Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

Londonን ቀዳም ዕለት 21 ግንቦት 2011 ኣብ ሎንዶን ዓቢ ሰላማዊ ሰልፊ ኣንጻር ስርዓት ህግደፍ ክካየድ ምዃኑ እንዳሓበርና ፣ ኹሉ ኤርትራዊ ፈታው ሰላምን ደላይ ዲሞክራሲያዊ ለውጥን  ክካፈሎ ጻዊዒት ነቅርብ ።

Londonኤርትራውያን ተቀማጦ ሎንዶን ንካልኣይ ጊዜ ንዝኽሪ ናይቶም ኣብ ገማግም ባሕሪ ሊብያ ዝሃለቑ ከባቢ 400 ዝኣኽሉ ንጹሃት ኤርትራውያን ንምዝካርን ንዕኡ ብምምርኳስ ውን ሰፊሕ ዘተ ክካየድ ዝተዳለወ መደብ ንሰኑይ 25 ሚያዝያ ኣብ Abrar House, 45 Crawford Place, Off Edgware Road, London W1 4LP ተዳልዩ ስለዘሎ ኩሉኹም ግዱሳት ኤርትራውያን ኣብቲ ቦታ ክትርከቡ ብትሕትና ነዘኻኽር ። ዝካየደሉ ሰዓት ካብ 2.00 – 6.00 ድ. ቐ እዩ።

Londonኤርትራውያን ተቀማጦ ሎንዶን ንካልኣይ ጊዜ ንዝኽሪ ናይቶም ኣብ ገማግም ባሕሪ ሊብያ ዝሃለቑ ከባቢ 400 ዝኣኽሉ ንጹሃት ኤርትራውያን ንምዝካርን ንዕኡ ብምምርኳስ ውን ሰፊሕ ዘተ ክካየድ ዝተዳለወ መደብ ንሰኑይ 25 ሚያዝያ ኣብ Abrar House, 45 Crawford Place, Off Edgware Road, London W1 4LP ተዳልዩ ስለዘሎ ኩሉኹም ግዱሳት ኤርትራውያን ኣብቲ ቦታ ክትርከቡ ብትሕትና ነዘኻኽር ። ዝካየደሉ ሰዓት ካብ 2.00 – 6.00 ድ. ቐ እዩ።

ብዓርቢ ዕለት 25 መጋቢት 2011 ኣብ ኣፍደገ ኤምባሲ ኤርትራ ሎንዶን ዓባይ ብሪጣንያ ካብ ኩሉ ከተማታት ዓዲ እንግሊዝ ፣ፖለቲካውያን ውድባትን ፣ ቤርጌሳውያን ማሕበራትን ፣ ምንቅስቃስ ኤርትራዊ መንእሰይ ንለውጢ ፣ ደቀንስትዮን ፣መራሕቲ ሃይማኖትን ዓበይቲ ዓድን ከምኡውን ግዱሳት ውልቀሰባትን ዝተሳተፍዎ ዕውት ሰላማዊ ሰልፊ ተኻይዱ ።

Demo Londonኣብ ለንደን ንርከብ ኣባላት ተቃወምቲ ውድባትን በርጌሳዊ ማሕበራትን ብሓባር ፣ ን ዕለት 8 January 2011 ተመዲቡ ዘሎ ፌስቲቫል ህግደፍ ፣ኣውያት ህዝብና ከነቃልሕ ተቃውሞና ከነስምዕ

 ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ ብራሰልስ ዝተገብረ ምስጢራዊ ዋዕላ ንዓና ንደቂ ሃገር ክሳብ ክንደይ ከም ዝፈላለየናን ዘሰሓሓበናን ብቐሊሉ ዝርሳዕ ኣይኰነን። ዋዕላ ብራሰልስ ተወዲኡ ስምብራቱን ኣብ ተቓውሞ ደምበ ዘስዓቦ ፍልልይን ቂምታን ምድኻምን ከይተወድኤ ሎሚውን ካልእ  ካብ ዕለት 18 ዲሰምበር ጀሚሩ ዕለት 20 ዝውድእ ናይ ዓርከይ ዓርክኻ  ምስጢራዊ ዋዕላ ኣብ ሎንዶን  ክግበር ዓቢ ምሽብሻባት ይግበር ምህላዉ ይነፍስ ኣሎ።

