Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

Congressእቲ ሸውዓተ ወርሒ ኣቢሉ ተሪፍዎ ዘሎ ሃገራዊ ጉባኤ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ኣብ ኤርትራ፡ እንታይ ንግበር ወይ ነሰላስል ዝብል ኣርእስቲ ቀንዲ ናይቲ ኣኼባ ትሕዝቶ ዝነበረ ቅድሚ ምጅማሩ ሽማግለ ፖለቲካ ኣቶ ኣለም ዘቢብ ብዛዕባ ህልዊ ኵነታት ኤርትራን ህዝባን ስፍሕ ዝበለ መግለጺ ድሕሪ ምሃቡ፡ ቀጺሉ ኣቶ ሰዓድ መ/ሙሳ ኣባል ሃገራዊ ኮሙሽን ብወገኑ ብዛዕባ ሃገራዊ ኮሙሽን ኣልዒሉ ስራሓትን እንታይ ከምዝተሰላሰለን ኣብሪሁ።

mezgebብህዝቢ ኤርትራ ተኻዒቡን ተነጺሉን ዘሎ ዲክታተርያዊ ስርዓት ህግደፍ፡ ነቲ እምነት ኣጥፊኡ መመሊሱ እናረሓቖ ዝኸይድ ዘሎ ኣብ ወጻኢ ዝነበር ስደተኛ ህዝብና ብስዉር ንምቍጽጻር ኣብ ዝዘርግሖ  ስለያዊ መርበብ ናይ ዝነጥፉ ኣብ ሰሜን ኣመሪካ፡ ላስ ቬጋስ ዝርከቡ ሃሱሳት ኣስማት ተቓሊዑ።