ወራዙት ከም ዓይበት ይቕደዳ ማእምን ከኣ ጥራጥ ተራእዩዋ!

ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ ስእላዊ መግለጺ ናይ 20 ዓመት ናይ ስራሕ ንጥፈታት ሃገረ ኤርትራ እንዳመላኽዕ ኣእዛን ዝቐድድን ንኣእምሮ ዘናውጽን መናፍሕ ክወቕዕ ወርሑ ኣሕሊፍ ኣሎ። ብሲምፖዚየም ጉዕዞ 20 ዓመት ናጽነት እንዳተባህለ  ተራእዩን ተሰሚዑን ዘይፈልጥ ጉራ ክነዝሕ ንዕዘብ ኣለና። ዋላ ንቐልዓለም እኳ ይኹን እዚ ተጋጊና፣ ካብዚ ተማሂርና ትብል ቅንጣብ ቃል ኣይሞሎቆትን። ከመይ ዝበሉ ብጹኣን … more

ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ብምኽንያት ሓደ ዓመት ምጽንባራዊ ሓድነቱን ሓድሽ ዓመትን ዝኽሪ ኣኽቢሩ

ትማሊ ዓርቢ 31/12/2010 ዓ.ም. ኤርትራውያን ተቐማጦ ኣዲስ ኣበባ (ኢትዮጽያ) ዝተሳተፍዎ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ብምኽንያት ሓድሽ ዓመትን ዝኽሪ ሓደ ዓመት ምጽንባራዊ ሓድነቱ ብኽብ ዝበለ ድምቀት ኣኽቢሩ ዊዒሉ፡ … more

ፈንጠዝያ ዋዜማ ሓድሽ ዓመት

አይተ ኩሉ ባዕሉ አብ ድሮ ሓዲሽ ዓመት ሕጻውንቲ ቖሉዑ አኪቡ አብ መድረኽ ድሕሪ  ምድያብ ህብቡነቱ ከረጋግጽ ፈቲኑ;፡ መችም ዓቢዱ ጨርቁ ካብ ዝድርቢ ነዊሕ እዋን እንዲዩ ኮይኑ ዓገብ ክብሎ ሰብ አይተጸበኹን። … more

መበል 19 ዓመት በዓል ናጽነት ኤርትራ – ነዘርላንድ

ብምኽንያት መበል 19 ዓመት በዓል ናጽነት ኤርትራ ንምኽባር  ቀዳም ዕለት 12-06-2010 ሐቢርና ንክነምሲ ብኽብሪ ንዕድመኩም/ክን።ንታሪኻውነትን ክብርን መዓልቲ ናጽንት ሃገርና ዘንጸባርቑ ናይ ስነ-ጽሑፍ መደባት ሃገራውን ባህላውን ሙዚቃ ከምኡውን ባህላዊ መግቢ አዳሊና ከምዘለና ንሕብር። … more

ዲስኩር ፕኢኣ ብምኽንያት መበል 19 ዓመት መዓልቲ ናጽነት ቅመራ፣ ሓሶት ምስዝደጋገም ሓቂ ይኸውን!

ፕረዚደንት ኢሳያስ (ፒኢኣ) ካብ ሜዳ ኣትሒዙ ሓሶት ብምድግጋምን ምድንጋርን  ጥራይ ከይኣክል ብሓሶት ሓደ ምስ ሓደ እንዳናቖተ ስልጣኑ ከምዘጣጠሐ፣ በቲ መንካዕ’ባ የሚን’ባ እንዳተባህሉ ዝጠፍኡ ዝነበሩ ውፉያት ተጋደልቲ ከነረጋግጽ ንኽእል። እንተኾነ መብዛሕተኦም ተጋደልትና ኣይስተውዓልዎን። … more

መበል 19 ዓመት በዓል ነጻነት አብ ስቱትጋርት ብጽቡቕ ከቢሩ

ብተቓወምቲ ውድባትን ሲቪክ ማሕበራትን አብ ስቱትጋርትን ከባቢኡን ዝተዳለወ መበል 19 ዓመት በዓል ነጻነት ብዕለት 22 ግነቦት 2010 ብተቀማጦ ስቱትጋርትን ከባቢኡን ከምኡውን ካብ ከተማ ፍራንክፎርት፤ ኑርነበርግን ኡሉምን ዝመጽኡ አጋይሽ  ብሓባር ዝተኻፈልዎ ብድምቀት ብዒሉ ውዒሉ፡፡ … more

መግለጺ ብምኽንያት መበል 19 ዓመት ነጻነት ኤርትራ

ሎሚ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ውሽጥን ወጻኢ ሃገርን ኮይኑ ሃገራዊ ነጻነቱ ዘረጋገጸሉ መበል 19 ዓመት ክዝክር ከሎ፡ እቲ ናይ ብዙሓት ዜጋታት ህይወት ዝተኸፍሎ ቃልሲ መደምደምታ ምርካቡ ብሓጐስ ምብዓል ጥራይ ዘይኮነ፡ ብኣንጻሩ ድሕሪ ምእዋጅ ሃገራዊ ነጻነት ኤርትራ ብሰንኪ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ህግደፍ ህዝቢ ኤርትራ ሕግን ፍትሕን ስኢኑ፡ … more