ክሉ ከም ዝፈልጦ ስርዓት ህግደፍ ኣብ ወርሓት ሰነን ሓምለን ዝጅምሮ ብስም ፌስቲቫል ዝጽዋዕ ሆሆን ዳንኬራን ኣብ መላእ ዓለም እናዞረ ብሕልና ኣልቦ ዝኾኑ ስሱዓት ስነ-ጥበባውያን ተሰንዩ ወሰን ኢሉ ዝምታን ዝርፊያን ካብ ዝተሓሓዞ ዓመታት ኣቑጺሩ ኢዩ። መቐጸልታ ናቱ ክኣ እንሆ ሎሚ ዘመን ኣብ ዞባ ኤውሮጳ ብከተማ ሎንዶንዝመረ ዝምታ ከመይ ከም ዝነበረ ኣብቲ ውዕሎ ካብ ዝነበሩ ዜጋታት ዝረኸብናዮ ሓበሬታ ጆባእ ንብለኩም። ጃንዳህግደፍ ኣቐዲሙ ዳምዳም ክብለሉ ዝቐነየ ፌስቲቫል ግዚኡ ኣኺሉ ካብ ዓርቢ ዕለት 03 ሓምለ ክሳብ 05 ሓምለ 2009 ዓ-ም ኣብ ዘሎ ጊዜ ከካይዶ ወጢኑ ብኡ መጠን ክኣ ዓርቢ ኣጋምሸት ሚሩ እኳ እንተተባህለ፡ ዝኣትወሎም ሰብ ብዘይ ምርካቦም፡ እቶም ዝርካቦም ምእንቲ ሕጻውንቲ ደቆም ክብሉ 25.00 ፓውንድ ከፊሎም ዝኣተዉ ወለዲ ቀንፈዞው ክብሉ ከም ዘምሰዩ ኣብ መወዳእታ ክኣ ብሰንኪ እኹል ሰብ ዘይምእታው ላህማም ምሸት ከም ዝሓደሩ እቶም ኣብቲ ሕድሮ ዝተረኸቡ ወሃብቲ ሓበሬታ ኣረጋጊጾም።ከም ቀደም ይመስለክን ውሕጅ ይወስደክን።

london

 

 

 

 

ኣብቲ ካብ ኣባላት ኤርትራዊ ደሞክራስያዊ ኪዳንን ቤርገሳውያን ማሕበራትን ብዝተዋጽኡ ዜጋታት ዝቖመት ኣዋሃሃዲት ሽማግለ ተወዲቡ ትማሊ 24 ግንቦት ክሳብ ፍርቂ ለይቲ ዝተኻየደ ጽምብል፡ ብርክት ዝበሉ ኣባላት ተቓወምቲ ውድባትን በርጌሳውያን ማሕበራትን ከምኡውን ገዳይም ተጋደልቲ ዓበይቲ ዓድን ምሁራንን ተረኺቦም።

ኣብ ምዝዛም ዓመተ ክልተ ሽሕን ሸውዓተን ዝወዓለት ናይ መወዳእታ ሰንበት ዕለት 30 ታሕሳስ ኣብ ከተማ ሎንዶን ብጻዊዒት ኣምባሳደር ተስፋሚካኤል ገራህቱ ዝተጸውዐ ናይ ህግደፍ  ኣኼባ ከም ዝተኻየደ ካብቶም እሙናት ደቂ ውሻጠ ዝባሃሉ ኣብ ፈቐዶ እንዳ ሻሂ ክዕለል ቀንዩ’ሎ።

FesLonወኪላት ስርዓት ህግደፍ ነዛ ኣብ ዓዓመቱ ዘካይድዋ ፌስቲቫል ንምክያድ ብዙሕ ሸበድበድ ክብሉ ከምዝቀነዩ ዝስሓት ኣይኮነን ፤ እዚ ክገብር ድሕሪ ምቅናዩ ግን ኣሰልጦ ክረክብ ኣይተኻእለን ዓቢ ፍሽለት ከኣ ኣጋጢምዎ ኩሉ መደባት ተሰናኪሉን ፈሺሉን።