Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

asenaእዚ ሎሚ ጀሚሩ ዘሎ፡ ኣብ ሰሙን ሰለስተ ግዜ ማለት፡ ሰኑይ፡ ረቡዕን ዓርብን ብኣቋጻጽራ ኤርትራ ካብ ሰዓት 8፡00 ክሳብ ሰዓት 9፡00 ምሸት ዝፍኖ መደብ፡ ነታ ብፍላይ ናብ ኤርትራ ኣብ ሰሙን ክልተ ሳዕ ነናይ ፍርቂ ሰዓት መደብ ጥራይ ትፍኑ ዝነበረት ራድዮ ኣሰና፡ ካብ ጽበት ግዜ ብመጠኑ ከገላግላ እዩ።

ብዕለት 6 ኅዳር 2010፡ ዶ/ር ክብርኣብ ይሥሓቕ፡ ነባሪ ሰላም ብመትከላት (መገዲ) ሃገራዊ ዋዕላ” ኣብ ዝብል ኣርእስቲ፡ ትምህርቲ ንሕዝቢ ኣቕሪቡ ነበረ። ኣቶ ጸጋዘኣብ ዮውሓንስ ኣብ ምምሕዳር’ቲ ኣኼባ፡ ከምኡ መምህር ማሕሙድ ኣደም ናብ ቛቓንቛ ዓረብ ብምቱርጋም ተሓባበሩ።

Human rights Assennaአብዚ መሰል ደቂ ሰባት ንክኽበር ዝዕድም መዓልቲ ዓለም ለካዊ ትካል ናይ ሕቡራት መንግሥታት በዚ አርእስቲ’ዚ ክንጽሕፍ ምኽንያት ዝኾነ ብዛዕባ ሰብአዊ መሰልን አጀማምራኡን ንሕዝቢ ዝያዳ ሓበሬታ ብዛዕባ መሰል ዜጋን ሕብረተሰብን ንምሃብ ዘተዀረ ጽሑፍ ኢዩ።

edpሰልፊ ደሞክራሲ ኤርትራ(ሰደኤ)፡ ብሰንኪ ገለ ክፋል መሪሕነቱ ዝወሰዶ ውሳነ ሰልፊ ንኢትዮጵያ ብምእታው ዘጋጠሞ ዉሽጣዊ ቅልውላው ንምፍታሕ ዝጸውዖ ህጹጽ ጉብኤ ብዓወት ዛዚሙ፡፡ ኣብዚ ብዕለት 21-22 መስከረም ኣብ ሃገረ ጀርመን ከተማ ፍራንክፈርት፡ ካብ ጀርመን፡ ስዊድን፡ ስዊዘርላንድ ዝመጹ ልኡኻት ብኣካል ክሳተፉ እንከለው፡ ካብ ኣመሪካ፡ ደቡብ ኣፍሪቃን ብመልኽትታቶም ደገፎም ኣረጋጊጾም፡፡ (ስእላዊ መግለጺ ጉባኤ You Tube ኣብ ታሕቲ ተመልከቱ)