ደገፍቲ ስርዓት ህግደፍ ዝኾኑ ኤርትራውያን፡ ንመሰጋገሪ መንግስቲ ሶማል ዝቃወሙ ሶማላውያን፡ ከምኡ ‘ውን ኣባላት ቅንጅትን ግንባር ሓርነት ኡጋዴንን ዝርከቡዎም ሰልፈኛታት ኣብ ሰልፊ ጸረ እገዳ ባይቶ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ተሰሊፎም ውዒሎም።

ደገፍቲ ስርዓት ህግደፍ ዝኾኑ ኤርትራውያን፡ ንመሰጋገሪ መንግስቲ ሶማል ዝቃወሙ ሶማላውያን፡ ከምኡ ‘ውን ኣባላት ቅንጅትን ግንባር ሓርነት ኡጋዴንን ዝርከቡዎም ሰልፈኛታት ነቲ ባይቶ ጸጥታ ኣብ ልዕሊ ስርዓት ህግደፍ ዝበየኖ እገዳ ብምቅዋም ብ22 ለካቲት ኣብ ጀኔቫ ስዊዘርላንድ ተሰሊፎም ውዒሎም። … more

ባይቶ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ጽኑዕ እገዳ በይኑ።

ባይቶ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ሎሚ 23 ታሕሳስ ኣብ ዘካየዶ ዋዕላ፡ ነቶም ንግዝያዊ መንግስቲ ሶማል ንምውዳቕ ዝንቀሳቐሱ ፡ ብሃገራት ምዕራብ “ጥሩፍ እስላማዊ ስነሓሳብ ኣለዎ” ተባሂሉ ዝእመነሉ ኣሸባብ ዝርከቦም ዕጡቓት ሶማላውያን ተቓውምቲ ጉጅለታት ‘ተዕጥቕን ትድግፍን ኣላ’ ብዝብል ክሲ፡ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ፡ ናይ ኣጽዋር መሸጣ፡ እገዳ መገሻ ላዕለዎት መራሕቲ ስርዓት ህግደፍን ሰራዊትን፡ … more

ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ምስ ጉዳይ ሶማልያ ብዝተኣሳሰረ ምኽንያት፡ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ እገዳ ንምውሳን ንድፊ ኣዳልዩ ከምዘሎ ተገሊጹ።

ባይቶ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ኤርትራ ንጥሩፋት እስላማውያን ተቓወምቲ ሶማል እትህቦ ደገፍ ብምቕጻላ፡ ኣብ ልዕሊ መንግስትን ሰራዊትን ኤርትራ ናይ ኣጽዋር መሸጣን መገሻን  እገዳ፡  ከምኡ ‘ውን ምድስካል ንብረትን ጸጋታትን ዘጠቓለለ ንድፊ – እገዳ ኣርቂቑ ንውሳኔ ኣዋዲዱዎ ከምዘሎ ኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ ኣፍሊጡ። … more

ባይቶ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ልዕሊ የማነ ገብርኣብ (ማንኪ) ከምኡ ‘ውን ጠዓመ ጎይቶኦም (መቐለ) ናይ መገሻ እገዳ ክገብር ወሲኑ ከምዘሎ ምንጭታት ሓቢሮም።

ባይቶ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ልዕሊ ሓላፊ ፖለቲካዊ ጉዳያት ህግደፍን ኣብዚ ቐረባ እዋን ኣካያዲ ሚንስትሪ ዜና ኮይኑ ተመዚዙ ዘሎን የማነ ገብርኣብ (ማንኪ) ከምኡ ‘ውን ኣብ ልዕሊ ‘ቲ ዕሉል ሃሱስ ህግደፍ ኮይኑ ዘይሕጋዊ ስግረዶባዊ ስርሒታት ኣብ ምክያድ ብምንጥጣፉ ዝፍለጥ ብሪጋደር ጀነራል ጠዓመ ጎይትኦም (መቐለ)  ኣህጉራዊ ናይ መገሻ እገዳ ክገብር ከምዝወሰነ … more

መራሕቲ ኣፍሪቃ ባይቶ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ልዕሊ ኤርትራ እገዳ ከጽንዕ ጸዊዖም።

