Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

Libyaውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ሎሚ 17 መጋቢት ኣብ ኒውዮርክ ኣብ ዘጋብኦ ህጹጽ ኣኼባ ፡ ሲቪላዊ ህልቂት ደው ንምባል፡ ኣብ ሊብያ፡ ካብ በረራ ነጻ ዝኾነ ዞባ ክኽለል፡ ከምኡ ‘ውን ኩሉ ኣድላዪ ዘበለ ስጉምቲ ክውሰድ ውሳኔ ኣሕሊፉ።

Eri Vilስርዓት ኢሰያስ፡ ብተግብራቱ ንዝኾነ ኣብ ኤርትራ ዝዓንተረ ባዕዳዊ መግዛእቲ ኣብዚ ትረፍ ከምዝበሎ እቶም ምስ ጥዕናና ኣለና ንብል ንኣምነሉ ጉዳይ ይመስለኒ፡፡ ንኹሉ እከይ ተግብራት ገዛእቲ ሓይልታት በብሓደ የተግብሮ ኣሎ፡፡ እቲ ዝተረፈውን ክሳዕ ኣብ ስልጣን ዘሎ ከማልኦ እዩ፡፡ ሓደ ካብቲ ግፍዓዊ ፖሊሲታቱ ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ዝመጽእ ዘሎ ሓበሬታት፡ ዓሰርተታት ዓድታት ካብ መበቀሎላዊ  ቦትአን ብሓይሊ ከግዕዘን ይሸባሸብ ከምዘሎ ይፍለጥ፡፡