Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ዝኸበርኩምን ዝኸበርክንን፣
Elsaሎሚ ብምኽንያት ሸሞንተ መጋቢት ኣህጉራዊ ምዓልቲ ደቀንስትዮ ኣብ መንጎኹም ተረኺበ ካብቲ ብዙሕ መዳርግቲ ዘይብሉ ብዛዕባ ኣብ ልዕሊ ሙሉእ ህዝቢ ኤርትራ ብሓፈሽኡን ኣብ ልዕሊ ደቀንስትዮና ብፍላይ  ዝወርድ ዘሎ ግፍዕን ኣደራዕን ንኽዛረብ ዕድል ብምርካበይ ዝስምዓኒ ሓጎስ ወሰን የብሉን።

እዚ ሰለ ዝኾነ ከኣ እቲ ኣሜርካ ወጢኖሞ ዘለው ውሳኔ ንመንግስቲ ኤርትራ ናብ መወልቲ ግብረ ሽበራ ምስራዕ ንጭኹን ህዝቢ ኤርትራ ዝምልከት ከምዘይኾነ ኩሉ ክፈልጦ ዘለዎ ሓቂ’ዩ ፡፡ ውልቀ ሰብ ወይ ጉጅለ ወይ ድማ ስርዓት ኣካል ግብረ ሽበራ ክኸውን ይኽእል’ዩ  ህዝቢ ኤርትራ ግን ኣካል ግብረ ሽበራ ክኸውን ኣይክእልን እዩ ፡፡