Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

Swedenትማሊ ሰንበት ዕለት 7 ሕዳር 2010 ኣብ ከተማ ዮተቦርግ ብርክት ዝበሉ ኤርትራውያን ካብ ፖሊቲካዊ ውድባትን ብርገሳዊ ማሕበራትን፣ ውልቀ ሰባትን ዝተሳተፍዎ ኣኼባ ኮሚስዮን ንደሞክራስያዊ ለውጢ ተኻዪዱ።

Swedenብምኽንያት 8 መጋቢት ኣህጉራዊ መዓልቲ ደቂ- ኣንስትዮ፣  ኤርትራውያን ማሕበር ደቂ-ኣንስትዮ ንውሕደት ኣብ ሽወደን፡  ምስ ስዊድናዊ-ኤርትራዊ ሕብረት ንዲሞክራስያዊ ምዕባለ፣ ንቀዳም ዕለት 6 መጋቢት 2010፡ ኣገዳሲ ሰሚናርን፡ ባህላዊ ምሸትን ኣዳልዩልኩም  ሰለዘሎ፡ ኣብዚ ታሪኻዊ ምሸት ንኽትሳተፉ ብኽብሪ ይዕድመኩም ኣሎ።

ኤርትራዊ ዲሞክራሲያዊ ኪዳን (ኤዲኪ) ኣብ ዋሽንግቶን ዲሲን ኣትላንታን ህዝባዊ ኣኬባ ከምዝገበረ ዝዝከር እዩ። ኣብ ከተማ ዳላስ እውን ብኣላይነት ዳላስ ፎረም (Eritrean-American Public Forum of Dallas and Fort-Worth) ዝተባህለ በርጌሳዊ ማሕበር ኤዲኪ ዓቢ ናይ ህዝቢ ኣኬባ ኣዳልዩልኩም ኣሎ። እዚ ናይ ህዝቢ ኣኬባ ብኣቦ ወንበር ኤዲኪ ብጻይ ተወልደ ገብረስላሰን ናይ ወጻኢ ጉዳይ ኤዲኪ ወኪል ብጻይ ኑር እድሪስን እዩ ክካየድ።