Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

Eritrea armyበቲ ኣብ ቱኒዝያ ጀሚሩ፡ ብግብጺ ቀጺሉ፡ ኣብ ሊብያ ተጓሃሂሩ ንምልካውያን ስርዓታት ዝሰሃሎም ዘሎ ህዝባዊ ተቓውሞ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ኣብ ከቢድ ሻቕሎት ወዲቑ ዘሎ ስርዓት ህግደፍ፡ ኣብ ኤርትራ ኣብነታዊ ጽልዋ  ኣስዒቡ ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ተመሳሳሊ ተበግሶ ከይወስድ መታን ንኣባላት ሓይልታት ምክልኻል ብሓድሽ መብጽዓታት ንምሕባል ሓዱሽ ጎስጓስ  ከካይድ መደብ ኣውጺኡ ንምትግባሪ ተበጊሱ  ከምዘሎ እሙናት ምንጭታት ካብ ኣስመራ ሓቢሮም።

ኦ! ጅግና ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ!

Alenaካብ ጀነራል ክሳብ ኮፕራል፣ ተጋዳላይን ኣባል ሃገራዊ ኣገልግሎትን፤ ብዝተፈላለየ ማዕረግን ሓላፍነትን ኣብ ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ንዕድመ ውልቀ መላኺ ኢሳይያስ  ኣብ ምድልዳልን፣ ስቅያት ገዛእ ርእስኻን ህዝብኻን ኣብ ምንዋሕን ብዘይ ድሌትካ ተዕወንውን ዘለኻ ጅግና ኤርትራዊ!

ኢሱንስኻ ዲኻ ወዲ ኣፈወርቂ ኣማንካቱ ዎን ንሕና ብዘይ ደሞዝ ኣርባዕተ ዓመት ክንሸቂ ፈሪድኩምና ንስኹም ኣብ ቪኢላታት ኤሪትርያ ትቕመጡ ኣበይ ሃሎ እቲ ናይ ህዝባዊ ስልጣን ናይ ህዝቢ ድተባህለ ኣይትሓፍሩን ባዕልኩም ጠላማት ከሓድቲ ዎ ንሰብ ካሓዲ ትብልዎ ሕጂ ተራኪብና ኣለና ከም’ዛ ንሕና ብቁሪ ንሕለባ ደለና ኣብ’ዚኣ ምሳና ቁሪ ክትሕለብ ኢካ ሾዑ ስልጣን ጥዑም ምዃኑ ይረደኣኩም ናይ ህዝቢ ተሓስቡ፣

ሰራዊት ጽዒና፡ ካብ ተሰነይ ተበጊሳ ናብ ኣስመራ ትጓዓዝ ዝነበረት ዓባይ መኪና ኣብ ሓጋዝ ብነታጕ ድሕሪ ምቅጻላ ኣብኣ ካብ ዝነበሩ ኣባላት ሓይልታት ምክልኻል 30 ክሞቱ ከለዉ፡ ብርክት ዝበሉ ከምዝቖሰሉ ምንጭታት ካብ ኤርትራ ሓቢሮም።


ኣስታት 150 ኣባላት ዝሓዘት ኣሃዱ ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ምስ መራሕ ሓይላ ዝሓለፈ ሰኑይ 31 ነሓሰ ብምሉኣ ሱዳን ኣትያ ኢዳ ከምዝሃበት ምንጭታት ካብቲ ቦታ ሓቢሮም።

ጀጋኑ ኣባላት ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ትማሊ ሓሙስ 13 ነሓሰ 2009 ልክዕ ሰዓት 16፡00 ድሕሪ ቀትሪ ኣብ ከባቢ ማይ ኣጣል ጋሕተላይ ብቀጭ ሕርሙ ዝዓይነቱ ብረት ኣብ ልዕሊ ጸይቀ ዕሉል ፕረዚደንት ኢሰያስ ኣፈወርቂ ከቢድ ፈተነ ቅትለት ኣካይዶም፡ እቲ ፕረሲደንት ንስክላ ክድሕን ከሎ ተሰቂሉዋ ዝነበረ መኪና ብጠያይቲ ከምዝተሃሞኸት ምንጭታት ኣሰና ካብ ኣስመራ ሓቢሮም።

ተስፉ ዘውደ

ከምቲ ኣብ ራብዓይ ክፋል ዝገልጽክዎ እተን መካይን ዕላምአን ንፖርት-ሱዳን ኣትየን ኣብቲ ናይ ምብራቓዊ ሱዳን ዝርከቡ ኤርትራውያን ስደተኛታት ረድኤት ክህባ ኢዩ ተመዲቡ ዝነበረ። ካብ ወደብ ላስፐዝያ ንኣለክሳንድርያ ኣተና። እቲ ኩሉ ዝጽዕነት ናይተን መካይን ንስደተኛታት ስለ ዝኾነ ብስምምዕ ግብጽን ሱዳን ንኩላህና በዚ ጉዳይ ዝትዋፈርና ናይ ዲፕሎማሲ ቪዛ ተወሃበና። ንዓይ ዓቢ ናይ ህላወ ዋሕስ ነበረ። እዚ እውን ኣብቲ ዘካይዶ ምንቅስቓሳት  መጥቃዕቲ ክወርደኒ ስለ ዝኽእል ብወገን ጀርመናውያን ተሪር ስጉምቲ ክወስዱ ዝድርኽ ኩነታት ተፈጢሩ ኣሎ ማለት ኢዩ።

EDFኣባላት ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ነቲ ስርዓት ህግደፍ 88 ዓድታት ብሓይሊ ንምፍንቓል ዘውጽኦ ኣዕናዊ መደብ ኣብ ጎድኒ ህዝቦም ኮይኖም ክቃወሙዎ ጀሚሮም ከምዘለዉ ምንጭታትና ሓቢሮም።

ሓይልታት ጸጥታ ህግደፍ ምስ ገለ ሰበስልጣን ሱዳን ብምትሕብባር ብ ክልተ ጥሪ 2009 ካብ ካርቱም፡ ከላክላ ጉባ ካብ ዝተባህለ ቦታ ንሓደ ማሕሙድ መሓመድ ንስሙ ዜጋ ከምዝጨወዩ ምንጭታት ካብቲ ቦታ ቦታ ሓቢሮም።

ኣብ ዞባ ደቡብ ኣብ መስርዕ ተቓውሞ ጸኒዖም ዘለዉ ጀጋኑ ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ፡ ነቶም ገንዘብ ዘይከፈልኩም ተባሂሎም ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ መንግስቲ ተቐይዶም ዝጸንሑ 618 ወለድን ስድራቤታትን ብሓይሊ ብረት ነጻ ከምዘምጽኡዎም ምንጭታትና ካብቲ ከባቢ ሓቢሮም።