ብኣማኻሪ ፖለቲካዊ ጉዳያት ህግደፍ የማነ ገብርኣብ ኣብ ሽወደን ብዝመደበሮም ደሞክራሲያዉንን ደለይቲ ፍትሕን ርሱን ተቓዉሞ ኣጋጢምዎ፡፡

ንየማነ ገብርኣብ ክሃርምዎ ደልዮም ብምባል እዉን ናብ ኣዳራሽ ኣኼባ ምእታዉ ዝተኸልከሉ ዜጋታት ከም ዘሎዉ ተፈሊጡ።ኣብ ሽወደን ዝምደበሮም ሲቪላዊን ፖለቲካዉን ምንቅስቓሳትን ነጻ ዜጋታትን ብሓባር ኮይኖም ዝወደብዎ ሰለማዊ ሰልፊ ኣብ ኣፍደገ ናይቲ ንፕሮፖጋንዳዊ ሃልኪ ተባሂሉ ብሓላፊ ፖለቲካዊ ጉዳያት ህግደፍ የማነ ገብረኣብ ዝተኻየደ ስሚናር ስርዓት ህግደፍ ብኣዝዩ ዝተዋሃህደ ኣወዳድባ ዉዕዉዕ ናይ ተቓዉሞ ሰልፊ … more

ስርዓት ህግደፍ፡ ፖለቲካዊ ጎስጓስ ከካይዱሉ ዝሓረዮም ደረፍቲ ብመንግስቲ እንግሊዝ መእተዊ ቪዛ ስለዝተኸልከሉ ብሓሶት ናይ ዲፕሎማት ፓስፖርት ኣውጺኡ ቪዛ ኣሳሊጡሎም ከምዘሎ ምንጭታት ሓቢሮም።

እቲ ኣብ ህዝቢ ባይታ ስኢኑ እናተነጸለ ዝኸይድ ዘሎ ስርዓት ህግደፍ፡ ኣብ ወጻኢ ንዝነበር ህዝቢ ብስምዒት ንምሓዝን መደልደሊ ዲክታተርያዊ ስርዓቱ ዝኸውን ዶላራት ንምጥርቓምን ኣበጊሱዎ ኣብ ዘሎ ፕሮፖጋንዳዊ ባህላዊ ጎስጓስ ክጥቀመሎም ዝሓረዮም ደረፍቲ ብመንግስቲ እንግሊዝ መእተዊ ቪዛ ስለዝተኸልከሉ ብሓሶት ናይ ዲፕሎማት ፓስፖርት ኣውጺኡ ብምድንጋር ቪዛ የሳልጠሎም ከምዘሎ ምንጭታት ሓቢሮም።

ንፕረሲደንት ኢሳይያስ ኣሰንዩ ኣብ ዋዕላ ፍራንኮ-ኣፍሪቃ ዋዕላ ክሳተፍ ዝቐነየ ኣባል ቤትጽሕፈት ፕረሲደንት ኣቶ ስምኦን መሓሪ ፖለቲካዊ ዑቕባ ሓቲቱ።

ንፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣሰንዩ ኣብቲ ካብ 31 ግንቦት ክሳብ 1 ሰነ 2010 ኣብ ፈረንሳዊት ከተማ Nice ዝተኻየደ መበል 25 ዋዕላ ፈረንሳን-ኣፍሪቃ ዝተሳተፈ ኣባል ቤትጽሕፈት ፕረሲደንት ስምኦን መሓሪ፡ ንስርዓት ህግደፍ ራሕሪሑ ኣብ ኤውሮጳ ፖለቲካዊ ዑቕባ ከምዝሓተተ ምንጭታት ንኣሰና ሓቢሮም።

ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፡ ንሃብቲ ሓላፊ ፖለቲካዊ ጉዳያት ህግደፍ ኣቶ የማነ ገብራኣብ ከይንቀሳቀስ ከምዝኣገደቶ ድምጺ ኣመሪካ ሓቢራ።

ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ንሃብቲ ሓላፊ ፖለቲካዊ ጉዳያት ህግደፍን ኣማኻሪ ፕረዚደንት ኢሳያስን ኣቶ የማነ ገብራኣብ ከይንቀሳቀስ ከምዝኣገደቶ ድምጺ ኣመሪካ ኣብ ናይ ሎሚ 16 ሚያዝያ ዜናኣ ኣቃሊሓ።

ልኡኻት ህግደፍ ኣብ ሽወደን ኣብ ቤተክርስትያን ከካይዱዎ ዝፈተኑ ፖለቲካዊ ስብከት ብተቓውሞ ከምዝፈሸለ ተፈሊጡ።

ኤርትራውያን ኣብ ሽወደን፡ ስቶክሆልም፡  ኣብ ሓደ ቤተክርስትያን መቕደስ እናተኸታተሉ ኸለዉ፡  ናብቲ ቤተ-መቕደስ ብምእታው ንህዝቢ ፖለቲካዊ ስብከት ህግደፍ ከመሓላልፉ ዝፈተኑ ልኡኻት ህግደፍ፡ እቶም ቀሺ “ኣይትሃውኹና ግደፉና በጃኹም፡ እዚ ቤት ኣምላኽ፡ ቤት ጸሎት እዩ” ኢሎም ብምቅዋም ደው ከምዘበሉዎም ምንጭታት ካብ ስቶክሆልም ሓቢሮም።

