እቶም ትማሊ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ሓደጋ ኣጋጢሙዎም ረዲኤት ዝሓተቱ 90 ኤርትራውያን ከምዝደሓኑ ተፈሊጡ።

እቶም ትማሊ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ሓደጋ ኣጋጢሙዎም ረዲኤት ከምዝሓተቱ ብመንገዲ ኣሰና ዝሓበርናኩም 90 ኤርትራውያን ናይ ህይወት ኣድሕን ጻውዒቶም ኣንታዊ ምላሽ ድሕሪ ምርካቡ፡ እቲ ንምርድኦም ብሓለዋ ባሕሪ ዝተኻየደ ስርሒት ሎሚ 8 መስከረም ድሕሪ ቐትሪ ተዛዚሙ፡ ከምዝደሓኑ ካብ ዓዲ ጥልያን ዝረኸብናዮ ኣፈናዊ ኣፍሊጡ። … more

ማእከላይ ባሕሪ ክሰግሩ ካብ ዝፈተኑ 80 ኤርትራውያን እቶም 75 ‘ሞይቶም’ ዝብል ከቢድ ስግኣት የንጸላሉ። 5 ካብኣቶም ግን ከምዝደሓኑ ተረጋጊጹ።

ዝተፈላለያ ኣህጉራዊ ማዕከናት ዜና እንተላይ ቢቢሲን ድምጺ ኣመሪካን ከምዝተቐሳኦ፡ ማእከላይ ባሕሪ ክሰግሩ ካብ ዝፈተኑ 80 ኤርትራውያን እቶም 75 ‘ሞይቶም’ ዝብል ከቢድ ስግኣት ከንጸላሉ ኸሎ፡ ሓደ ህጻንን ሓንቲ ሰበይትን ዝርከቦም 5 ካብኣቶም ግን ድሒኖም ኣብ ደቡባዊ ጥልያን ኣብ ትሕቲ ሕክምናዊ ክንክን ይርከቡ ኣለዉ። … more

እቶም ብዲክታተርያዊ ስርዓታቶም ዝልለዩ መንግስታት ህግደፍን ሊብያን፡ ብዛዕባ ‘ዲሞክራሲ’ ኣህጉራዊ ዋዕላ ንምክያድ ውጥን ክምዘሎዎም ገሊጾም።

‘ፕረዚደንት’ ኢሳይያስ ብ19 መጋቢት ምስ ልኡኽ መንግስቲ ሊብያ ኣብ ኣስመራ ኣብ ዝገበሩዎ ርክብ፡ ህግደፍን ሰውራ ሊብያን ‘ዲሞክራሲ ኣብ ኣፍሪቃ’ ዝቴማኡ ኣህጉራዊ ዋዕላ ኣብ ኣስመራ ከካይዱ ብዛዕባ ኣዋዲዶሞ ዘለዉ ውጥን ከምዝተዘራረቡ መርበብ ሓበሬታ ናይቲ ስርዓት ገሊጻ። … more