Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

lekotaኣብ’ዚ እንርከበሉ ተሃዋሲ መድረኽ፡ ህዝብና ኣብ ትሕቲ ጨካን ምልካዊ ስርዓት፡ ዓይኑ ተዓፊኑ፡ ልሳኑ ተለጕሙን ከይኣክሎ፡ ኣብ ዘይፈልጦ ተኻታታሊ ሃንደብታዊ መጻኢ መድረኻት እንዳተሰጋገረ፡ ኣብ በበይኖም እዋን ብናታቶም ዝግለጹ ኣብ ሂወቱ በዳህቲ ማሕበራዊ ፍትሒ ዘይብሉ፡ ኵናት፡ ብዶባዊ ምስምስ ሰንፈላል ዝዀነ ናብራ ሓሊፉን ይሓልፍን ኣሎ።

Lekotaኣብ’ዚ ናይ ሓሶት ለቖታ ዝብል ድርሰት ከስፍሮ ዝደለኹ መልእክቲ፡ ኣብ’ዚ ዝሓለፈ ክልተ ሰለስተ ወርሒታት ኣብ መርበብ ሓብሬታ ክጻሓፍ ዝጸንሐ፡ ጸይቕን፡ በታንን፡ ዘራጊ ሓድነት ዘይሓላፍነታዊ ዝዀነ ቢሂላት ብምጽራር ንምግላጽ እዩ።