ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፡ ካብ ወርሒ ሓምለ ኣትሒዛ፡ ኣብ ኤርትራ ብደረጃ ኣምባሳደር ዲፕሎማስያዊ ውክልና ከምዘይብላ ምንጭታት ሓቢሮም።

ክሳብ 19 ሓምለ 2010 ኣምባሳደር ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኮይኑ ዘገልግል ዝነበረ፡ Ron McMulen ናይ ኣገልግሎቱ ግዜ ኣእኪሉ ካብ ኤርትራ ምስ ከደ፡ ዛጊት ብደረጃ ኣምባሳደር ከምዘይተተክአ ምንጭታት ንኣሰና ሓቢሮም። … more

መንግስቲ ኣመሪካ፡ ኣመሪካዊ ዜግነት ንዝነበሮም ሸሞንተ ላዕለዎት ሰበስልጣን ህግደፍ ኣመሪካዊ ዜግነቶም ከምዝሓኸኾ ዲፕሎማስያዊ ምንጭታት ሓቢሮም።

መንግስቲ ኣመሪካ፡ ቀንዲ ኣገልገልቲ ዲክታተርያዊ ስርዓት ህግደፍ ብምዃን፡ ንህዝቢ ኤርትራ ኣደዳ ስቓይን ዓመጽን ኣብ ልዕሊ ምግባር፡ ጸረ ረብሓታት ኣመሪካ ብንጥፈት ንዝስርሑ ዘለዉ ኣመሪካዊ ዜግነት ንዝነበሮም ሸሞንተ ላዕለዎት ሰበስልጣን ህግደፍ ኣመሪካዊ ዜግነቶም ከምዝሓኸኾ ናይ ቀረባ ኣፍልጦ ዘለዎም ዲፕሎማስያዊ ምንጭታት ንኣሰና ሓቢሮም።   … more

ኣባላት ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ሽወደን ግብሪ ዘኽፍሉ እንተሃልዮም ዲፕሎማስያዊ መዝነቶም ክቕንጠጡ እዮም ይብል ሓደ ሽወደናዊ ኣባል ፓርላማ።

ፍረደሪክ ማልም ዝተባህለ ኣባል ባይቶ ሽወደን፡ "እቶም ንዲፕሎማስያዊ ስራሕ ፍቓድ ዝተዋህቦም ኣባላት ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ሽወደን ንዝቕመጡ ኤርትራዊ መበቆል ዘለዎም ሽወደናውያን ግብሪ የኽፍሉ እንተሃልዮም፡ ዲፕሎማስያዊ መዝነቶም ክቕንጠጡ እዮም። ኣብ ሽወደን፡ ግብሪ ናይ ምእካብ ስራሕ ናይ ሃገረ-ሽወደን ዕማም ጥራይ እዩ" ክብል ከምዘጠንቀቐ፡ Stockholm News ዝተባህለ መርበብ ኢንተርነት ኣፍሊጡ። … more