዛሓት ሃገራት ኣፍሪካ ከተዘንቱ ቀንያ። ቀንያ ጥራይ ዘይኮነ ግን መልክዕ ናይቲ ታሪኽን ተፈጺሙ’ዩ ዝተባህለ ገበናት ካኣ ቀዳማዩን ደሕረዋዩን ሓዋዊሳ ኮታ የታልል ይኸውንዩ ተባሂሉ ብዶኩመንታሪ ፊልምታት ዝተሰነየ መደብ ኣቕሪባ። … more

እቲ ሕቶ ፍሉጥ እቲ መልሲ’ውን ፍሉጥ

ኮይኑ ግና፡ ንቅኑዕ ኣራኣእያ ምትርጓምን፡ ብዘለካ እምነት ምስራሕን ጎደለ። እዚ ኹሉ ዓመታት ቃልሲ፡ ብዛዕባ ሽግራት ህዝብናን ሃገርናን፡ ኣጋባብ መፍትሒኡን ዝተሓንጠጠ ቀለም፡ ተጸሚቑ ኣብ በራሚል ኣኪብና እንተነፍስሶ፡ ሰብ ዝወስድ ውሕጅ መበገሰ። … more

እቲ ንኽነቅፍ መሰል ዘለዎ። ንኽሕግዝ ከኣ ልቢ ኣለዎ፣ ስለ ዝኾነ ከይወዓሉ ይወዓዓሉ። ከይተኣማመኑ ኸኣ ይመሓሓሉ – 3ይ ክፋል

ምዕራፍ ኣርባዕተ  ከም’ቲ ኣብ 2ይ ክፋል ዝገለጽክዎ ናብ’ቲ ስኑድ መዛግብቲ ባዕሉ ንኽዛረብ ኣቐዲመ ገለ ክብል ምኽንያቱ ኢትዮጵያ ነዚ ሕጂ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ንኽካየድ ዘአንገደቶ ዋዕላ ቅድሚ ምወላ ምክያዳ ካብ 1991 ዝሓለፈቶ ናይ በይና ናይ ውድባትን ውልቀ ሰባትን ምቁጽጻር ሹኩ-ሹኳ መድርኽ ነይሩ ኢዩ … more

“ፕረዚደንት” ኢሳይያስ ኣፈወርቂ እቲ ኣብ ሱዳን ዝግበር ዘሎ ሃገራዊ ምርጫ ኣብ ማዕከናት ዜና ኤርትራ ከይቃላሕ ጥብቂ ትእዛዝ ኣመሓላሊፉ።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ እቲ ድሕሪ 24 ዓመታት ኣብ ሱዳን ዝግበር ዘሎ ሃገራዊ ምርጫ ኣብ ማዕከናት ዜና ኤርትራ ከይቃላሕ ናብ ሚኒስትሪ ዜና ጥብቂ ትእዛዝ ከምዘመሓላለፈ ምንጭታት ካብ ኣስመራ ሓቢሮም። … more

እቲ ዘሕንኽ ታሪኽ 1940ታት ይድገም ከምዘሎ ነስተብህልዶ ኣሎና?

ቀዳማይ ክፋል – ውዮ ድኣ ኣነዋሪ ክፋል ታሪኽ ሃገር ብጽሑፍ ሰፊሩ: ኣብ መዝገብ ታሪኽ ካብ ምጉሓፉ ሓሊፍካ: ኣብ መዓልታዊ ዕላላትን መደረታትን ንኽተልዕሎ ዘየነይትን ዘየሕብንን ስለዝኾነ፣ ተሰኒዱ ዝተርፍ ኮይኑ እምበር: ከምኡ እንተዘይኸውን ነይሩስ፣ እዚ ሕጂ ብፐሎቲካውያን መራሕቲ ሃገርናን ብገለ ሃይማኖታውያን  መራሕቲ ኦርተዶክሳዊት ቤተክርስትያንን ዝግበር ዘሎ ናይ ትሕተ ሃገራውነት ተግባራት: ደግሲ ናይቲ … more

