ጋዜጠኛ ሬድዮ ድምጺ ሓፋሽ ኤርትራ ኢዮብ ከሰተ ዶብ ክሰግር ክብል ተታሒዙ ብመንግስቲ ኤርትራ ከምዝተኣስረ፡ ‘ሪፖርተርስ ዊዝ ኣውት ቦርደርስ’ ሓቢሩ።
Reply
ኣብ ድምጺ ሓፋሽ ኤርትራ ኣብ ኣገልግሎት ቋንቋ ኣምሓርኛ ክዓዪ ዝጸንሐ ጋዜጠኛ ኢዮብ ከሰተ ብወገን ኢትዮጵያ ዶብ ክሰግር ክብል ተታሒዙ ብመንግስቲ ኤርትራ ኣብ ቤትማእሰርቲ ማይ ሱርዋ ተኣሲሩ ከምዘሎ ብምሕባር፡ ንሃለዋቱ ብዝምልከት ከቢድ ስግኣት ከምዝስምዖ ‘ሪፖርተርስ ዊዝ ኣውት ቦርደርስ’ ሎሚ 6 ሰነ ኣብ ዘውጽኦ ጋዜጣዊ መግለጺ ኣፍሊጡ።