ጽንዓት

ጽንዓት ይሃብኩም ጽንዓት ይሃበና ድርብ ሓዘን ኮይኑ እንደገና ናይ ሓደ ዘይኮነስ ናይ ኩልና ኣይኮነን ወላዲት እታ ጨካን ሓዚና መጀመርያ ኣይኮነን ሃሊቁ ህዝብና ዘየደቅስ ዘሎዎ ሕልና።

ጽንዓት ንዂላቶም ወለድን ቤተሰብን ከምኡ እውን ንዂሉ ኤርትራዊ ዜጋ ፤-

አብዚ እዋነ ብርሰት ድቕናን አኃዋትናን አኃትናን ብመዘናን መግለጽን ዘይርከቦን፤ ሓዘን ተጻዒንና አብ ዘለናሉ እዋን፤ዋላዃ ዂላትና ኤርትራውያን ዜጋታት ሕዙናት እንተዄንና ብዝያዳ ግን እቶም ወለድን ቤተሰብን ብምዃኖም  ብሓበራ ነዚ ዝተሰመዓና መሪር ሓዘን ተኻፈልቲ ናይቲ ዂሉ ሓዘናትኹም  ምዃና ንገለጽ።

መልእኽቲ ጽንዓት

ጠበቓ ኣቶ ከሰተ ሃይለ ገብረስላሰ ብንዝወረዶም ጽኑዕ ሕማም ኣብ ሃገር ጀርመን ኣብ ሆስፒታል ተዓቝቦም ሕክምና ክካየደሎም ድሕሪ ምጽናሕ፡  ፍቓድ ኣምላኽ ኮይኑ ሓሙስ መዓልቲ ብዕለት 26.02.2009 ዓ.ም.ፈ ብሰላም ዓሪፎም።

መልእኽቲ ጽንዓት

ብምኽንያት ሞት ገዲም ዓቢ ሃገራዊ ተጋዳላይን መራሒን ሸኽ መሓመድ እስማዒል ዓብዱ ኤህም ጨንፈር ሰሜን ኣሜሪካ ዝተሰምዓና መሪር ሓዘን ክንገልጽ ንፈቱ። ክቡራት ስድራ ሸኽ እስማዒል ዓብዱን ብጾቱን  ጽንዓት ይሃብኩም ንብል። ኤህም ጨንፈር ሰሜን ኣሜሪካ

ጽንዓት ራሄል

እዛ  ሕያወይቲ  ራሄልሲ:  ክንደይከ  ትሓስምተስፋ’ሎ  ‘ናበልና:  ካን ጥልምእዚ ተስፉ’ኸ:  ክንደይከ ይረግምሃለው ተበልናዮ:  ካን ህልም

መልእኽቲ ጽንዓት

ወ/ሮ ራሄል ብዓልቲ ቤቱ ንተስፋልደት መሓረና ኣካያዲ መርበብ ሓበሬታ ኣስማሪኖ ዳት ኮም ብሕማም ምኽንያት ምዕራፋ ዝተሰመዓና መሪር ሓዘን እናገለጽና፡ ንተስፋልደት መሓረና፡ ደቁን ቤተሰቡን ጽንዓት ይሃብኩም ንብል።  ኣሰና.ኮም መልእኽቲ ጽንዓት ንምትሕልላፍ ኣብዚ ጠውቑ  

መልእኽቲ ጽንዓት ንመምህር/ተጋዳላይ ሃይለ መብራህቱ

ተጋዳላይ መምህር ሃይለ መብራህቱ (ወዲ መብራህቱ) ኣብ ዝሓለፈ ቕንያት ብድንገት ብሓደጋ መኪና ሃንደበት ብምዕራፉ ዝተሰምዓና መሪር ሓዘን እናገለጽና፡ ኣብ ወጻኢ ሃገራት እንርከብ ተማሃሮኡ፡ መቓልስቱን ብጾቱን፡ ንስድራቤቱ ብሓፈሻ ብፍላይ ከኣ ነቶም ገድሊ ናጽነት ኤርትራ ብምቕዳሙ ድሒሩ ስለዝወለዶም ከይዓኾኹ ብዘይ ኣቦ ዝሓደጎም ዕሸላት ደቁ ጽንዓት ይሃብኩም ንብል።

መልእኽቲ ጽንዓት ንመምህር/ተጋዳላይ ሃይለ መብራህቱ

ተጋዳላይ መምህር ሃይለ መብራህቱ (ወዲ መብራህቱ) ኣብ ዝሓለፈ ቕንያት ብድንገት ብሓደጋ መኪና ሃንደበት ብምዕራፉ ዝተሰምዓና መሪር ሓዘን እናገለጽና። ኣብ ወጻኢ ሃገራት እንርከብ ተማሃሮኡ፡ መቓልስቱን ብጾቱን፡ ንስድራቤቱ ብሓፈሻ ብፍላይ ከኣ ነቶም ገድሊ ናጽነት ኤርትራ ብምቕዳሙ ድሒሩ ስለዝወለዶም ከይዓኾኹ ዝሓደጎም ዕሸላት ደቁ ጽንዓት ይሃብኩም ንብል።