ብብርቱዕ ህዝባዊ ናዕቢ ዝሰምበደ ሑስኒ ሙባረክ፡ መንግስቱ ተበቲኑ ጽባሕ ሓድሽ መንግስቲ ከቕውም ምዃኑ ኣዊጁ፡ ህዝቢ ግን ጠለባቱ ንመሰረታዊ ለውጢ ይቕጽል ኣሎ።

ን30 ዓመታት ኣብ ስልጣን ዝጸንሐ ፕረዚደንት ግብጺ ሑስኒ ሙባረክ፡ በቲ ንዝሓለፉ ክልተ መዓልታት ተጓሃሂሩ ሎሚ ዓርቢ 28 ጥሪ ናብ ጥርዙ ዝበጽሐ ህዝባዊ ናዕቢ መንግስቱ ክብትን ተገዲዱ። … more

ስቕ ምባል ምቕባል፣ ትብሎ እንተሎ ግን ምባል

ኣብ መወዳእታ ናይ ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ ትሕቲ “ዕዉት ህዝባዊ ኣኼባ ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮሚሽን ኣብ ኦስሎ፡ ኖርወይ” ዝብል ኣርእስቲ፣ ኣብ ናይ ኣሰና መርበብ ሓብሬታ ተዘርጊሑ ነይሩ። ኣብቲ ዝተጠቕሰ ኣኼባ ንሕና ኣባላት ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ተሳቲፍናዮ ነርና። … more

‘ኣስመራ ናፊቕናኪ፡ ግን ክንምለሰኪ ኢና’

ኣስመራ ቅርጥውትንን ጽብቕትን ብምዃና ተፈታዊት፡ ደቃ ገያሾ ብምዃና ከኣ ተናፋቒት እያ። ዘይውዳእ መገሻ ‘ወ፡ ትማሊ ንሜዳ፡ ሎሚ ኸኣ ንስደት። ፍቕራ ግን ወትሩ ኣብ ልብና ‘ሎ። ትማሊ ከነድሕና ንሜዳ ክንወፍር ከለና ተማሊእናዮ፡ ሎሚ ኣብ ጉዕዞ ስደት ‘ውን ኣይሓደግናዮን፡ ምሳና ‘ሎ። … more

“ ናይ ሎሚ ኤርትራ! ስደት ገደል ዘይምስዳድ ግን ……….”

ዝኸበርኩም ኣንብብቲ  ኣርእስቲ ናይዛ ጽሑፍ ከም እትግንዘብዎ ካብቲ  ኤርትራዊ ንሃገሩ ምግዳልን ምቅላስን ማዕረ ክንደይ ከቢድን ጽንኩርን ምዃኑ ንምግላጽ እተጠቕመላ ኣበሃህላ እተወስደት እያ። እወ እቲ ጉዕዞ እቲ፡ቀሊል ጉዕዞ ኣይነበረን። … more

ኢሳያስ ኣብ ስልጣን ምጽናሕ’ዶ ወይስ ብዝኾነ ሓይሊ ካብ ስልጣን ምእላይ? (ክልቲኡ ኣይምረጽን ግን ክኣ ሃስያኡ ይፈላለ።)

ብጸጋይ ገብረሂወት ሎንደን። <ኣብ መንጎ ደገፍቲ ዋዕላን ጸረ ዋዕላን ሰለስተ ፈላለይቲ ስግኣታት ኣለዋ። ጸረ ዋዕላ ከም ቀንዲ ንዋዕላ ዘይ መደገፊ ምኽንያት ዘቕርብወን ክኣ እዚአን ኢየን። ሕቶ ቢሄር፣ ሕቶ ሃይማኖት፣ ምትእትታው ኢትዮጵያ፣-” ኣብ ዝብል 1ይ ክፋል ጽሑፈይ ኣመንጕየ ነይረ፣ እንሆ ሕጂ ድማ 2ይን ናይ መወዳእታን ክፋል፣ ሰናይ ንባብ፣- … more

ኢሳያስ ኣብ ስልጣን ምጽናሕ’ዶ ወይስ ብዝኾነ ሓይሊ ካብ ስልጣን ምእላይ? (ክልቲኡ ኣይምረጽን ግን ክኣ ሃስያኡ ይፈላለ።) ብጸጋይ ገብረሂወት – ሎንደን።

እዚ ሕቶ’ዚ ኣብ ብዙሓት ኣሻማዊ ኮይኑ ዘሎ ሕቶ ኢዩ። ብፍላይ ድሕሪ ዋዕላ ኣዲስ ኣበባ ክኣ ረስኒ ወሲኹ ኣብ ኩሉ ናይ ክትዕ መአንገዲ ቦታታት፣ ፓልቶክ፣ ሰሚናራት፣ ወብሳይታት እንተላይ ፈይስቡክን ትዊተርን ከይተረፈ ከካትዕ ጸኒሑ ኣሎ። … more

ማእከላይ ባሕሪ ክሰግሩ ካብ ዝፈተኑ 80 ኤርትራውያን እቶም 75 ‘ሞይቶም’ ዝብል ከቢድ ስግኣት የንጸላሉ። 5 ካብኣቶም ግን ከምዝደሓኑ ተረጋጊጹ።

