ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮሚሽን ንደሞክራስያዊ ለውጢ ንመላእ ህዝቢ ኤርትራ ብሓፈሻ ንኣመንቲ ክርስትና ድማ ብፍላይ እንቋዕ ንበዓል መስቀል ኣብጽሓኩም ይብል

በዓል መስቀል ንህዝቢ ኤርትራ በዓል ሰላምን ፍቅርን ሕድገታትን ክኸውን ከኣ ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮሚሽን ንደሞክራስያዊ ለውጢ ይምነ። … more

ኣባላት ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ሽወደን ግብሪ ዘኽፍሉ እንተሃልዮም ዲፕሎማስያዊ መዝነቶም ክቕንጠጡ እዮም ይብል ሓደ ሽወደናዊ ኣባል ፓርላማ።

ፍረደሪክ ማልም ዝተባህለ ኣባል ባይቶ ሽወደን፡ "እቶም ንዲፕሎማስያዊ ስራሕ ፍቓድ ዝተዋህቦም ኣባላት ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ሽወደን ንዝቕመጡ ኤርትራዊ መበቆል ዘለዎም ሽወደናውያን ግብሪ የኽፍሉ እንተሃልዮም፡ ዲፕሎማስያዊ መዝነቶም ክቕንጠጡ እዮም። ኣብ ሽወደን፡ ግብሪ ናይ ምእካብ ስራሕ ናይ ሃገረ-ሽወደን ዕማም ጥራይ እዩ" ክብል ከምዘጠንቀቐ፡ Stockholm News ዝተባህለ መርበብ ኢንተርነት ኣፍሊጡ። … more

ሓላፊ ጸጥታ ኤርትራ፡ ኣብርሃ ካሳ፡ ነቶም ኣብ ወጻኢ ዝነብሩ ኤርትራውያን “ገንዘቦም አምበር ንዓኣቶም ኣይደለናን” ይብል

- ሓላፊ ጸጥታ ኤርትራ፡ ኣብርሃ ካሳ፡ ነቶም ኣብ ወጻኢ ዝነብሩ ኤርትራውያን “ገንዘቦም አምበር ንዓኣቶም ኣይደለናን” ይብል- ስዉር ኣብያተ ማእሰርቲ ህግደፍ ኣብ ማእከል መንበሪ ኣባይቲ ህዝቢ የስፋሕፍሕ … more

“መላእ ሃገረ ኤርትራ ኣብ ጎደናታት ኡዳይን ምሳይ ትጎዪ ዘላ ኮይኑ ተሰሚዑኒ”- ይብል በሃር ኤርትራዊ ኣትሌት ዘርእሰናይ ታደሰ ኣብ ዳግማይ ዓወቱ

ሓበን ሃገርን ህዝብን ኤርትራ ዝኾነ ጅግና ኣትለት ዘርእሰናይ ታደሰ ኣብ ኡዳይን (ጥልያን) ኣብ ዝተኻየደ ናይ ፍርቂ ማራቶን ቅድድም ተወዳዲሩ ወርቂ ማዳልያ ብምዕታር ናይ ዝሓለፈ ዓመት ዓወቱ ዓቂቡ። … more