አገዳሲ ሓቤረታ …!! ምሸት ፖለቲካዊ ዘተ ምስ ክቡር ሓው አቶ ረዘነ ሃብተ፡ አቦ ወንበር ግ.ሃ.ሓ.ኤ።

 እምባአር ከስ፡ ነቲ ልሙድ መደብና መሰረት ብምግባር፡ እነሆ ንዓርቢ ዕለት 24.10.2008 ዓ.ም.ፈ፡ አቦ ወንበር ውድብ ,,ግንባር ሃገራዊ ሓድነት ኤርትራ,“፡ ክቡር ሓው አቶ ረዘነ ሃብተ፡ ጋሻ ናይ ,,Eritrean room for strong and united opposition“ ኮይኑ ከምሲ ዓዲምናዮ አሎና። እዛ ናትና „Chat Room“ እትኽፈተሉ ግዜ፡ ብናይ ማእከላይ ምዕራብ አቖጻጽራ፡ ሳዓት 20፡00 ክኸውን … more

አገዳሲ ህዝባዊ ምልክታ/ ሓቤረታ……! ምሸት ፖለቲካዊ ዘተ ምስ አቦ ወንበር ሰ.ዴ.ኤ. ሙሴ ኤፍሪም

ቀጺለና ደጊም፡ አቶ ሙሴ ኤፍሪም፡ አቦ ወንበር ሰ.ዴ.ኤ.፡ ንቀዳም ዕለት 23.08.2008 ዓ.ም.፡ ጋሻ „Eritrean Room For Strong And United Opposition“ ኮይኑ፡ አብ መራኸቢ ብዙሓን (Paltalk) ከምሲ፡ ብወድዓዊ ኩንታት ህዝብናን ሃገርናን ምሳና ክዛተን ክላዘብን እዩ። እዛ „Room“ እዚአ እተኽፈተሉ እዋን፡ ብማእከላይ ምዓራብ አውሮፓ አቖጻጽራ፡ ሳዓት 20፡00 ክኸውን እንከሎ፡ መደረ አቶ ሙሴ … more

ብምድንጋር ዝዓኩኽ ፖለቲካዊ መኽሰብ ኣይሃበና ።

“ደምዳሚ ኣዋጅ 3ይ ጕባኤ ሰልፊ ደሞክራሲ ኤርትራ 25-26 ሓምለ 2008 ከለን – ጀርመን” ብዝብል መግለጺ ኣብ ወብሳይታት ቶጎርባ፡ መስከረም፡ ኣሰና ወጺኡ ከምዘሎ ብዙሕ ሰብ ተመልኪቱዎ። ዝበዝሕ በቶም ካብ ሰ.ደ.ኤ. ኣባልነቶም ዝተሰረዘ ግን ከኣ ስም ሰ.ደ.ኤ ሒዞም ካብ ዝወጹ ኣትሒዞም ንምድንጋር ክጥዕሞም ዝሰርሕሉ ዘለዉ ምዃኑ ይርድኦን ይፈልጦን ኢዩ። ስለምንታይ’ሲ መሪሕነት ሰልፊ … more

አገዳሲ ህዝባዊ ሓቤረታ/ምልክታ …..! ምሸት ፖለቲካዊ ዘተ ምስ Prof. Dr. ጋይም ክብራአብ

ን-ቀዳም ዕለት 17.05.2008 ዓ.ም፡ ሓው Prof. Dr. ጋይም ክብራአብ፡ መምህር አብ ክፍሊ ናይ „Sociology and Social Policy“ አብ „south Bank University. London“፡ አብ ፓለቶክ (Paltalk)፡ ጋሻ ናይ “Eritrean room for Strong and United opposition” ኮይኑ ከምሲ፡ ሒዝናልኩም ክንቀርብ ኢና።

ሓላፊ ቆንስላዊ ጉዳያት ኤርትራ ኣብ ናይጀርያ ዝነበረ ዘርአስላሰ ረድኢ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ፖለቲካዊ ዑቕባ ሓቲቱ።

ኣብ ናይጀርያ ሓላፊ ቆንስላዊ ጉዳያት ኤርትራ ኮይኑ ዝዓዪ ዝነበረ ዘርአስላሰ ረድኢ ንውልቀምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ብምቅዋም ኣብ መወዳእታ ወርሒ ጥሪ 2008 ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ፖለቲካዊ ዑቕባ ሓቲቱ።