ኣብ ዶብ ግብጽን እስራኤል ዘይሕጋውያን ኣሰጋገርቲ ብዘውረዱሎም ስቓይ 3 ኤርትራውያን መንእሰያት ከምዝሞቱ መሰኻኽርር ካብቲ ቦታ ሓቢሮም።

ብመሰረት’ቲ ሓበሬታ፡ ገለ ተሓባበርቲ ኤርትራውያን ዝርከቡዎም ዘይሕጋውያን መሰጋገርቲ ራሻይዳ፡ ብውሑድ ገንዘብ ናብ እስራኤል ከነስግረኩም ኢሎም ብምትላል ካብ ሱዳን ድሕሪ ምብጋስ ኣብ ምድረበዳ ሓውሲ ደሴት ሲናይ ምስ በጽሑ ኣዝዩ ዝተዓጻጸፈ ገንዘብ ክኸፍሉ ብማረምትን ማእሰርትን ሓዊ ምንዳድን የገድዱዎም ኣለዉ። እዞም ሞቶም ዝብሃሉ ዘለዉ ሰለስተ መንእሰያት ከኣ ግዳያት ናይ ከምዚ ዝኣመሰለ ግፍዒ እዮም። … more

ህግደፍ ኣብቲ ኣብ ካብ ዓለም ዝለዓለ ሙቐት ዘለዎ ዓሰብ ትሕቲ መሬት ዝኣሰሮም ኣርባዕተ ኣመንቲ ክርስትና ተሳቕዮም ከምዝሞቱ ተፍሊጡ።

ስርዓት ህግደፍ ኣብቲ ኣብ ካብ ዓለም ዝለዓለ ሙቐት ከምዘለዎ ዝእመነሉ ወደብ ዓሰብ፡ ኣብ ትሕቲ መሬት ን ሽዱሽተ ዓመት መመላእታ ዝኣሰሮም ኣርባዕተ ኣመንቲ ክርስትና ተሳቕዮም ከምዝሞቱ CFC ዝተባህለ ንመሰል ናጽነት ሃይማኖት ዝጉስጕስ ማሕበር ንናይ ዓይኒ መሰኻኽር ጸብጻብ ብምጥቃስ ኣፍሊጡ። ካልኦት ኣርባዕተ ኣመንቲ ‘ውን ንሓያለ ኣዋርሕ ኣብ ጸላም ተኣሲሮም ድሕሪ ምጽናሕ ሃንደበት … more

ኣብ ኣስመራ ኣብ ሓደ ቤትማእሰርቲ ብዝተፈነወ ቶኽሲ 4 እሱራትን ሓደ ዋርድያን ከምዝሞቱ ምንጭታት ሓቢሮም።

ብ 10 መጋቢት ኣብ ኣስመራ ኣብ ሓደ ቤትማእሰርቲ ሓደ እሱር ካብ ዋርድያ ብረት መንዚዑ ብዝፈነዎ ኣድራጋ ቶኽሲ: ነቲ ተረኛ ዝነበረ ዋርድያ፡ ካልኦት 3 እሱራት፡ ኣብ መወዳእታ ድማ ንነብሱ፡ ብድምር 5 ትንፋስ ከምዘሕለፈ ምንጭታት ሓቢሮም። … more