ስርዓት ህግደፍ፡ ፖለቲካዊ ጎስጓስ ከካይዱሉ ዝሓረዮም ደረፍቲ ብመንግስቲ እንግሊዝ መእተዊ ቪዛ ስለዝተኸልከሉ ብሓሶት ናይ ዲፕሎማት ፓስፖርት ኣውጺኡ ቪዛ ኣሳሊጡሎም ከምዘሎ ምንጭታት ሓቢሮም።

እቲ ኣብ ህዝቢ ባይታ ስኢኑ እናተነጸለ ዝኸይድ ዘሎ ስርዓት ህግደፍ፡ ኣብ ወጻኢ ንዝነበር ህዝቢ ብስምዒት ንምሓዝን መደልደሊ ዲክታተርያዊ ስርዓቱ ዝኸውን ዶላራት ንምጥርቓምን ኣበጊሱዎ ኣብ ዘሎ ፕሮፖጋንዳዊ ባህላዊ ጎስጓስ ክጥቀመሎም ዝሓረዮም ደረፍቲ ብመንግስቲ እንግሊዝ መእተዊ ቪዛ ስለዝተኸልከሉ ብሓሶት ናይ ዲፕሎማት ፓስፖርት ኣውጺኡ ብምድንጋር ቪዛ የሳልጠሎም ከምዘሎ ምንጭታት ሓቢሮም። … more

ስርዓት ህግደፍ ፓስፖርት ንምቕያር ዘውጽኦ መደብ ዘይምርድዳእ ከምዘጋጠሞ ተፈሊጡ።

ክፍሊ ኢሚግሬሽን ስርዓት ህግደፍ ኣብ ውሽጥን ወጻእን ኣብ ኣገልግሎት ዘሎ ናይ ኤርትራ ፓስፖርት ክቕየር መምርሒ ድሕሪ ምውጽኡ፡ ነቲ መስርሕ ምቕያር ብኮምፒተራዝድ ዝኾነ ኣገባብ (Digitalized process by Oracle Database) ክፍጽሙዎ ኣብ መንጎ ዝተወዓዓሉ ጀርመናውያን ክኢላታትን ስርዓት ህግደፍን ዘይምርድዳእ ከምዝተኸስተ ምንጭታት ሓቢሮም። … more