ኣብ ሊብያ ተጋቢኦም ዝቐነዩ መራሕቲ ኣፍሪቃ፡ ኤርትራ ነቶም ንግዝያዊ መግስቲ ሶማል ንምዕላው ጽዑቕ ወተሃደራዊ መጥቃዕትታት ኣብ ምክያድ ዝርከቡ ምስ ኣልቓዒዳ ርክብ ኣለዎም ተባሂሉ ዝእመነሎም እስላማውያን ምንቅስቓሳት ትተሓባበር ከምዘላ ብምኽሳስ፡ ባይቶ ጸጥታ ውድብ ህቡራት ሃገራት ኣብ ልዕሊኣ እገዳ ክገብር ከምዝጸውዑ ሱዳን ትሪቡን ዝተባህለ መርበብ ሓበሬታ ኣፍሊጡ። … more

ሓብታ ንእስርቲ ኣስቴር ዮውሃንስ፡ ንግዳያት ኤርትራ ወኪላ ኣብ ቤት ጽሕፈት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዝካየድ ዘተ ክትሳተፍ እያ።

ሓብታ ንእስርቲ ኣስቴር ዮውሃንስ (ብዓልቲ ቤቱ ንእሱር ጴጥሮስ ሰለሙን)፡ ወ/ት ሰናይት የውሃንስ ነቶም ኣብ ትሕቲ ኣሰቃቒ ኣብያተ ማእሰርቲ ህግደፍ ዝሳቐዩ ዘለዉ ኤርትራውያን ግዳያት ወኪላ፡ ኣብ ክንዳኦም ድምጺ ንምስማዕ ብልኡኽ ኣመሪካ ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ተወዲቡ ኣብቲ ኣብ ኒውዮርክ ዝርከብ ቀንዲ ቤትጽሕፈት ኣብ ዝካየድ መኣዲ ዘተ ክትሳተፍ ምዃና ካብ መርበብ ሓበሬታ … more

መንግስቲ ኤርትራ ንእገዳ ኣጽዋር ውድብ ሕቡራት ሃገራት ብምጥሓስ ንተቓወምቲ ሶማል ኣጽዋር ምቕባል ከምዝቐጸለ ባይቶ ጸጥታ የቃልዕ።

መንግስቲ ኤርትራ ንእገዳ ኣጽዋር ውድብ ሕቡራት ሃገራት ብምጥሓስ  ንተቓወምቲ መሰጋገሪ መንግስቲ ሶማል ኣጽዋር ምቕባል ከምዝቐጸለ  ብባይቶ ጸጥታ ነቲ እገዳ ክከታተል ዝተመዘዘ ጉጅለ ኣብ ዘቕረቦ ጸብጻብ ኣፍሊጡ። … more

ኤርትራ ነቲ ‘ማይ እንተዘይተረኺቡ ሕጽረት መግቢ ከየጋጥም ዘስግእ ‘ዩ’ ዝብል ስክፍታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ነጺጋቶ።

ኤርትራ ነቲ “ ኣብ’ ክራማት እኹል ማይ እንተዘይዘኒቡ ሕጽረት መግቢ ከጋጥም ይኽእል ‘ዩ” ዝብል ስክፍታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ “ ደጊም ንኤርትራ ረዲኤት መግቢ ካብ ካልኦት ሃገራት ኣየድልያን ‘ዩ” ብምባል ከምዝነጸገቶ AFP ካብ ኣስመራ ሓቢሩ። … more

ዋና ጸሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ንኤርትራዊ ተኣምራት ሳሙኤል ከም ምኽትል ፍሉይ ልኡኹ ኣብ ኔፓል ሸይሙዎ።

ዋና ጸሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ባን-ኪ ሙን (Ban Ki-moon ) ንኤርትራዊ ተኣምራት ሳሙኤል ከም ምኽትል ፍሉይ ልኡኹ ኣብ ኔፓል ( Deputy Special Representative for Nepal)  ከምኡ ‘ውን ምኽትል ሓላፊ ተልእኾ ውድብ ሕብራት ኣብ ኔፓል (Deputy Head of the United Nations Mission in Nepal )  ከምዝመዘዞ ሎሚ 20 ሰነ ካብ ቀንዲ … more