ቅልዕቲ ደብዳቤ ናብ ድምጺ ኣመሪካ።

ሰላም ድምጺ ኣመሪካ መደብ ክፍሊ ትግርኛ፡ ንሕና ኣባላት መርበብ ሲቪካውያን ማሕበራት ኣብ ኤውሮጳ መደባትኩም መዓልታዊ ንከታተሎ ኢና። ገለ ካብቲ ጽቡቕ መደባትኩም ህዝቢ ምስ ህዝቢ ዝብል ጽቡቕ ኣተሓሳስባታት ዘለዎም ኣሕዋትን ጎረባብትን ንዝኾኑ ህዝብታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ ጽቡቕ መንፈስ ንምምጻእ እትገብርዎ መደባት   ዝነኣድን ዝምጎስን ኢዩ። … more

“ጓህሪ ሓመኹሽተ ወለደ” – ቅልዕቲ ደብዳቤ ናብ ዮፍታሄ ዲመጥሮስ

ንሕና ከም ሰብ መጠን በቲ ኣብታ ጥንታዊት እምነትና እትፍጽሞ ዘሎኻ እከይ ተግባራት ኤህህ!! ኢልና ምረገምናካ፣ኢየሱስ ግን ንዝበደሉና ክንረግም ዘይኮነ፣ንዝረግምኹም መርቑ ኢሉ ኢዩ ምሂሩና፣ካብኡ ሓሊፉ ነቶም ኣብ ግዜ ስቕለቱ ብዅናት ዝወግእዎ፣ሓሞት ዝተሓወሶ መጺጽ ነገር ዘስተይዎ፣እሾኽ ኣኽሊል ዝደፍእሉ፣ብመሳምር ምስቲ መስቀሊኡ ዓንዲ ዝሸንከርዎ ዘላገጹሉን ንሱ ዝበሎ ነገር እንተድኣ ነይሩ፣ … more

ቅልዕቲ ደብዳቤ ናብ ጉጂለ ህ.ግ.ደ.ፍ – ቦስቶን – ብኣካየዲት ቦርድ ማ.ም.ኤ ቦስቶን

ኣብዚ ዝሐለፈ ሳምንታት ዝተፈላለየ ጸለመ ኣንጻር ማሕበር ምትሕግጋዝ ኤርትራውያን (ማ.ም.ኤ) – ቦስቶን፡ ብህግደፋውያን ክጽሓፍ ቀንዩ። ምኽንያቱ ኸኣ፡ ንዝተፈላለያ ብሄራት ኢትዮጵያ ዝውክላ ማሕበራት፡ ነቲ ኣዳራሽ ማ.ም.ኤ ተኻሬን ክጥቀማሉ ስለዝተፈቕደ። … more

እዋናዊ፡ ቅሉዕ ደብዳቤ ንኣቶ ኢሳያስ አፍወርቂ

ከምቲ ትፈልጦ ባህጊ ህዝቢ ኤርትራ ከም ኩሉ ህዝቢ ዓለም ብሰላምን ራህዋን ምንባር ኢዩ። ነዚ ንምርግጋጽ ከቢድ መስዋእቲ ከፊሉ ድማ ናጽነቱ አረጋጊጹ። ብድሕሪ እዚ ድማ አብ ውሽጥን ደገን ዝነብር ህዝቢ ሃገሩ ንኽሃንጽ ካብኡ ዝድለይ ኩሉ ብምውፋይ እኳ ድኣ አብ ካልኦት ሃገራት ብዙሕ ዘይርኣይ ወፈያ ገንዘብን ጉልበቱን ከበርክት ዓለም ምስክሩ እያ። … more

ቅሉዕ ደብዳቤ ናብ ፕረዚደንት ሃገረ ኤርትራ: ካብ ሰለስተ ጉሁያት ኣቦታት።

ዓድና ኣብ ክንዲ ዓዲ ምትሑቑቛፍን ምትሕልላይን፣ ዓዲ ማእሰርትን፣ ቁጽያን ምትህልላኻትን ኮይና። ቅድሚ ሕጂ ንደገ ወጺኡ ዘይፈልጥ ናይ መራሕቲ ፍልልያት ብዕሊ ተጋሂዱ። ህዝቢ ምስ መን ከምዝኸውን ማእዝኑ ጠፊእዎ። መፍቶት ከም ሃገር ክንህሉ ዘይደልዩና ባእታት ኮይና። እቲ ሕቡኑን ሕፉሩን ኤርትራዊ ካብ መዓልቲ ናብ መዓልቲ ርእሱ ብምድናን ክመሻኸን ጀሚሩ። ዛጊት ‘ውን 7 ዓመታት … more