ኣፍሪቃዊ ጀነራል ድምጺ ህዝቡ ሰሚዑ ፡ ኤርትራዊ ጀነራልዉን ዳግማይ ንኽቃለስ በቒዑ።

ብዙሓት ለባማት ንመሪርን ምቁርን መደምደምታኡ ክእምቱ እንከለዉ ንኹሉ ግዜ ኣለዎ ኢሎምዮም ዝሰግርዎ ። ብጸቢብን ገፊሕን ይኸዉንዶኾን ኢሎም ካብ ምግማትን ብሃሳሰ-ለባም ኣካይዳ ካብ ምኻድን  ድማ የድሕኖም። … more

መራኸቢ-ብዙሃን (ማስ መዲያ)፡ ዝሓለፈን ዘሎን ( ሓንቲ ዓለም) ብ ኣማኑኤል ሳህለ

ሓቂ ክብርትን ብቐሊሉ ዘይትርከብን ጥሪት ስለ ዝኾነት፡ ብቝጠባ ክንጥቀመላ ይግበኣና። ስለዚ ኣብ ሓደ ብሓሶት እተጋዕተ ምግቢ፡ ቅሩብ ጨው ሓቂ ፈይ ኣቢልካ እንተ ዘይኮይኑ፡ ንሓቂ ብኹላ ብሓደ ግዜ እንተ ደኣ ተጠቒምካላ፡ ቀልጢፋ ኢያ እትውዳእ። … more

ኣብ ዓዲ ከፈለት ዞባ ደቡብ ንኡስ ዞባ ዱባርባ፡ ናይ ኣርብዓ ሰባት ሬሳታት ብወ/ሮ ፋንታየ ፡ ብዓልቲ ቤት ነፍስሄር ደጃዝማች ተስፋይ በራኺ ብቡልዶዘር ተፋሒሩ ወጺኡ፡

ኣብ ዓዲ ከፈለት ዞባ ደቡብ ንኡስ ዞባ ዱባርባ፡ ናይ ኣርብዓ ሰባት ሬሳታት ብወ/ሮ ፋንታየ ፡ ብዓልቲ ቤት ነፍስሄር ደጃዝማች ተስፋይ በራኺ ብቡልዶዘር ተፋሒሩ ወጺኡ፡ ኣብቲ እቲ ሬሳታት ተቐቢሩሉ ዝነበረ ቦታ ድማ፡ ናይ ስድራቤተን ጋህሲ ኣስሪሔናሉ ኣለዋ። እቶም ዓዲ ድማ ነቲ ሬሳታት ኣብኡ ዝነበረ ኣብ መሸማዕ መሊኦም ፍታሕ እንተረኸቡ ኢሎም ፎቖዶ … more

ታሪኽ ኢሳያስ ዘመሳስል ታሪኽ ዝገደፈ ሰብኣይ ፡

ሓደ ሰብኣይ ኣብ ሓደ ቤት በይኑ ይነብር ነበረ።ካብ ብዙሓት ዝናብ ዝዘነበሎም መዓልታት ሓደ መዓልቲ ብርቱዕ ዝናብ ዘኒቡ እታ ዓዲ ብማይ ኣዕለቕለቐት።ንሱ ገና እንታይ ይከውን ከምዘሎን፡ክመጽእ ዝኽእል ኣፍልጦ ይኹን ግምት ኣይነበሮን። … more

ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ፡ “ቺቺሮ ብዘይ ቲፎዞ ፡ እንታይ ክገብሮ” ትብል። ( ቃል ኣሰና)

ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ፡ ንኤርትራ ብኹዑሶ ጥራይ ዘይኮነ፡ እንተላይ ብስጉምታ እያ ወኪላታ። እታ ዝሓለፈ ቀዳም፡ 13 ታሕሳስ ኣብ ናይሮቢ፡ ኬንያ፡ ተሸሪባ ዝተረፈት ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ካብቲ ኩሎም መንእሰያት ኤርትራ ብቐጻሊ ዝወስዱዎ ዘለዉ ስጉምቲ ዝተፈልየ ስጉምቲ ኣይወሰደትን። መሳቱ ኣባላት ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ፡ ወግሐ ጸብሐ፡ ድብያታት ሓለዋ ዶብ ህግደፍ ዕጅብ ከይበሎም፡ ሓለዋ ዶብ … more

ሕልመይ እንተዝኾነለይ ፡ ዳኒኤል እንተዝነብረለይ !

 እንተዝኾነለይ  !ሕልመይ  እንተዝኾነለይ፡ ዳኒኤል እንተዝነብረለይ ሕልሚ ንእስነተይ ሕልሚ መሳቶይ፡ ሕልሚ ኣቦታተይ ሕልሚ ኣዴታተይ ሕልሚ ስዉኣተይ፡ እንተዝኾነለይ ‘ወ እቲ ጥዑም ሕልሚ ‘ታይ ነይሩኒ ዘተሓማሚ፡ ቀለመይ ዘድሚ!?   ሕልመይ ኮይኑ እንተይኮኖ ንሕልመይ ናብ ደፋኒ ሕልሚ ኣይመወጣወጥኩን ኢደይ ምነኸስኩዎ፡ ምኸሰስኩ ነብሰይ፣ እቲ ሰፊሕ ሕልሚ ዝወለዶ ጸላም ብቐትሩ ‘ተጸፍየ ከይደቀሰ ኣዳም ምስ ተሳእነ ልዋም … more

ስነስርዓት ቀብሪ ናይቶም ንፕረዚደንት ኢሳይያስ እናዓጀቡ ዝሞቱ ኣርባዕተ ‘ቦዲጋርድስ’ ፡ ትማሊ ተፈጺሙ። ህግደፍ ግን ነቲ ፍጻሜ ንምሕባእ ኣጕል ፈተነ ይቕጽል

ስነስርዓት ቀብሪ ናይቶም ንፕረዚደንት ኢሳይያስ እናዓጀቡ ኸለዉ ኣብ ጋሽ ባርካ ዝሞቱ ኣርባዕተ ሓለዋ፡ ‘ቦዲጋርድስ’ ትማሊ ቀዳም 7 መጋቢት ኣብ መቓብር ሓርበኛታት ተፈጺሙ። … more

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ፡ “ 20 ሰነ ሕልናን ኣእምሮናን እንምርምረላ መዓልቲ እያ” ይብል።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ሎሚ 20 ሰነ ብምኽንያት መዓልቲ ሰማእታት ኤርትራ ኣብ ዘስምዖ ቃል፡ “ እዚ ኣጋጣሚ’ዚ ትርጉም ህላወና ብኣእሙሮና እንምርምረሉን ነቲ ንኽብሪ ሃገር ዝተኸፍለ መስዋእቲ ዝገበርናዮ ካሕሳ እንመዝነሉን ብምዃኑ ፍሉይ ትርጉም ኣለዎ…” ኢሉ። … more