Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ኮይኑ ግና፡ ንቅኑዕ ኣራኣእያ ምትርጓምን፡ ብዘለካ እምነት ምስራሕን ጎደለ። እዚ ኹሉ ዓመታት ቃልሲ፡ ብዛዕባ ሽግራት ህዝብናን ሃገርናን፡ ኣጋባብ መፍትሒኡን ዝተሓንጠጠ ቀለም፡ ተጸሚቑ ኣብ በራሚል ኣኪብና እንተነፍስሶ፡ ሰብ ዝወስድ ውሕጅ መበገሰ።

መትከል ርእሰ- ውሳነ ከም መካተዒ ኣርእስቲ ኮይኑ ብብዙሓት ፈሊጣውያን ፖሊቲካውያን መራሕቲ ውድባት ከከም ኣነባብኦምን ኣረዳዶኦምን፣ ብዝተፈላለ ክገልጽዎን ክትርጉምዎን ጸኒሖምን ኣለዉን፣

 ትማሊ ኣብ ኤርትራ መበል 18 ዓመት ነጻነት ኤርትራ ከቢሩብ ውዒሉ።ኣብ ዓይነት ይኹን ትሕዝቶ ፍሉይ ነገር ኣየምጸኣን።ከም ቀደሙ ንሕማቕን ሰነፍን ዘሕጉስ ጎደናታ ት ብመሳጢ ጠቕሲ፡ጎልጎል ብሕብራዊ ክዳን ዝለበሱ መናእሰያት ተሰሊሙ ከበሮን ተወ ቒዑ ክራር ምስ ኦርጋን ኣቓሊሑ።ሰባት ተኸዳዲኖም ኣደታት ተቖኒነን ተለባቢሰን ውጺአን፡እዚ ግን ነቲ ኣብ ውሽጦም ዘሎ ስቓይ ኣይሓብኦን፡ዝተዛረቡ ከኣ ክሓብኡ ዝ ደለዩ ወይ ጌጋ ቃል ከየስቱኹ ሰጋእመጋእ እናበሉ ምድማጾም ገጾም ክምስክር፡ኣብ ቃላ ቶም ተሓጉሸ፡ ጽቡቕ ርእየ…ገለስ ሕሉፍ ሓሊፉዎም ዮሃና ንክቡር ፕረዝደንትን ኣመ ራርሓኡን ምባሎም ከኣ ብዙሕ ክበሃል ዝከኣል እንተኾነ፡ኣብ ጥቃ መን ከምዘለው ፈሊ ጦም ዘወጻጽእ ምዝራቦምውን ምልክት ናይቲ ዘሰክፍ ኩነታት ምዃኑ ይሕብር።

mesfn

ሰልፊ ደሞክራሲ ኤርትራ፡ ኣቦ ወንበሩ ዝነበረ መስፍን ሓጎስ ንዘቕረቦ ስልጣን ናይ ምልቃቕ ሕቶ ብምቕባል ንኣቶ ተስፋሚካኤል የውሃንስ ከም ኣቦ ወንበር ሰልፊ ከምዝተከኦ ሎሚ 9 ሚያዝያ 2009 ኣብ ዝለኣኾ ጋዜጣ መግለጺ ሓቢሩ።

እቲ ሰራዊት ኣልዒሉዎ ዘሎ ሕቶ ፡ መሰረታዊ ጠለብ ህዝቢ ‘ምበር ሕቶ ደሞዝ ከምዘይኮነ ኮሚተ ድሕነት ሰራዊት ምክልኻል ኤርትራ ኣፍሊጡ።

asenaእቲ ንነዊሕ እዋን ዝተጸበናዮን ዝሓለምናዮን፡ እቲ መዳርግቱ ውሑድ ዝኾነ መስዋእቲ ዝኸፈልናሉን፡ ከምሰብ ብክብረት ናይ ምንባር ባህግና ሎሚ ብመንገዲ ኣሰና ብዝቃላሕ ዘሎ ዘሐብን ምንቅስቓስ ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ፡ ካብ ድቕድቕ ጸላም ናብቲ ወገግ ዝበለ ብርሃን ተሰፋ ተገማጊሙ ንዕዘብ ኣሎና።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣኼባ ማእከላይ ባይቶ ከካይድ ክታሞም ዝተነብሮ መወዋዕታ ኣቕሪቦም ካብ ዝነበሩ ብ ጉጅለ 15 ዝፍለጡ ላዕለዎት ሓለፍቲ መንግስቲ ኤርትራ ነበር ሓደ ዝነበረ፡ ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ሽወደን ተሰዲዱ ዝነብር ገዲም ተጋዳላይ መሓመድ ብርሃን ብላታ፡ እቶም ዲሞክራስያዊ ለውጢ ዝጠለቡ ሓርበኛታት፡ ፍትሓውን ህዝባውን ሕቶ ህዝቢ ሒዞም፡ በቲ ምልካዊ ስርዓት ኣብ ጸላም ቤትማእሰርቲ ይሓቁ ከምዘለዉ ኣገንዚቡ።