ስርዓት ህግደፍ፡ “ ካብ ኤርትራ ዝወጸ ኩሉ ኤርትራዊ ብዘይ ጸገም ናብ ኤርትራ ክኣቱን ክወጽእን ፈቒድና ኣለና” ይብል።
ብፖለቲካዊ ተነጽሎን ሕጽረት ሸርፊ ወጻእን ተጠቒዑ፡ ብህዝቢ ኤርትራ ተኻዒቡ ዘሎ ስርዓት ህግደፍ፡ “ ካብ ኤርትራ ኣብ ዝኾነ እዋን፡ ብዝኾነ መንገዲ ናብ ስደት ዝኸደ ኤርትራዊ ብሓፈሻ፡ ናብ ኤርትራ ክኣቱን ካብ ኤርትራ ክወጽእን ኣፍቂድና ኣለና” ዝብል ጎስጕስ ብኣኼባታት መልክዕ ከካይድ ጀሚሩ ከምዘሎ ምንጭታት ሓቢሮም።[adrotate group="5"]