18 መስከረም፡ ንጹሃት ግዳያት ዝዝከሩላ ገበነኛታት ዝፍረዱላ ዕለት

ሎሚ 18 መስከረም 2010 እዩ። እቶም ኤርትራ ካብ ምልካዊ ስርዓት ድሒና፡ መዳርግቲ መብጽዓ ስዉኣትና ንኽትከውን ፡ ቅዋማዊ ስርዓት፡ ፍትሒ፡ ግዝኣተ-ሕግን ሰብኣዊ መሰላትን ክነግስ ዲሞክራስያዊ ለውጢ ዝጠለቡ ሓርበኛታት ኤርትራውያንን፡ ኣፍ ዝኾኑዎም መንእሰያት ጋዜጠኛታትን፡ ኣብ ምስጢራዊ ቤትማእሰርቲ ህግደፍ ተሓይሮም ሃለዋቶም ካብ ዝጠፍእ ትሽዓተ ዓመቶም ኮይኑ ሎ። … more

ኣብ ሕብራት መንግስታት ኣመሪካ ሎተሪ ኣዕሩኽ ኣሰና እትወድቀሉ ዕለት ተናዊሑ

ዝኸበርኩም ተከታተልቲ ድምጺ ኣሰና፣ ንሕና ኣዓሩኽ ኣሰና፣ ኣብ ሕብራት መንግስታት ኣሜሪካ ንቅመጥ፣ እታ ተስፋ ህዝቢ ኮይና ዘላ፣ ድምጽኹም ድምጺ ኣሰና፣ ዘጋጥማ ዘሎ ፋይናንሳዊ ጸገም ንኽፍታሕ፣ ተበግሶ ወሲድና፣ ዝተፋላለየ መደባት ሰሪዕና፣ ጻዕርታት ካብ ንጅምር ነዊሕ ኮይኑ ኣሎ። … more

እታ ዕለት ! – ብሰሎሞን ኣበራ

ቀንዲ ዕማም ጋዜጠኛ፡ ሓቀኛ ሓበሬታ ንህዝቢ ምቕራብ ከምምዃኑ መጠን፡ ዝተሓብአ ንምውጻእ ብዙሕ ክጽዕትን መጽናዕታዊ ስራሕ ክዓምምን ሞያዊ ሓላፍነቱ ኢዩ። ብኣካል ዘጓነፎ’ሞ ከኣ ብኣውርኡ። ክንዲ ዝኾነ፡ ታሪኽ ኢዩ’ሞ “ኣብ’ታ ዕለት’’ ዘጓነፈኒ ከዘንቱ። … more

ታሪኽ ፍጻመ ‘ታ ዕለት!!!

ንሓደ ዓመት ዝኸውን ድሕሪ ካብ መንግስታዊ ስራሕ ጠጠው ምባለይ፡ ብእኩብ ዝተራኸብናሉ ዕለት ልክዕ ንምዃን፡ ኣብ መዛዘሚ ዓመተ 1995 ኢዩ ነይሩ። ኣብ'ቲ እዋን፡ ድምጻዊ ኢንጅነር ኣስጎዶም ወልደሚካኤል ሓንቲ ናይ'ቲ ግዜ ህብብቲ ዝኾነት ደርፊ ንመሸጣ ቀሪቡሉ ዝነበረ እዋን ብምንባሩ፡ እታ፦ "ሃንደበት ኮይኑ መገሻኺ" ዝተሰምየት ካሴት፡ ኣብ ዕዳጋ ምውራዳ ዝሕብር ንግዳዊ ምልክታ ዝዝርጋሓሉ … more

ግፍዒ ኣማተረ መራር ዕለት ህዝቢ ዘይፈለጣ! – መስጣ ኣማተረ ዶ በልካና ባውዛ!

ምጽዋዕ ብዙሕ መከራታት ኢያ ርእያ። እዚ ኣብ ነባሮ ኣማተረ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብቶም ውሱናት ህዝቢ ዝወረደ ግፍዒውን ሓደ ካብኡ እንተ ተባህለ ዝተጋነነ ኣይኮነን። እዚ ከኣ ከም ቀጻልነት ምስቲ ኣብ ውሽጢ ባጽዕ ገማግም ባሕሪ ዝነበሩ ገዛውቲ ካብ እንዳ ደናዳይ ነበር ጀሚርካ ክሳብ ርእሲ ምድሪ ዝተደምሰሰ ዝተታሓሓዘ እዩ። … more