እቲ መርገም: ዘይተሓስበ ምርቓ ኣጋንንቲ ከይከውን ብትኩርነት ክስርሓሉ ኣለዎ። (ቃል ኣሰና )

ንጉሆ ሓደ ጥሪ 2010 ክልተ ተቓወምቲ ጉጅለታት ኤርትራ፡ ኣብ ከባቢ ዶባት ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ ክልተ መዓስከራት ኣብ ልዕሊ ዝነበረ ኣሃዱታት ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ መጥቃዕቲ ብምፍጻም፡ 25 ኣባላት ሰራዊት ቀቲሎም፡ 38 ከምዘቝሰሉ ኒው ዮርክ ታይምስ፡ ንዜናዊ ጸብጻብ ሮይተርስ ብምጥቃስ ሓቢሩ። … more

ተዓዛባይ ብስቓይ ህዝቢ ኤርትራ ይሓምም፡ ንስሌኡ’ውን ይማጎት፤ እቲ በዓል ውራይከ፧ እናጉረምረመ፡ይመውት፡ ይጸንት፤

ኤርትራ ነቲ ንሰላሳ ዓመት ዝወሰደ፡ ከቢድ መስዋእቲ ዝተኸፍሎ መሪር ቃልሲ ሰጊራ፣ ልእላውነታ ድሕሪ ምርግጋጻ፣ ኣብ ትሕቲ ምሕደራ ህግደፍ ”ኣብነት ሰላምን መሰረት ምዕብልናን ኣብ ኣፍሪቓ” ክትከውን እያ ዝብል ኣጉል ተስፋታትን ትጽቢታትን ዝነበሮ ህዝቢ ኤርትራ ኮነ ኣህዛብ ዓለም ውሑዳት ኣይንበሩን። ከም ውጽኢቱ ድማ፣ እቲ በዚ ዝተታለለ ህዝቢ ኤርትራን ስርዓታትን ውድባትን ዓለምን፡ ኣብቲ … more

ኢሰያስ እቲ ዕሉል ገበነኛ

ነዚ ጽሒፍ’ዚ ናብ ኣሰና ክልእኽ ከለኹ፣ ልዕሊ ሰበይ ፈሊጠ ዘይኮንኩ፣ ነቶም ሃገራውያን ኣመት ንምሃብ፣ ነቶም ንኢሰያስ ካብ ገበናቱ ነጻ ኣውጺኦም ልዕሊ ሃገር ክሰርዑዎ ዝደልዩ፣ ንስዉኣት ረሲዖም ምስ ረብሓኦም ዝጐዓዙ ድማ፣ ግደፉ ናብ ልብኹም ተመለሱ ሒዝኩሞ ዘለኹም መስመር ግጉይ’ዩ፣ ጽባሕ ብታሪኽ ክትሕተቱ ኢኹም ንምባል ምዃኑ ክትግንዘቡለይ እደሊ። ሰናይ ንባብ! … more

ሽግርና ንኽፍታሕ እቲ ዘሸግረና ዘሎ ንፍለጦ።: ቅልዕቲ ደብዳበ ንኹላህና ለውጢ ንደሊ።

ብመጀመርያ ንዶክተር ዘይነብ ብርሃኑ ክብ ዝበለን ዝላዓለን ምስጋናይ ይብጸሓያ። ቀጺለ ድማ ምሁራትና ድምጾም ተዓቢሱ፣ ምንቅስቓሶም ተፈልዩና ብምጽንሑ ንዝወሰደቶ ፈላሚ ስጉምቲ ለባምን ኣድላይ ግዜን መድረኽን ዝጠልቦ ተበግሶን ሒዛ ደበኽ ብምባል እንቋዕ ብደሓን መጻእኪ እብል። እዚ እውን እቲ ማዕጾ ኣዝዩ ክረሖን ኩሎም ምሁራትና በብዘለውዎ ተራኺቦምን ተመያይጦምን ንቃልስና ከረሳስንዎ ፉሕ ከብልዎ እላቦ። … more