Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ስርዓት ህግደፍ ኣብቲ ኣብ ካብ ዓለም ዝለዓለ ሙቐት ከምዘለዎ ዝእመነሉ ወደብ ዓሰብ፡ ኣብ ትሕቲ መሬት ን ሽዱሽተ ዓመት መመላእታ ዝኣሰሮም ኣርባዕተ ኣመንቲ ክርስትና ተሳቕዮም ከምዝሞቱ CFC ዝተባህለ ንመሰል ናጽነት ሃይማኖት ዝጉስጕስ ማሕበር ንናይ ዓይኒ መሰኻኽር ጸብጻብ ብምጥቃስ ኣፍሊጡ። ካልኦት ኣርባዕተ ኣመንቲ ‘ውን ንሓያለ ኣዋርሕ ኣብ ጸላም ተኣሲሮም ድሕሪ ምጽናሕ ሃንደበት ናብ ብርቱዕ ብርሃን ብምቅልዖም ዓይኖም ከምዝዓወሩ እቲ ሓበሬታ ይጠቅስ። 

mendefera

ዲክታቶርያዊ ስርዓት ኢሳያስ ካብ መንደፈራ ክሳብ እምኒ ሓይሊ ዘሎ 15 ኪ.ሚ. ዝኸውን መሬት፡ ብዘይካ ጐቦታትን ጀራዲንን ካብ ዋናታቱ ዝዀኑ ሓረስቶት መንዚዑ፡ ባዕሉ ብዝመጽአን ብዓሰርተታት ዝቝጸራ ትራክቶራት ክሓርሶ ጀሚሩ ኣሎ።

HREነቦይ ነደይ፡ ንብዓልቲ ኪዳንይ ንሓድገይ ከይበሉ ጀጋኑ ኤርትራ ዝተደፍኡሉ ናይ ደም መሬት፡ ምስ ሓጥያትኩም ትረግጹዎ ዘለኹም ኣዛብእ ኤርትራ፡ ወይልኹም! ኣብ መንጎ ኪወግሓኩም እዩ!

Assenna On Eritrea State Newspapersኣብ ጋዜጣና፡ ስራሕ፡ ምዕባለ፡ ጽጋብ፡ ፍትሒ፡ ሓጎስ ጥራይ እዩ ዝንበብ። እቲ ኣብ መሬትና ተደኵኑ ዘሎ ሽቕለት ኣልቦነት፡ ድኽነት፡ ጥምየት፡ ዓመጽ፡ ጓህን ንብዓትን ኣብ ጋዜጣና ሰፈር የብሉን።