ወሓጥዮ ኣንተበልኩዋስ ትጎስሞ!…ሕጂኸ እንታይ ክውስኩ ደልዮም እዮም?

ሰዓብቲ ህግደፍ፡ መሊሶም ንናይ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ኮንግረስ ብኢንተርነት ወይ ኢሜል ገይሮም ጥርዓን ንምልኣኽ  ካብ ተቕማጦ ዲሲ ፌርማታት ኣብ ምእካብ ሸበድበድ ይብሉ ኣለዉ። ሕጂኸ እንታይ ክውስኹ ደልዮም ኢዮም? ወሓጥዮ ኣንተበልኩዋስ ትጎስሞ። ዘይስብሎም ደኣ ኮይኑ እምበር መንግስቲ ኣመሪካ ነቲ ዝገበርዎ ሰልፊ ኣቓልቦ ከምዘይ ሃቦ ብወግዒ ገሊጹሎም እዩ። … more

ኣባላት ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ሽወደን ግብሪ ዘኽፍሉ እንተሃልዮም ዲፕሎማስያዊ መዝነቶም ክቕንጠጡ እዮም ይብል ሓደ ሽወደናዊ ኣባል ፓርላማ።

ፍረደሪክ ማልም ዝተባህለ ኣባል ባይቶ ሽወደን፡ "እቶም ንዲፕሎማስያዊ ስራሕ ፍቓድ ዝተዋህቦም ኣባላት ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ሽወደን ንዝቕመጡ ኤርትራዊ መበቆል ዘለዎም ሽወደናውያን ግብሪ የኽፍሉ እንተሃልዮም፡ ዲፕሎማስያዊ መዝነቶም ክቕንጠጡ እዮም። ኣብ ሽወደን፡ ግብሪ ናይ ምእካብ ስራሕ ናይ ሃገረ-ሽወደን ዕማም ጥራይ እዩ" ክብል ከምዘጠንቀቐ፡ Stockholm News ዝተባህለ መርበብ ኢንተርነት ኣፍሊጡ። … more