መበል 19 ዓመት መዓልቲ ነጻነትና ገጽ ንገጽ ፓልፓታዊ ኢሳያስ ኣፈወርቂ

ብቀዳምነት ኣሕዋት ኤርትራውያን! ብምኽንያት መበል 19 ዓመት መዓልቲ ነጻነት ኤርትራ ነቶም መስዋእቲ ዝኸፈሉ ስድራ፣ ተጋዲሎም ዝተጋደሉ ብህይወቶም ዘሎው ዝሰንከሉን ዘይሰንከሉን ጀጋኑ ሞጎስ ይኹንኩም እብል። ብምቕጻል ነቲ ተቓሊሱ ዝተቓለሰ ኣጋር ሰራዊቱ ዝኾነ ህዝቢ ኤርትራ እንቛዕ ኣብጽሓካ ክብል እፈቱ። … more

ቅድሚ 19 ዓመት ዝተነስነሰ ስየን ኣውሊዕን ጸምልዩ።

እወ ህዝቢ ኤርትራ ድሕሪ ብዙሕ  መሪር ተጋድሎን መስዋእትን፡ ነቶም በብታራ ንዝጎበጥዎ ባዕዳውያን ገዛእቲ ሓይልታት ስዒሩ ብ 24 ግንቦት 1991  ጠቕላላ መሬት ኤርትራ ነጻ ሃገር ኣብ ዘረጋገጸሉ ሰዓት, ሓዲሽ ንፋስ ነጻነት እናስተማቐረ ብዕልልታ ፡ ጥሉልን ቀጠልያን ቆጽሊ ስየ፡ ኣውሊዕን ክሊዓውን ፡  እናንበልበለን እናነስነሰን ሆ እናበለ ተቐቢልዋ። … more

ሓድሽ ዓመት ምስ ሓድሽ ዓወት – መልእኽቲ ኣሰና:

ክቡር ህዝቢ ኤርትራ፡  ደቅኻ ህይወቶም ከይበቐቑ ስሌኻ ስለዝሓለፉ፡ ልብኻ ኣይተጠራጠረን። ሳላ ደቕኻ ንዝተረፉ ወፋሮ ኸኣ ‘ኩሎም ሓደ’ ኢልካ ኣማኒ ልብኻ መኒንካሎም። ተገሪህካ ‘ምበር ኣይተጋገኻን። ፍንጫሕ ሞት፡ መብጽዓ በጅኡ ሓይልዩ ህይወት ክዘርእ ‘ምበር ህይወት ክምሑ ዘይምጽባይካ ሓጥያት ኣይኮነን። እቲ ሓጥእ ሲ እቲ ገርሂ ልብኻ መታቲሩ ዝበልዐ፡ ኣብ ዝሓለፈ ልዕሊ 12 ዓመታት … more

ርሑስ ሓድሽ ዓመት ንኹሉኹም ኤርትራውያን

ንኹሉኹም ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ኮነ ኣብ ስደት ዘለኹም ወይ ‘ውን ንኽትስደዱ ኣብ ባሕርታት ሜዲተራንያን፡ ኣብ ኣጻምእ በረኻታት ሰሃራን ሲናይን፡ ኣብ ጫካታት ደቡብ ኣፍሪቃን ደቡብ ኣሜሪካን ጉዕዞኹም ትቕጽሉ ዘለኹም ወይውን ኣብ እስርቤትን ጸልማትን ህግደፍ ተዳጉንኩም ፍትሒ ንኽትረኽቡ ሃንቀው ትብሉ ዘለኩም ኩቡራት ደቂዛ ብኹቡር ዋጋ ዝመጸት ሃገር ንሕና ኣባላት ኤርትራውያን መንእሰያት ንለውጢ … more

ሑሉፍ ጥልመት ምስ ንዕቀት: ብ ዋጋ ስውኣት ብዋጋ ስንኩላት: ብዋጋ 30 ዓመት ሃላኽ ጻዕሪ ሓፋሽ

ዎ ኩብርህዝቢ ኤርትራ ብሉጻት ደቅካን የሕዋትካን ኣቦታትካን ኣዴታትካን ንራህዋ ፍትሕን  ሰላምን ንሓርነትን ናጽነትን ዝኸፈልናዮ ኩቡር መስዋእትን ስንክልናን ሃልኽ ጻዕርን ንኸተዘንትወሉ ንሰማዒኡ ዘደንጹ ጅግንነት ህዝብና፤ሎሚ በዞም ህዝብና ዘይ መረጾም መሪቁ ቆጽሊ ኣውዲቁ ዘይ ባረከሎም ባዕሎም ብምልኪ ኣብ ስልታን ጥልመት ተወጢሖም ንብሕታዊ ተአቅሞም ክብሉ ንሃገርን ህዝብን ኣብ ሕሰመ መከራ ዘሳጥሑ ጃንዳ ህግደፍ … more