ኣብ ኤርትራ ወፍሪ ኮንትሮባንዳ ዝዓበየ ምንጪ እቶት ኮይኑ፡ ህዝብን ሰራዊትን ከኣ ማዕረ ማዕረ ይወናጨፉሉ ኣለዉ።
Reply
ውልቀ መላኺ ኩሉ ናይ ውልቀ ሰባት ሕጋዊ ንግዲ ፍቓድ ስለዝኸልከለን፡ እቲ ሕጋዊ ፍቓድ ዘለዎ እውን እንተኾነ፡ ስማዊ ድኣ እምበር ብግቡእ ስለዘይሰርሕን ናይ መንግስቲ ማሕለኻታት ስለዝበዝሖን፡ 90 ሚእታዊት ንኤርትራ ዝኣቱ እቕሑትን፡ እቲ ዝርካቡ ካብ ኤርትራ ዝወጽእ ሰደድን ኮንትሮባንዳ ኮይኑ ከምዘሎ እቶም ምንጭትት የርድኡ።