ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ወተሃደራዊ ሰበልጣን ኢራንን ሓደ ካብ ወተሃደራዊ ኣዛዚ ኣልቓዒዳን፡ ኣብ ኤርትራ ከምዝተራኸቡን ኣብ ግጭት የመን ኢድ ከምዘለዎምን ተሓቢሩ።

መራሒ ህግደፍ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ወተሃደራዊ ሰበስልጣን ኢራን ከምኡ ‘ውን ሓደ ካብ ቀንዲ ወተሃደራዊ ኣዘዝቲ ኣልቓዒዳ ምዃኑ ዝንገረሉ ሄመል ኽትያር ኣልዕቡድ፡ ኣብ ኣስመራን ባጽዕን ስሉስዊ ርክብ ከምዘካየዱ ምንጭታት ሓቢሮም። … more

700 ግዳያት ግጭት ኤርትራ ኢትዮጵያን ዝኾኑ : ኤትራውያን ስደተኛታት ተወለድቲ ብሄረ ኩናማ መሰል ዑቕባ ረኺቦም ናብ ኣመሪካ ክኸዱ ተብጊሶም።

ግዳያት ግጭት ኤርትራ ኢትዮጵያን (1998-2000) ዝኾኑ፡ 700 ኣብ ኢትዮጵያ ተዓቝቦም ዝጸንሑ ኤርትራውያን ስደተኛታት ተወለድቲ ብሄረ ኩናማ፡ መሰል ዑቕባ ተዋሂቡዎም  ኣብ ኣመሪካ ሓድሽ ህይወት ክጣየሱ ናብ ኣመሪካ ይኸዱ ከምዘለዉ ላዕዋይ ኮምሽነር ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣፍሊጡ። … more