Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

Hanti aelemሓደ ካብቲ ንኤርትራውያን ጸገም ኮይኑና ዘሎ ጉዳያት፡ ኣብ መንጎ ሃገርን መንግስትን ዘሎ ፍልልይ ኣነጺርካ ከተለሊ ዘይምኽኣል ኢዩ። ሃገር ከም መሬት መጠን፡ ኣምላኽ ሰማይን ምድርን ኪፈጥር ከሎ ዝፈጠሮ ቦታ ኢዩ።

ኣቦታትና፡ቁልዕነት ሓይሊ ክህልዎ ይኽእል፡ተመኩሮ ዝጎድሎ ስራሑ ብጽቡቕ ለኪዑ ስለዘየጠናቕቕ፡ቆልዓስ ይጎዩምበር ኣይቅድምን ይብሉ።

ኣብ ህግደፍ ዘለው ሰባት ቆልዑት ኣይኮነኑ፡ብብዝሒውን ውሑዳት ኣይኮኑን።ኣብ ተመኩሮውን ዘይነኣኣስ ተመኩሮ ዘማዕበሉ ምኳኖም ዘይከሓድ እንተኾነ፡መንግስታዊ ሓላፍነት ድሕሪ ምሓዞም ግን ካብ ምጉያይ፡ሓሊፎም ኣብ ዓወት ዘብጽሕዎ ዓብይ ሃገራዊ ጉዳይ የለን።

 ሎሚ ድሮ ሓዲሽ ዓመት ኢዩ፡፡ 2008 ተወዲኡ 2009 ይጅምር ኣሎ፡፡ ኣብ ከምዚ ዝበለ ኣውድኣመትን ፌስታን ኣብዛ እንነብረላ ዓለም ዝርከቡ ህዝብታት ብታሕጓስን ብፍስሃን የሕልፍዋ ፡፡ ኮሎም መራሕቲ ሃገራት እውን ንህዝቦም ናይ ሓጎስ መልእኽትን ናይ መጻኢ መደባቶም ትንቢቶምን ብመራኸቢ ብዙሓን ተጠቒሞም መልእኽቶም የመሓላልፉ፡፡

ጠለብ ዘለናዮ እዋን፡ ቃልሲ ንድሕነት ህዝብን ሃገርን እምበር፡ ውድድር ውድበይ ውድብካ፤ ሰለፈይ ሰልፍካ አይኮነን። – From members of Eritrean Room For Strong And United Opposition in Paltalk