ዓለም-ለካዊ ምንቅስቃስ መንቅስቃስ መንእሰያት ኤርትራ ጨንፈር በርምንግሃም ብወግዒ ቆይሙ።

ኣብ ዓባይ ቢሪጣንያ ከተማ በርሚንግሃምን ከባቢኣን ዝርከቡ ኤርትራውያን መንእሰያት፡ ሎሚስ ይኣክል ክሳብ ምኣስ ስቅታን ምምዕዳውን ካብ ዝብል ሕቡን ሃገርዊ ወኒ ዝነቀለ ጉዕዞ ንሓዲሽ ሓርነት ተበግሶ ወሲዶም ኣለው። እዚ ኣብ ብዕለት 15 ግንቦት 2011 ብውዕውዕ ሞራልን ፈናንን ተሰንዩ ዝተካየደ  ኣኬባ ልዕል 50 ዝኮነ መንእሰያት ተሳቲፎም። ኣብቲ ዝተካየደ ኣኬባ መንእሰያት ተቀምጣ በርሚንግሃም … more

ተወሳኺ ሓበሬታ ብዛዕባ ናይቶም ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ኤርትራ (ኣስመራ) ነቶም ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ዝሃለቑ ኤርትርውያን ጸሎት ፍትሓት ድሕሪ ምግባሩ ብህግደፍ ዝተኣስሩ 3 ካብ ላዕለዎት መንፈሳውያን መራሕቲ

ኣብ ናይ 27 ሚያዝያ ዜና ኣሰና ስርዓት ህግደፍ ብ21 ሚያዝያ፡ ማለት ሓሙስ ጽግቦ፡ ኩለን ኣብ ኣስመራ ዝርከባ ናይ ካቶሊክ ኣብያተ ክርስትያናት፡ ነቶም ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ብጅምላ ዝሃለቑ ኣስታት 00 ንጹሃት ኤርትራውያን ጸሎተ ፍትሓት ድሕሪ ምግባረን፡ በዚ ዘይተሓጎሰ ስርዓት ህግደፍ፡ ንሰለስተ ላዕለዎት መንፈሳውያን መራሕቲ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ከምዝኣሰሩዎም ሓቢርናኩም ኔርና። ኣስማቶም ከኣ … more

ተወሳኺ ሓበሬታ ብዛዕባ ናይቶም ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ኤርትራ (ኣስመራ) ነቶም ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ዝሃለቑ ኤርትርውያን ጸሎት ፍትሓት ድሕሪ ምግባሩ ብህግደፍ ዝተኣስሩ 3 ካብ ላዕለዎት መንፈሳውያን መራሕቲ

ኣብ ናይ 27 ሚያዝያ ዜና ኣሰና ስርዓት ህግደፍ ብ21 ሚያዝያ፡ ማለት ሓሙስ ጽግቦ፡ ኩለን ኣብ ኣስመራ ዝርከባ ናይ ካቶሊክ ኣብያተ ክርስትያናት፡ ነቶም ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ብጅምላ ዝሃለቑ ኣስታት 00 ንጹሃት ኤርትራውያን ጸሎተ ፍትሓት ድሕሪ ምግባረን፡ በዚ ዘይተሓጎሰ ስርዓት ህግደፍ፡ ንሰለስተ ላዕለዎት መንፈሳውያን መራሕቲ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ከምዝኣሰሩዎም ሓቢርናኩም ኔርና። ኣስማቶም ከኣ … more

ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ኤርትራ (ኣስመራ) ነቶም ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ዝሃለቑ ኤርትርውያን ጸሎት ፍትሓት ድሕሪ ምግባሩ 3 ካብ ላዕለዎት መንፈሳውያን መራሕቱ ብህግደፍ ከምዝተኣስሩ ተሓቢሩ።

ብ21 ሚያዝያ፡ ማለት ሓሙስ ጽግቦ፡ ኩለን ኣብ ኣስመራ ዝርከባ ናይ ካቶሊክ ኣብያተ ክርስትያናት፡ ነቶም ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ብጅምላ ዝሃለቑ ኣስታት 400 ንጹሃት ኤርትራውያን ጸሎተ ፍትሓት ድሕሪ ምግባረን፡ በዚ

