Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

mesfn

ዝወሰድኩዎ ናይ ካብ ኣቦ መንበርነት ሰልፊ ምእላይ ውሳነ፡ ብሙሉኡ ብውሽጣዊ ኩነታት ዝተጸልወን ዝተደፍአን ኢዩ። ጥሙርን ውሁድን ሰልፊ ሃልዩካ፡ ምስ ካልኦት ሓይሊታት ኣብ ፖለቲካዊ ቃልሲ ምእታው፡ ብካልኦት ክትፍለጥን ንካልኦት ክትፈልጥን ዕድል ዝህብ ኢዩ። ክሳብ ሰላማዊን ዲሞክራሲያዊን ኣገባብ ዝተኸተለን፡ ብሓድሕዳዊ ምክብባር ዝተሰነየን፡ ሓይሊን ጽንዓትን ይህበካ፡ ኣተሓሳስባኻን ፍልጠትካን ከተስፍሕ ይሕግዘካ። ኣብ መወዳእታ ከኣ፡ ካብ ናይ ሓባር ባይታ፡ ወይ ከካብ ናትካ መድረኽ፡ ተበጊስካ ብሓድሕዳዊ ምክብባር ክትሰርሕ የኽእለካ። እዚ፡ ካብ ናይ ፖለቲካዊ ፍልልይ ዝተበገሰ፡ ኣብ መንጎ ዝተፈላለዩ ውድባት፡ ቃልሲ ምስ ዝህሉ ማለተይ ኢየ። ሓደ፡ ካብ ካልኦት ናጻ ዝኾነ ፖለቲካዊ ውድብ፡ ኣብ ውሽጡ ዝገብሮ ለውጢታት እንተ ሃልዩ፡ ካብ ውሽጣዊ ኩነታት ዝነቐለ ጥራይ ኢዩ።  

mesfin_hagosቃለ መጠይቕ ምስ መስፍን ሐጎስ — አቦ መንበር ሰልፊ ዲሞክራሲ ኤርትራ 

አቕራቢ ጋዜጠኛ – ወልዱ ሚኪኤል
ኤርትራ ንኣህጉራዊ ዓቃብ ሰላም ካብ መሬታ ክውጽእ ምውሳና፡ ብሕጊ ምኽኑይን ብዲፕሎማሲ ሓጋዚንዶ ነይሩ፡ ወይስ ንናይ ኤርትራ ጉዳይ ሃሳዪ?

ኣህጉራዊ ዓቃብ ሰላም ሰራዊት፡ ኣብ ኤርትራ ክዕስከር ዝብል ውሳነ፡ ምስ ምሕንጻጽን ኣብ ባይታ ምምልካትን ናይቲ ሓድሽ ውሳነ ዶብ ብምትእስሳር ማለት ኢዩ’ምበር፡ ደረት ንዘይብሉ ግዜ ኣብ ኤርትራ ክጸንሕ ኣይኮነን። ኮሚሽን ዶብ ብይኑ ሂቡ። ኣብ ባይታ ከይተመልከተ እነሆ ዳርጋ ሽዱሽተ ዓመቱ ቀሪቡ። ውሳነ ኮሚሽን ዶብ፡ ኣብ ግዜኡ፡ ኣብ ባይታ ብምሕንጻጽ ተተግቢሩ ነይሩ እንተ ዝኸውን፡ ምስሕሓብ ዶብ ኣብቂዑ ምዀነ ነይሩ። ምስሕሓብ እንተ ኣብቂዑ፡ ዓቃብ ሰላም ክሳብ ሕጂ ዝጸንሓሉ ምኽንያት ኣይምነበረን። ዶብ፡ ኣብ ባይታ ክሳብ ዘይተሓንጸጸ፡ ዓቃብ ሰላም ሰራዊት ኣብ ኤርትራ ክጸንሕ ኣለዎ ማለት ቅኑዕ ኣይመስለንን። በቲ ካልእ መዳይ፡ ሰራዊት ዓቃብ ሰላም ብድሌት ኣኣንጋዲ ሃገር ኢዩ ሰፊሩ። ኣኣንጋዲ ሃገር ኣይደለዮን፡ ይወጽእ። ብምውጻእ ዓቃብ ሰላም ሰራዊት ዝኽተል ሳዕቤን እንተ ሃልዩ፡ ናይቲ ሃገር ሓላፍነት ይኸውን።