Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት መንግስታት ኣብ ርእሲ ስርዓት ኤርትራ ውሕሉል ማዕቀብ ካብ ዝወሰነሉ እዋን ጀሚሩ፡ እቲ ካብ ዓለም ዝተነጸለን ብኡ መጠን ዝተኾነነን መሪሕነት ስርዓት ኤርትራ ከይሓነኸ፡ ባይቶ ጸጥታ ዘይሕጋዊ ብይን ከምዝገበረሉ ከምስል ብናህርን ዲፕሎማሲ ብዝጎደሎን ኣገባብ ይጓየ ኣሎ።

ዓለም-ለኻዊ ምንቅስቓስ መንእሰያት ኤርትራ “ጥርኑፍ  መንእሰይ ተስፋ ብሩህ  መጻኢ”   ኣብ ትሕቲ ዝብል ቴማ
ዓርቢ 15 ጥሪ 2010:  ካብ ሰዓት 7 ድ. ቀ ክሳብ 8 ድ.ቀ ዶኩሜንታሪ ፊልም ብዛዕባ ናብራ መንእሰያት ኣብ መዓስከር ስደተኛታት  
ቀዳም 16:   ካብ 2 ድ.ቀ ክሳብ 6 ድ.ቀ ህዝባዊ ሰሚናር

ብሰንኪዚ ኣብ ሃገርና ዘሎ ዘምእኩልን ዘይቅዋማዊን ስርዓት፡ ኣብ ህዝብና ብሓፈሻ ኣብ መንእሰያትና ካኣ ብፍላይ ኣንጠልጢሉን ኣጋጢሙን ዘሎ ሓደጋ ካብ ዝኾነ እዋን ዝኸፍኣን ኣዝዩ ኣሰካፍን ምኻኑ ንማንም ኤርትራዊ ክዉል ኣይኮነን። መንእሰያትና ብሰንኪዚ ዘይምእኩልን ዘይቅዋማዊን ምሕደራ ዝፈትዉዋ ሃረሮምን ቤተሰቦምን ራሕሪሖም ንኽስደዱ ዘጋጥሞም ዘሎ ሽግርን ኣደራዕን ፍታሕ ክናደየሉ ካኣ ብቐንዱ ነቲ መንእሰይ ዝምልከትካ እንተኾነ፡ ብሓፈሻ ግን ነይ ነብስወከፍ ኤርትራዊ ሞራላዊን ዜጋዊን ሓላፍነት እዩ።