ገዚፍ ቁጽሪ ዘለዎ ህዝቢ ሰገንይቲ ብጅምላ ኣብ ቤትማእሰርቲ ተዳጕኑ

ኣብ ኤርትራ ኣድማ ከይጅመር ኣብ ሻቕሎት ዝርከብ ስርዓት ህግደፍ፡ ሎሚ ንጉሆ ገዚፍ ቁጽሪ ዘለዎ ህዝቢ ሰገነይቲ ኣብ ማእሰርቲ ከምዝዳጎነ ምንጭታት ካብ ኤርትራ ሓቢሮም። ምምሕዳር ከተማ ሰገንይቲ ንቐንዲ ቀሺ ናይቲ ዓዲ ንሳዋ ኪኸይድ ናይ ሓንቲ መዓልቲ መጠንቐቕታ ድሕሪ ምሃቦም፡

ኣብ እስራኤል ዝርከቡ መንእሰያት ምስ ኣሰና ኣብ ዝገበሩዎ ሓባራዊ ዘተ፡ መዓታት መንእሰያት ኤርትራ ከብቅዕ፡ ስርዓት ህግደፍ ካብ ስልጣን ተኣልዩ ሓዱሽ ዲሞክራስያዊ ስርዓት ክትከል ከምዘዎ ገሊጾም።

ኣብ እስራኤል ዝነብሩ ተመሃሮ ዩኒቨርሲቲ፡ መማህራን፡ ተጋደልቲ ነበርን ኣባላት ሃገራዊ ኣገልግሎትን ዝርከቡዎም ኤርትራውያን መንእሰያት፡ ብቐዳም 23 ሚያዝያ ምስ ድምጺ ኣሰና ኣብ ዝገበሩዎ ሓባራዊ ዘተ፡ እቲ ኣብ ውሽጢ ሃገር ከም እሱር፡ ኣብ ስደት ከኣ ከም ጅሆ እናተታሕዘ ኣብ ታሪኽ ኤርትራ ዋላ ኣብ ግዜ መግዛእቲ ከይተረፈ ተሰሚዑ ዘይፈልጥ ስቅያትን ግፍዕን ዘሕልፍ ዘሎ … more

ኢሳያስ፡ ሄረዶስ ዕሽላት ኤርትራ – ብሚኪኤል እምባየ

ሓደ ካብቶም ድመቕ መጻኢ ብርሃን ሃገር ክኾኑ ዝተሓረዩ ፍሉይ ባህርያዊ ትዕድልቲ ዝነበሮም ብኣጻብዕ ዝቑጸሩ መንእሰያት ኢዩ። ተዋዛያይ ተጻዋታይ ዓውዓው በሃሊ ቂምታ ዘይሕዝ ነጻ ሰብ ኢዩ። ዝመስሎ ቅኑዕ ዝበሎ ካብ ምዝራብን ዝተራአዩ ይኸውንዩ ካብ ዝበሎ ምግባርን’ውን ድሕር ዝብል ሰብ ኣይነበረን።

ዕውት ሰላማዊ ሰልፊ ኣብ ኣፍደገ ኤምባሲ ኤርትራ ሎንዶን !

ብዓርቢ ዕለት 25 መጋቢት 2011 ኣብ ኣፍደገ ኤምባሲ ኤርትራ ሎንዶን ዓባይ ብሪጣንያ ካብ ኩሉ ከተማታት ዓዲ እንግሊዝ ፣ፖለቲካውያን ውድባትን ፣ ቤርጌሳውያን ማሕበራትን ፣ ምንቅስቃስ ኤርትራዊ መንእሰይ ንለውጢ ፣ ደቀንስትዮን ፣መራሕቲ ሃይማኖትን ዓበይቲ ዓድን ከምኡውን ግዱሳት ውልቀሰባትን ዝተሳተፍዎ ዕውት ሰላማዊ ሰልፊ ተኻይዱ ።

ኣብ ሚላኖ ዝቕመጡ ኤርትራውያን ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ናጽነት ጻማ ቓልሱ ከምዘይረኸበ ገሊጾም

ኣብ ግዜ ሓርነታዊ ቃልሲ ስለናጽነት ዝተወፈዩ ኣቦታትን ኣዴታትን ከምኡ ‘ውን ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ሃገራዊ ግቡኦም ዝፈጸሙ መንእሰያት ዝርከቡዎም ኣብ ሚላኖ ዝቕመጡ ኤርትራውያን ስደተኛታ፡ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ናጽነት ጻማ ቓልሱ ከምዘይረኸበ ምስ ኣሰና ኣብ ዝገበሩዎ ሓባራዊ ዘተ ገሊጾም።

ስምረት መንእሰይ ኤርትራ ንለውጢ (ስመኤለ)

