Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

waelaእዚ ሒዝናዮ ዘለና መዋእል፡  ኤርትራ ግዳይ ናይ ዝፈሸለ መንግስቲ ኮይና ኣብ ተኣፋፍን ኣሰካፍን ኩነታት ብምህላዋ፡ ተወሃሂድና ብልዙብ ምርድዳእ ሰሚርና፡ ህዝብና ካብቲ ዘንጸላልዎ ዘሎ ሓደጋ ውድቀት ከነድሕኖ፡ ካብን ናብን ክንጓየየሉ ዝግባእና ዘበን’ዩ።

1.ትርጉም ነጻነት (Independence) ብዘይ ዝኮነ ሓርነታት(Liberty and freedom) ደቒ ሰባት ባዶሽ እዩ። እዚ ክብሃል ከሎ ግን ኤርትራ ልዑላውነታ ዘረጋገጸት ሃገር እያ። ኣብ ኤርትራ መግዛእቲ (Colony) የለን እንታይደኣ ጭው ዝብለ ምልኺ- ሕገ-ኣልቦ ዝኮነ ስርዓት ኣጋጢሙና ናይ ታሪኽ ሓደጋ ወዲቑና ኣሎ። እንተኮነ ግን በዚ ተስፋ ከይቖረጽና ከም'ቲ ብዘይተሓለለ ቓልሲ ህዝቢ ኤርትራ ነጻነት ዝተረጋገጸ ሓርነታት ደቒ ሰባት ወይ'ውን ዲሞክራሲያዊ ቕዋማዊ መንግስቲ ዝተረጋገጸላ ግዝኣተ ሕጊ ዝሰፈና፤ ኩሉ ኤርትራዊ ናተይ፤ ሃገረይ ኢሉ ዝምክሓላ ኤርትራ ትነግሰሉ ክትመጽእ ምኳና ምልክትን ተስፋን እትህበና ዕለት ምኳና እያ። ኣብ'ዚ መዓልቲ እዚ ተስፉ ዝህቡ ግጥምታት ክግጠሙ። ተስፉ ዝህቡ ደርፍታት ክሕተሙ፤ ተስፉ ዝህቡ ማሰታት ክፍነዉ እላቦ። ኣብ'ዚ መዓልቲ እዚኣ ጓይላ ጌርካ ሰልሶ ከይበልካ ገዲፍካዮ ኬድካ ድሓር ማለት ኣብ ግዜ ምልኡነት ነጻነት ክንብሎ ኢና እትብለሉ ባህሊ ክጥረ እላቦ።

ዓመተ 2008 ኣብ ምዝዛማ ኣብ ልቢ ኹልና ኤርትራውያን ዓቢ ተስፋ ዘሪኣ እያ ሓሊፋ።  ዓመተ 2009’ውን ኣነስ መዓስ ሓሚቐ ክትብል ነቲ ተስፋ መመሊሳ’ያ ተጓዕፍሮ ዘላ።  ንዓሰርተታት ዓመታት ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ከም መንዳዓት ኮይኑ ዘሳቕየና ዝጸንሐን ዘሎን ትፋእ ታሪኽ ዝኾነ ስርዓት ህግደፍ መሓውራቱ ብቕሉዕ ክለምስ ጀሚሩ’ሎ።

ኣምባሳደር ተስፋሚካአል ገራህቱ ከም መቐጸልታ ናይቲ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዘጋታት ናይታ ሃገር ቆñጺሩ ዘጠረዞምን
ኣዕጽምቲ ክሳዶም ዘስበሮምን አርትራውያን መንእሰያት ከይኣኽሎ ኣብዚ’ውን ንዕኡ ክደግም ምኳኑ ፈኪሩ ኣሎ።