Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

haiddlebergከምቲ ኣብ ዝሓለፈ ግዜ ኣብ መርበብ ኢንተርነት ገረገር ( Gereger) ሓባሪ ብዝብል ስም ዘውጽኦ፣ ኤሪ ቲቪ አብ ሃይደልበርግ ተጸፊዓ ዝብል ኣርእስቲ ብዛዕባ ደቂ ኣንስትዮ  ተቐማጦ ሃይደልበርግ/ጀርመን ትንክፍ ኣቢሉ ከምዝነበረ ዝዝከር እዩ ፡ ኣነ ውን ምቕማጠይ ኣብዚ ኸባቢ ከም ምዃኑ  መጠን ቁሩብ ወስ ከብል ኣፍቁዱለይ።

isaiasፕረዚደንት ኢሳያስ (ፒኢኣ) ካብ ሜዳ ኣትሒዙ ሓሶት ብምድግጋምን ምድንጋርን  ጥራይ ከይኣክል ብሓሶት ሓደ ምስ ሓደ እንዳናቖተ ስልጣኑ ከምዘጣጠሐ፣ በቲ መንካዕ’ባ የሚን’ባ እንዳተባህሉ ዝጠፍኡ ዝነበሩ ውፉያት ተጋደልቲ ከነረጋግጽ ንኽእል። እንተኾነ መብዛሕተኦም ተጋደልትና ኣይስተውዓልዎን።

  ኣብዚ ሒዝናዮ ዘሎና ወርሒ ግንቦት ጽምብል ናጽነት ሃገርና ኤርትራ ነኽብር ኣሎና፡፡ ኣብ ኣጋ ምውፋርቕ ዝመጽእ ዘሎ ወርሒ ድማ ንስውኣትና ንዝክረሉ ዕለት ከነብዕል ኢና፡፡ ኣብዚ ክልቲኡ ዕለታት ህማቕ ኣጋጣሚ ኮይኑ ህዝቢ ኤርትራ ብሓባር ብናይ ሓባር ኣርኣእያ ኣይኮነን ዘብዕሎ፡፡ ብዝወሓደ መለክዒ ኣብ ሰለስተ ክፋላት ተኸፊሉ ኢዩ ዘብዕሎ፡፡

ህዝቢ ኤርትራ ካብ መግዛእቲ ቀያሕቲ ደቁ ከፊሉ ዝረኸቦ ናጽነት፡ ክበር ንበር ዝብሎ እምበር ኣብቲ ዘይሓወየ ቑስሉ ብሓለንጊ ዝገርፎ መራሒ ክረክብ ብሓቂ ኣይጻምኡን ኔሩ።

ዳማይ ወራር ብዓወት ኢሰያስ ድሕሪ ምዝዛሙ፡ መንግስታት ኣመሪካን ርዋንዳን ዘበገስዎ ኣርባዕተ ነጥብታት ዝሓዘ
እማመ ሰላም ቀሪቡ። ንሱ ድማ ክልቲአን ሃገራት ካብቲ ዘከራኽረን ቦታታት ክስሕባን፡ ብመሰረት መግዛእታዊ ውዕላት
ድማ ዶበን ክሕንጸጽ ዝብል እማመ ኣቕሪበን።

ኣብ ጅቡቲ ዶብ ጥሒሱ  ቅሉዕ ወራር ከምዝፈጸመ ዝተፈላለያ ማዕከናት ዜና ከቕርብኦ ቀንየን ኣለዋ። ምስዚ ፍጻመታት
ብምትሕሓዝ እምበኣር፡ ኢሰያስ ንምንታይ ዕላማ ነቲ ብጎነጽ ፈጺሙ ክፍታሕ ዘይክእል ዶባዊ ግጭት ንምንህሃሩ
ከምዝጎይን፡ እንታይ ዕላማ ንምውቃዕ እቲ ግጭት ከምዝምህዞን እዚ ዓንቀጽ ክትንትኖ ፈቲኑ ኣሎ።