ኣምባሳደር ሳልሕ ካብ ህዝቢ ናይሮቢ ኣዋጺኡ ብልዕሊ ፍርቂ ሚልዮን ዶላር ኣሜሪካ ኣብ ዝገዝኦ ሓዲሽ ገዛ ይኣቱ፡ ቆንስል ኣለም ካብ መንበሪኡ ይባረር

ትማሊ 6 ሕዳር ‘ደሃይ ካብ ኤርትራ’ ኣብ ትሕቲ ዝብል ኣርእስቲ ኣብ ዝተዘርግሐ ሓበሬታ፡ ኣብ ስርዓት ህግደፍ ብልሽውና ክሳብ ክንደይ ሳዕሪሩ ከምዘሎ ጠቒስናልኩም። ሎሚ ድማ ከም ኣብነት ናይዚ ሕማም’ዚ ኣብ ናይሮቢ ኬንያ ኣብ ዝርከብ ኤምባሲ ህግደፍ ዝተኸስተ ጉዳይ ነቅርበልኩም። … more

ኤርትራውያን ተቐማጦ ኖርዝ ካሮላይና ኣሰና ንምስሳን ኣስታት 2 ሽሕ ዶላር ኣወፍዮም።

ኣብ ሰሜን ኣመሪካ፡ ኣብ ኖርዝ-ካሮላይና ዝቕመጡ ግዱሳት ኤርትራውያን፡ ድምጺ ኣሰና ንምስሳን ብዝወሰዱዎ ተበግሶ ኣስታት 2 ሽሕ ዶላር ብምውጻእ፡ ኣብ ቀጻልነት ድምጺ ኣሰና ዓቢ ኣበርክቶ ገይሮም። … more

ከምዘይሕጋዊ ስደተኛ ክፍለጥ ዝጸንሐ ኤርትራዊ ዜጋ ኣስታት 170 ሽሕ ዶላር ዕጫ ሎቶሪ በጺሑዎ።

ኣብ ሽወደን ን6 ዓመት ከምዘይሕጋዊ ስደተኛ ክቕመጥ ዝጸንሐ ወዲ 28 ዓመት ተስፋልደት ዝተባህለ ኤርትራዊ መንእሰይ ኣስታት 1. 2 ሚልዮን ክሮነር ሽወደን ወይ ድማ ኣስታት 170 ሽሕ ዶላር ዕጫ ሎቶሪ በጺሑዎ፡ ነዚ ብጽቡቕ ዕድሉ ዝረኸቦ ዓወት ክቕበል ሎሚ 5 መስከረም ኣብ ቴለቪዥን ከምዝቐረበ ኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ ሓቢሩ። … more

ናይ 276 ሚልዮን ዶላር ምስግጋር ገንዘብ ኢሳይያስ ዘቃልዕ ሰነድ ኣብ ኣሰና ድሕሪ ምዝርግሑ፡ ኢንተርነት ካፈታት ኤርትራ ጽኑዕ ምቍጽጻር ይገብረለን ኣሎ

ውልቀመላኺ ኢሳይያስ፡ ካብቲ ብጥምየትን ድኽነትን ዝልሎ ዘሎ ህዝቢ ኤርትራ ሸማጢጡ ካብ ዘዋህለሎ ቢልዮናት ዶላራት፡ ብኸፊል፡ ኣብ ቻይና ካብ ዝርከብ ብስሙን ስም ወዱን ዝንቀሳቐስ ናይ ባንክ ሕሳብ፡ 276 ሚልዮን ዶላር ከምዘመሓላለፈ ዘቃልዕ ሰነድ ኣብ መርበብ ሓበሬታ ኣሰና ድሕሪ ምዝርግሑ ኣብ ምሉእ ኤርትራ ዝርከባ ኢንተርነት ካፈታት፡ በቲ መጋበርያ ውልቀመላኺ ኢሳይያስ ክኸውን ዝተመልመለ … more

ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኣብ ቻይና ካብ ዝርከብ ብስሙን ብስም ወዱን ዝንቀሳቐስ ናይ ባንክ ሕሳብ፡ 276 ሚልዮን ዶላር ከምዘመሓላለፈ ብሰነድ ተረጋጊጹ፡፡

ህዝቢ ኤርትራ ብሕሱም ጥሜትን ድኽነትን ኣብ ዝሕለበሉ ዘሎ እዋን፡ ውልቀ መላኺ ኢሳይያስ በቲ እሙን ኣገልጋሊኡ ሓጎስ ገብሪሂወት (ክሻ) ኣቢሉ፡ ካብ ንግድን እንዳስትሪን ቻይና ናብ ፉቦን ባንክ ሆንግ ኮንግ፡ 276,468,220.07 ዶላር ብምትሕልላፍ፡ መሐወሊ ናይ ባንክ 149,292.84 ዶላር ከምዝኸፈለ፡ ነቲ ናይ ምትሕልላፍ ሰነድ ምርኩስ ብምግባር ካብ ከርሲ ቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት ምንጭታትና ሓቢሮም። … more

ባጤራ ናቕፋ ኣዝዩ ብምንቍልቋል፡ ብመንጽር ሓደ ዶላር 44 ንቕፋ ይሽረፍ ከምዘሎ ተፈሊጡ።

ባጤራ ናቕፋ ብፍላይ ካብዚ ቐረባ እዋት ጀሚሩ ኣዝዩ ብምንቍልቋል፡ ኣብ ጸሊም- ዕዳጋ ብመንጽር ሓደ ዶላር 44 ናቕፋ፡ ብመንጽር ሓደ ፓውንድ ስተርሊን ከኣ 53 ናቕፋ ይሽረፍ ከምዘሎ ምንጭታት ሓቢሮም። … more

መጠን ሸርፊ ናቕፋ ብ መንጽር ዶላር ናይ 50% ዝቕባበ ኣርእዩ።

ኣብዚ ዝሓለፈ ወርሒ ጥራይ መጥን ሸርፊ ዶላር ብ መንጽር ናቕፋ ብ 50% ከም ዝወሰኸ ምንጭታት ሓቢሮም። በዚ መሰረት፡ ኣብ ጸሊም ዕዳጋ ዋጋ ሓደ ዶላር ኣሜርካ ኣብ መንጎ 19ን 21 ክገላበጥ ድሕሪ ምጽናሕ ኣብዚ ዝሓለፈ ወርሒ ናብ 28 ክብ ኢሉ ኣሎ። ዋጋ ናቕፋ ብ መንጽር ኤሮ ድማ ናብ 39 ደይቡ። … more