ኣምባሳደር እስራኤል ኣብ ኢትዮጵያ፡ “ኤርትራ ጠንቂ ዘይምርግጋእ ቀርኒ ኣፍሪቃ ‘ያ” ኢሉ ይኸስስ።
Reply
ኣምባሳደር እስራኤል ኣብ ኢትዮጵያ፡ ኦደድ በን-ሃይም “ኤርትራ ንመስርሕ ሰላም ቀርኒ ኣፍሪቃ ከተበርዕን ትፍትን፡ ዑቕባ ግብረሽበራውያን ጉጅለታት ኮይና ‘ውን ትርከብ ‘ላ” ብምባል ከምዝኸሰሰ፡ World War 4 Report ዝተባህለ መርበብ ሓቢሩ።
ኣምባሳደር እስራኤል ኣብ ኢትዮጵያ፡ ኦደድ በን-ሃይም “ኤርትራ ንመስርሕ ሰላም ቀርኒ ኣፍሪቃ ከተበርዕን ትፍትን፡ ዑቕባ ግብረሽበራውያን ጉጅለታት ኮይና ‘ውን ትርከብ ‘ላ” ብምባል ከምዝኸሰሰ፡ World War 4 Report ዝተባህለ መርበብ ሓቢሩ።
ፕረዚደንት ናይታ ሓውሲ ነጻ ዝኾነት ዞባ ሶማልያ (ፑንትላንድ) ኣዲ ሙሳ ነቲ ኣብ’ዚ ቐረባ እዋን ኣብ ኣስመራ ዝተመስረተ ጸረ መንግስታት ሶማልን ኢትዮጵያን ዝኾነ ኪዳን፡ ኣብ ዞባዊ ምምሕዳራዊ ግዝኣቱ ወጥሪ ክፈጥር ይፍትን ከምዘሎ ምኽሳሱ፡ ሸቤሌ ሚድያ ነትዎርክ ካብ መቓድሾ ኣብ ዘመሓላለፎ ጸብጻብ ሓቢሩ።