መራሒ ስርዓት ህግደፍ፡ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ኣብ ኤርትራ ንዝመደበሮም ተቓወምቲ ውድባት ኢትዮጵያ ዘዕግብ ውጽኢት ከምዘየምጽኡ ኣብ ወግዓዊ ኣኼባ ከምዝገለጸሎም ምንጭታት ሓቢሮም።

መራሒ ስርዓት ህግደፍ፡ ኢሳያስ ኣፈወርቂ፡ ብስርዓቱ ንዝምልመሉን ዝንቀሳቀሱን  ኣብ ኤርትራ፡ ከባቢ ጎልጅ  ዝመደበሮም ልዕሊ ትሽዓተ ተቓወምቲ ውድባት ኢትዮጵያ፡ ኣንጻር መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ዘካይዱዎ ዘለዉ ፖለቲካውን ወተሃደራውን ምንቅስቓስ ዘዕግብ ውጽኢት ከምዘየምጽኡ ኣብ ዚ ቐረባ እዋናት ኣብ ዘካየደሎም ወግዓዊ ኣኼባ ከምዝገለጸ ምንጭታት ሓቢሮም። … more