ደሃይ ካብ ኣስመራ

ውልቀመላኺ መራሒ ስርዓት ህግደፍ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ነቲ ኣብ ቱኒዝያን ግብጽን ዝካየድ ዘሎ ህዝባዊ ተቓውሞታት ፈጺሙ ከይቃላሕ ንሚኒስትሪ ዜና ተሪር ትእዛዝ ኣመሓላሊፉ።

ኣብ ህይስተን፡ ገበነኛታት ኣብ ሕጊ ንምቕራብ ዝካየድ ዘሎ ናይ ፖሊስ መርመራ ንኽቃለጠፍ፡ ዝጽውዕ ሰለማዊ ሰልፊ ተኻይዱ: ሓንቲ ናይ ኤርትራውያን ማሕበር ድማ ተመስሪታ

እቲ ሰለማዊ ሰልፊ፡ ሰኑይ ነሓሰ 16፡ 2010 ዓ.ም. ከባቢ ፍርቂ መዓልቲ፡ ኣብ ኣፋፌት ህንጻ ናይ ከንቲባ ኣኒስ ፓርከር፡ ዝርከብ ሲቲ ሃል ዝበሃል ቦታ እዩ ነይሩ።

“ስለ ኤርትራ” ዝካየድ ዋዕላታት ንብዙሕነት ሕብረተሰብ ኤርትራ ከንጸባርቕ ከምዝግባእ ሓደ ናይ ፖለቲካ ተዓዛቢ ኣዘኻኺሩ።

“ንዲሞክራስያዊ ለውጥን መጻእን ኤርትራ ይኹን ዝኾነ ሃገራዊ ጉዳያት ዝምልከት ዋዕላታት፡ ንኤትኒካውን ፖለቲካውን ብዙሕነት ሕብረተሰብ ኤርትራ ኣብ ግምት ዘእተወ ምስ ዝኸውን ጥራይ እዩ ውጽኢታዊ ክኸውን ዝኽእል” ክብል ሓደ ናይ ፖለቲካ ተዓዛቢ ንመርበብ ሓበሬታ ኣሰና ሓቢሩ።

ሓብታ ንእስርቲ ኣስቴር ዮውሃንስ፡ ንግዳያት ኤርትራ ወኪላ ኣብ ቤት ጽሕፈት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዝካየድ ዘተ ክትሳተፍ እያ።

ሓብታ ንእስርቲ ኣስቴር ዮውሃንስ (ብዓልቲ ቤቱ ንእሱር ጴጥሮስ ሰለሙን)፡ ወ/ት ሰናይት የውሃንስ ነቶም ኣብ ትሕቲ ኣሰቃቒ ኣብያተ ማእሰርቲ ህግደፍ ዝሳቐዩ ዘለዉ ኤርትራውያን ግዳያት ወኪላ፡ ኣብ ክንዳኦም ድምጺ ንምስማዕ ብልኡኽ ኣመሪካ ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ተወዲቡ ኣብቲ ኣብ ኒውዮርክ ዝርከብ ቀንዲ ቤትጽሕፈት ኣብ ዝካየድ መኣዲ ዘተ ክትሳተፍ ምዃና ካብ መርበብ ሓበሬታ … more