ኣብ ኣስመራ ፐራዲዞ ንዝርከብ ብ ‘ቁጠባ’ ዝፍለጥ ኣባይቲ ህግደፍ መፈላላዪ ይጥቀመሉ ኣሎ። (ደብዳበ ካብ ኣስመራ)

ብመጀመርያ ሰላምታይ ተቐበሉ። ቀጺለ ክዛረበሉ ደልየ ዘለኹ ጉዳይ፡ ነዚ ሎሚ ቕነ ኣብ ኣስመራ ፐራዲዞ ዝርከብ ብ ‘ቁጠባ’ ዝፍለጥ ናይ መንግስቲ መንበሪ ኣባይቲ ብዝምልከት ብስርዓት ህግደፍ ዝውሰድ ዘሎ ኣዝዩ ኣሻቓሊ ስጉምቲ እዩ። እዚ ገዛውቲ ብግዜ ደርግ ንህዝቢ ተባሂሉ ዝተሰርሐ ናይ ክራይ ገዛውቲ እዩ። ክልተ ዓይነት ገዛውቲ እዩ፡ እቲ ሓደ ናይ 60 … more