“ ክንብርኵት ከይንብርኵት ቅድም ቀዳድም ኣብ ማይ ዘለዎ ንብጻሕ” ኤርትራዊ መንእሰይ ዝያዳ ኵሉ ክፋል ሕብረተሰብና ኣደራዕ ስርዓት ህ.ግ.ድ.ፍ ኣብ ነብሱ ዝጸሓየ ወለዶ ኢዩ፡፡ ስርዓት ህ.ግ.ድ.ፍ ነዚ ናጽነት ዝተረከበ ወለዶ ንምድሃኽን፡ ካቡኡ ሓሊፉ እውን “ እሺ” ኢሉ ዝንብርከኽ ሙኡዙዝ ግልያ ንምቕያር ፡ ሳዋ ዝበሃል ብቝዱስ ዕላማ ዝተለበጠ ተንኮል ኣሊሙ፡

ሞራልን ሕልናን ዘተባብዕ፣ ሽውሃት ቃልሲ ዝኸፍት፣ ተስፋ ዝህብ፣ ሰላማዊ ሰልፊ መንእሰይ ኤርትራ ኣብ ጀነቫ

ኣነ ነዛ ጽሕፍቲ እዚኣ ክጽሕፍ ዘገደደኒ ምኽንያት፡ ነቲ/ታ፡ ኣብዚ ትማሊ፡ ዕለት 25. 03. 2011 ዓ.ም.ፈ.፡ ኣብ ጀነቫ (Geneva)፡ ኣብ ቅድሚ በት ጽሕፈት ሕቡራት መንግስታት (UN) ዝተገበረ፡ ብመንእሰይ ኤርትራ ዝተዳለው፡ ሰለማዊ ሰልፊ፡ ዘይዋዓለ/ት ኤርትራዊ፡ ክቀኒእ፡ ወይ እውን፡ ኣብዚ ሰላማዊ ሰልፊ እዚ ዘይምውዓሉ፡ ከጣዕሶ፡ ኢለ ኣይኮንኩን።

ናይ ሰዓት መደብ ፈነወ ሓጺር ማዕበል ራድዮ ድምጺ ኣሰና ናብ ኤርትራ ሎሚ ሰኑይ 21 መጋቢት ፈሊሙ።

እዚ ሎሚ ጀሚሩ ዘሎ፡ ኣብ ሰሙን ሰለስተ ግዜ ማለት፡ ሰኑይ፡ ረቡዕን ዓርብን ብኣቋጻጽራ ኤርትራ ካብ ሰዓት 8፡00 ክሳብ ሰዓት 9፡00 ምሸት ዝፍኖ መደብ፡ ነታ ብፍላይ ናብ ኤርትራ ኣብ ሰሙን ክልተ ሳዕ ነናይ ፍርቂ ሰዓት መደብ ጥራይ ትፍኑ ዝነበረት ራድዮ ኣሰና፡ ካብ ጽበት ግዜ ብመጠኑ ከገላግላ እዩ።

ተበግሶ ማሕበር ደቂ- ኣንስትዮ ኤርትራ ኣብ ጀርመን

ሎሚ 8 መጋቢት ኣህጉራዊ መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ ከነኽብር ካብ ርሑቕን  ቀረባን ብፍላይ ድማ ምስተን ዝነውሐ ጉዕዞ ሰጊረን ኣብ ማእከልና ዝርከባ ዘለዋ ኣሓት ኣብዚ ኣደራሽዚ ክንራኸብ ምብቃዕና ብስም ተበግሶ ማሕበር ደቂ ኣንስትዮ ኤርትራ ኣብ ጀርመን ዝላዓለ ምስጋናን ናይ ቃልስን ጽንዓትን ሰላምታ ከቕርብ ብትሕትና እሓትት።

ለንደን ዝርከቡ ኤርትራውያን ተጣበቕቲ ሰብኣውን ዲሞክራስያውን መሰላት፡ ኣብ ፊት ኤምባሲ ኤርትራ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ኣካይዶም።

ኣብ ኤርትራ ዲሞክራስያዊ ለውጢ ንኽመጽእ ዝቃለሱ ኣብ ለንደን፡ ዓዲ እንግሊዝ ዝርከቡ ኤርትራውያን ተጣበቕቲ ሰብኣውን ዲሞክራስያውን መሰላት፡ ኣብ ለንደን ፊት ኤምባሲ ኤርትራ፡ ስርዓት ህግደፍ ካብ ስልጣን ክወርድ ዝጠልብ ሰላማዊ ሰልፊ ኣካይዶም።