ዝተፈላለያ ኣህጉራዊ ማዕከናት ዜና እንተላይ ቢቢሲን ድምጺ ኣመሪካን ከምዝተቐሳኦ፡ ማእከላይ ባሕሪ ክሰግሩ ካብ ዝፈተኑ 80 ኤርትራውያን እቶም 75 ‘ሞይቶም’ ዝብል ከቢድ ስግኣት ከንጸላሉ ኸሎ፡ ሓደ ህጻንን ሓንቲ ሰበይትን ዝርከቦም 5 ካብኣቶም ግን ድሒኖም ኣብ ደቡባዊ ጥልያን ኣብ ትሕቲ ሕክምናዊ ክንክን ይርከቡ ኣለዉ። … more

ህግደፍ ካብ ቀጽሩ ወጻኢ ጽምብል ናጽነት ከይካየድ ንዝጀመሮ ሕሉፍ ናይ ምቍጽጻር ፈተነ ይቕጽል። ካልኣይ ኣውያቱ ግን ሰማዒ ይስእን – ደሃይ ብድሆ ኣትላንታ

ውራያትን ጽምብላትን ህግደፍ፡ ንኹሉ ኤርትራዊ ዘይሓቍፍ፡ ፈላላዪ ምዃኑ ብምግንዛብ፡ ንኹሉ ኤርትራዊ ብምጥርናፍ ሃገራውነት ኤርትራውያን ንምዕዛዝ ዝዓለመ ሰፊሕ ብዓል ንዝወደቡ ተባዓት ኤርትራውያን ተቐማጦ ኣትላንታ ጆርጅያ፡ እቲ ካብ ቁጽጽሩ ወጻኢ ጽምብል ናጽነት ከይካየድ ኣብ ቀጻሊ ዘመተ ዝርከብ ስርዓት ህግደፍ ንዘቕረበሎም ካልኣይ ኣውያት ኵነኔን ትእዛዝን ነጺጎም ሃገራዊ ብዓሎም ብውዕዉዕ ሃገራዊ መንፈስ ንምጽንባል ምድላዋቶም … more

ስነስርዓት ቀብሪ ናይቶም ንፕረዚደንት ኢሳይያስ እናዓጀቡ ዝሞቱ ኣርባዕተ ‘ቦዲጋርድስ’ ፡ ትማሊ ተፈጺሙ። ህግደፍ ግን ነቲ ፍጻሜ ንምሕባእ ኣጕል ፈተነ ይቕጽል

ስነስርዓት ቀብሪ ናይቶም ንፕረዚደንት ኢሳይያስ እናዓጀቡ ኸለዉ ኣብ ጋሽ ባርካ ዝሞቱ ኣርባዕተ ሓለዋ፡ ‘ቦዲጋርድስ’ ትማሊ ቀዳም 7 መጋቢት ኣብ መቓብር ሓርበኛታት ተፈጺሙ። … more

ልቢ የዕቢና ካብ ምዝራብ ተቖጢብና ኔርና’ሞ: ምርጫኻ ካብ ኮነ ግን ሎምስ ክንዛረብ

ዝኸበርካ ሰመረ ኣነን ንስኻን ድሕሪ’ቲ ከምስጋ ጎዛዚኹም ኣጥፍኡለይ ኢልካ ነቶ ጸላእተይ ትብሎም ዘለኻ ሕጂ ናይሽዑ ግን ጎይተትካን መሻርክትኻን ሃገራዊ ድሕነት ናይ ኢትዮጵያ ኣብ ዘይፈልጦ ቤት ማሕቡስ ደርጊምካኒ ካብትኸይድ ንመጀመርታ ግዜ ብመርበብ ሓበሬታ ሎሚ ንራኸብ ኣለና:: … more

ናይ ሎሚ ኣመሪካ ናይ ትማሊ ኣመርካ እያ፡ ናይ ሎሚ ግህዶና ግን ናይ ትማሊ ሕልምና ኣይኮነን !

ኣብዚ እዋን’’ዚ መውጽኢ ኣፍ ‘መንግስቲ ኤርትራ’ “ ኣመሪካ፡ ኣመሪካ “ ኮይኑ ‘ሎ። ሎምስ እቲ መረረ ፕረዚደንት ዝጥርዙ መደረ፡ ኣብ ሃገራዊ ጽምብላት ውሒዱስ፡ ከም “ዋዕላ ዕርቂ ሶማላውያን” ዝኣመሰለ ንኣመሪካ መጻረፍን መተንፈስ ቅብጸትን ዝኸውን መድረኻት ምፍጣር ‘ውን ተጀሚሩ ኣሎ። … more

መንግስቲ ኤርትራ ካብ ዝኣሰሮም ክልተ ሰራሕተኛታት ብሪቲሽ ካውንስል ሓደ ተፈቲሑ፡ እቲ ሓደ ግን ነጻ ኣይተለቀን።

መንግስቲ ኤርትራ ካብ ዝኣሰሮም ክልተ ሰራሕተኛታት ብሪቲሽ ካውንስል ሓደ ተፈቲሑ፡ እቲ ሓደ ግን ዛጊት ነጻ ከምዘይተለቀ ሮይተርስ ንወሃቢ ቓል ብሪቲሽ ካውንስል ብምጥቃስ ሓቢሩ። … more